ንየሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ወድስዎ
1 እቲ ምንጪ ናይ ኵሉ ህይወትን ሓጐስን ዝዀነ ኣምላኽና: የሆዋ: ድንቅን ፈቃር ፈጣርን ኢዩ። ነቲ ዕቤቱ ኣብ ግምት ብምእታው: ካብ ኵሎም ፍጡራቱ ብሓቂ ውዳሴ ዝግብኦ ኢዩ። በብውልቅና ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ክንብል ኢና እንደሊ:- “ንዅሉ ምስጋናኻ . . . ክውስኸሉ እየ። ኣፈይ ጽድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ።” (መዝ. 71:14, 15) ነዚ ንምግባር: ንየሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ክንውድሶ መገድታት ክንደሊ ከምኡውን ብዛዕባኡ: ብዛዕባ ጽድቁ: ከምኡውን ናይ ድሕነት ምድላዉ ጽቡቕ ክንዛረብ ክንለዓዓል ይግብኣና።
2 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ንየሆዋ ብምውዳስ ጽቡቕ ኣብነት ሰሪዖም ኢዮም። ነቶም ብጴንጠቆስተ እተጠመቑ 3, 000 ሰባት ዝምልከት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:46, 47 ከምዚ ነንብብ:- “ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ: . . . ንኣምላኽ እናኣመስገኑ . . . ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ [መጎስ ትሓዓ ] ነበሮም። እግዚአብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።” ብዛዕባ የሆዋን መሲሁን ዘደንቕ ሓቅታት ይማሃሩ ነበሩ። እቲ ሓጐሶም ተመሓላላፊ ነበረ: ካልኦት ንኽሰምዑን ክማሃሩን ንየሆዋ ክውድስዎን ድማ ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ።
3 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣጋጣሚታት ኣለዉ:- ሎሚ ብዙሓት ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንየሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ክውድስዎ ከም ዝኽእሉ ተገንዚቦሞ ኣለዉ። ኣቐዲምካ ምውጣን ዝያዳ ኣፍረይቲ ንኽዀኑ ሓጊዝዎም ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትሳተፍ ዝወሰነት ሓብቲ ሓደ ሰብ መኪናኣ ሰበረላ። መካኒክ ጸወዐት እሞ ነቲ ሰብ ክትምስክረሉ ድማ ተዳለወት። እቲ ዝገበረቶ ምድላው ናይ የሆዋ መምርሒ ክትረክብ ምጽላይውን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ነቲ መካኒክ መስከረትሉ እሞ ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ኣበርከተትሉ።
4 ሓንቲ ካልእ ሓብቲ ምስ ጎረቤታ ከልቢ ከናፍሳ ከለዋ ኵሉ ግዜ ይራኸባ ነበራ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ናይ ህይወት ሽግራት ዝምልከት ዕሙቝ ዝበለ ዝርርብ ገበራ: እዚ ድማ ናብ ዝያዳ ምይይጥ ኣምርሐ። ድሕሪ ገለ ግዜ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ዘገርም ድማ እታ ጎረቤት ኣብ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ዘይትኣምን ስለ ዝነበረት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም ኣብ ገዝኣ እንተ ዝዅሕኵሕዋ ነይሮም ከም ዘይትሰምዖም ተናዘዘት።
5 ገሊኦም ድማ: ሸየጥቲ ወይ ካልኦት ሰባት ናብ ገዝኦም ክመጹ ከለዉ ምስክርነት ክወሃብ ከም ዝኽእል ረኺቦምዎ ኣለዉ። ኣብ ኣየርላንድ እትርከብ ሓንቲ ሓብቲ ሓደ ናይ ህይወት መድሕን ዘእቱ ሰብ ናብ ገዝኣ መጸ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ከተስተማቕር ትጽበ ከም ዘላ ገለጸትሉ። እዚ ነቲ ከም ናይ ሮማ ካቶሊክ ኰይኑ ዘዓበየ ሰብኣይ ፈጺሙ ሓድሽ ሓሳባት ኢዩ ነይሩ። ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ተቐበለ: ኣብታ እትስዕብ ሰሙን ኣኼባ ተኻፈለ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ድማ ተሰማምዐ። ሕጂ እዚ ነጋዳይ እዚ እተጠመቐ ሓው ኢዩ።
6 ኵልና ነቲ ንየሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ክንውድሶ ዘሎ ኣጋጣሚታት ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። ገለ መጽሔታትን ትራክትታትን ኣብቲ ሰባት ክርእይዎ ዝኽእልሉን ብቐሊሉ ንበጻሕቲ ክዕደል ዝኽእለሉን ቦታ ክቕመጥ ሓጋዚ ኢዩ። ኣብ ሓድሓደ ከባቢታት ኣብቲ ኣብ መናፈሻ ዘሎ ኮፍ መበሊ ገለ ግዜ ምሕላፍ ነቶም ንቑሩብ ደቓይቕ ከዕርፉ ዝመጹ ሰባት ክትምስክረሎም ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክህበካ ይኽእል ኢዩ። ገለ ኣብ ትምህርቲ ዘለዉ መንእሰያት መሰኻኽር ምስ ሓደ ነቲ መጽሔት ዝርእዮ እሞ ሕቶታት ዝሓትት ሰብ ዝርርብ ምእንቲ ኽጅምሩ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣብ ሰደቓኦም የቐምጡ። ክትጥቀመሎም እትኽእል ሓደ ወይ ክልተ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መወከሲ ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ። ንየሆዋ ክሕግዘካ ለምኖ። ከምዚ ብምግባርካ ክትባረኽ ኢኻ።—1 ዮሃ. 5:14