ብእተፈላለየ ቛንቋታት ጽሑፋት ምብርካት
1. ብዙሓት ጉባኤታት ብናይ ወጻኢ ሃገር ቋንቋ እተዳለወ ጽሑፋት ዘድልየን ስለምንታይ እዩ፧
1 ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብዙሓት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ይርከቡ እዮም። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ብቛንቋኦም ምስ ዝመሃሩ: ንሓቂ ቀልጢፎም ብዕምቈት ክርድእዋ ይኽእሉ። ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት በቲ ኣጸቢቖም ዝርድእዎ ቛንቋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ንምብርካት እንታይ ምድላዋት ክግበር ይከኣል፧
2. እተፈላለየ ቛንቋ ዝዛረባ ኽልተ ወይ ካብኡ ዝበዝሓ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ዞባ ኸገልግላ ኸለዋ ብኸመይ እየን ክተሓባበራ ዘለወን፧
2 ጽሑፋት መዓስ ይብርከት፧ እተፈላለየ ቛንቋ ዝዛረባ ኽልተ ወይ ካብኡ ዝበዝሓ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ዞባ ምስ ዘገልግላ: ኵሎም እቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሰባት ምሉእ ምስክርነት ምእንቲ ኽወሃቦም እቶም ኣካል ሽማግለታት ብናይ ኣገልግሎት ተዓዘብቲ ኣቢሎም ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዝጥዕም ምድላው ይግበሩ። ኣስፋሕቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝሰብኩሉ እዋን በቲ ኻልእ ጉባኤ እትጥቀመሉ ቛንቋ ጽሑፋት ከበርክቱ የብሎምን። ይኹን እምበር: ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክህቡ ኸለዉ ወይ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክሰብኩ ኸለዉ ብናይ ካልእ ቋንቋ እተዳለወ ጽሑፍ ክዕድሉ ይኽእሉ እዮም።—ኣብ ናይ 10/09 (ጥቅምቲ 1990) ገጽ 5 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት ሕቶ ሳጹን ርአ።
3. ሓንቲ ጉባኤ ብናይ ወጻኢ ቛንቋ እተዳለወ ጽሑፋት መዓስ ኣብ መኽዘና ኽትሕዝ ትኽእል፧
3 ጽሑፋት መዓስ ኣብ መኽዘን ይተሓዝ፧ ኣብ ሓደ ኸባቢ ብዝሕ ዝበሉ ደቂ ኻልእ ዓዲ እንተ ሃለዉ እሞ በቲ ቛንቋኦም ዝቘመት ጉባኤውን እንተ ዘየላ እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ጉባኤታት በቲ ቛንቋ እቲ እተዳለወ ትራክትታት: ብቕዓት ከምኡውን ዓርኪ ኣምላኽ ዝበሃላ ብሮሹራት: ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ጽሑፋት ኣብ መኽዘነን ክሕዛ ይኽእላ። ኣስፋሕቲ ነቲ ቛንቋ እቲ ዘንብቡ ሰባት ከጋጥምዎም ከለዉ ነቲ ጽሑፋት ከበርክቱሎም ይኽእሉ እዮም።
4. ኣብ ሓንቲ ጉባኤ በቲ ዝድለ ቛንቋ ጽሑፍ እንተ ዘየለ: ብኸመይ ክርከብ ይከኣል፧
4 ጽሑፋት ንኽመጸልካ ብኸመይ ትሓትት፧ ሓንቲ ጉባኤ ሓደ ተገዳስነት ዘሕደረ ሰብ ብዘንብቦ ቛንቋ እተዳለወ ጽሑፍ እንተ ዘይብላ: በቲ ቛንቋ እቲ እተዳለወ ጽሑፍ ብኸመይ ክርከብ ይከኣል፧ ኣስፋሕቲ ምስቲ ናይ ጽሑፍ ኣገልጋሊ ብሓባር ኰይኖም ኣየናይ ጽሑፍ ክርከብ ከም ዝከኣልን ኣብ ዝቕጽል እታ ጉባኤ እትልእኮ ናይ ጽሑፍ መሕተቲ ቕጥዒ እንታይ ንኽመጸሎም ክመልኡ ኸም ዘለዎምን ክውስኑ ኣለዎም።
5. ካብቲ ብመሕተቲ ቕጥዒ ዝኣዘዝካዮ ጽሑፍ ዝመጸካ ግዜ ኣቐዲሙ ጽሑፍ ክመጽእ እንተ ተደልዩ እንታይ ክግበር ይከኣል፧
5 እቲ ጽሑፍ ብቕልጡፍ ክመጽእ ምስ ዝድለ: እቲ ኣስፋሒ ንሓደ ኻብቶም ናይ ጉባኤኡ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኻብቲ ኣብ ዝቕጽል ናይ ጉባኤ ጽሑፍ መሕተቲ ዝለኣኸሉ እዋን ኣቐዲሙ ኽሕተተሉ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ኽሓትት ይኽእል እዩ። እዚ እንተ ተፈቒዱሉ: እቲ ናይ ጽሑፍ ኣገልጋሊ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እቲ እተደልየ ጽሑፍ ብቕልጡፍ ንኽመጸሉ ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ክሓትት ይኽእል እዩ። እቲ ጽሑፍ ናብቲ እታ ጉባኤ ወትሩ እትቕበለሉ ኣድራሻ ወይ ከኣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ናብቲ ንግዜኡ ኽጥዕም ተባሂሉ እተዋህበ ኣድራሻ ኽለኣኽ እዩ።
6. ንሰባት ክርስትያናዊ ጽሑፋት ከነበርክተሎም ከለና ሸቶና እንታይ እዩ፧
6 እምበኣር ቋንቋ ብዘየገድስ ክርስትያናዊ ጽሑፋትና ን“ዅሉ ሰብ” ‘ናብ ፍልጠት ሓቂ ንምምጻእን ንምድሓንን’ ንጠቐመሉ።—1 ጢሞ. 2:3, 4