ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ለካቲት ገጽ 4
  • ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብጥበብ ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብጥበብ ተጠቐመሉ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብጥበብ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ሳጹን ሕቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ብእተፈላለየ ቛንቋታት ጽሑፋት ምብርካት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ጽሑፋትና ብጥበብ ንጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ለካቲት ገጽ 4
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሰበይቲ ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ኬበርክቱላ ኸለዉ፡ ጽን ኢላ ትሰምዖም

ክርስትያናዊ ህይወት

ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብጥበብ ተጠቐመሉ

የሱስ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢሉ መሃረ። (ማቴ 10:8) መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ጽሑፋትና ብናጻ ብምሃብ ነዚ ንጹር መምርሒ እዚ ንስዕብ ኢና። (2ቈረ 2:17) ይኹን እምበር፡ እዚ ሕታማት እዚ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክቡር ሓቅታት ዝሓዘ እዩ። ተሓቲሙ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዚርከባ ጉባኤታት ዚለኣኽ ድማ ብብዙሕ ጻዕርን ወጻኢታትን እዩ። ስለዚ፡ ዜድልየና ዘበለ ጥራይ ክንወስድ ኣሎና።

ንኻልኦት ጽሑፋት ኣብ እትህበሉ እዋን፡ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት እውን እንተዀነ ምስትውዓል ተጠቐም። (ማቴ 7:6) ንዝዀነ ይኹን ሓላፍ መገዲ ስቕ ኢልካ ጽሑፋት ኣብ ክንዲ ምሃብ፡ እቲ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ከተመያይጦ ጻዕሪ ግበር። ኣብዛ ጐድኒ ዘላ ሳጹን ካብ ዘለዋ ሕቶታት ብውሕዱ ንሓንቲ፡ “እወ” ኢልካ ኽትምልስ ትኽእልዶ፧ ተገዳስነት ሓደ ሰብ ክትፈልጥ እንተ ዘይክኢልካ፡ ትራክት እንተ ሃብካዮ ዝሓሸ እዩ። ልክዕ እዩ፡ መጽሔት ወይ ካልእ ሕታም ክንህቦ እንተ ሓቲቱና፡ ባህ ኢሉና ሓንቲ ቕዳሕ ክንህቦ ንኽእል ኢና።—ምሳ 3:27, 28።

እቲ ሰብ . . .

  • ክንዛረብ ከለና ጽን ኢሉ ይሰምዕ ድዩ፧

  • ኣብቲ እንገብሮ ምይይጥ ይሳተፍ ድዩ፧

  • ነቲ ጽሑፍ ኬንብቦ ይሰማማዕ ድዩ፧

  • ወፈያ ይገብር ድዩ፧

  • ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዚሰምዖ ኸም ዜማስወሉ ይገልጽ ድዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ