ሰማዒት እዝኒ ከመይ ገይረ ክረክብ እኽእል፧
1 ኣብ ከተማ ፊልጲ “ልድያ እትብሀል: . . . ሰበይቲ . . . ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ: ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ: እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ።” (ግብ. 16:14 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧ ጽን ምባል ንሓደ ሰብ ሓቂ ንኽማሃር ኣፍደገ ዝኸፍተሉ ምዃኑ ኢዩ። ሓንሳእ ሰማዒት እዝኒ እንተድኣ ረኺብና: መልእኽትና ንኸነቕርብ ቀሊል ኢዩ ዝዀነልና። እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧
2 ኣብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምክፋልና: ንኣለባብሳናን ነቲ እንጥቀመሉ ነገራትን ኣቓልቦ ክንገብረሉ ይግብኣና። ስለምንታይ፧ ሰባት ነቲ ንገዛእ ርእሱ ብኽብሪ ዘቕርብ ሰብ ኢዮም ብዝያዳ ክሰምዕዎ ዝደልዩ። ኣለባብሳና ጽሩይን ሕንኪ ዘለዎን ድዩ፧ ውዝልና ኣብ ዓለም ልሙድ እኳ እንተዀነ: ንሕና ግን ንመንግስቲ ኣምላኽ እንውክል ኣገልገልቲ ስለ ዝዀንና ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምግዳስ ወጊድ ኢና እንብሎ። እቲ ጽሩይን ንጹህን ትርኢትና: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ምኡዝ ምስክርነት ኢዩ ዝውስኸሉ።
3 ተቐራብን ዘኸብርን ኩን:- ምዉቕን ናይ ልብን ፍሽኽታ ነቲ በዓል ቤት ከም ዝፈዅሶ ክገብር ዘሐጕስ ምይይጥ ድማ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። ቅንዕናናን ጽቡቕ ኣገባብናን ኣብ ኣዘራርባናን ጠባይናን እውን ከንጸባርቕ ኣለዎ: እዚ ድማ ነቲ በዓል ቤት ዘቕርቦ ርእይቶታት ጽን ኢልና ብኣኽብሮት ምስማዕ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ።
4 ዕላማና ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋታት ንኻልኦት ምክፋል ኢዩ። ስለዚ ኣዘራርባና ዝስሕብ ድኣ እምበር ዝብድህ አይኰነን። ምስ ሓደ ብግልጺ ዝቃወም ሰብ ብምክርኻር ግዜና ከነጥፍእ ዘድሊ ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 2:23-25) ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ወይ ከኣ መጽሓፍ ምምርማር ኣቀራርባታት ክንመርጽ ንኽእል ኢና።
5 ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕና መብዛሕትኦም ሰብ ቤት ነቲ ልክዕ ዝበልናዮ ኣይዝክርዎን ኢዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ኣገባብ ኣዘራርባ ዳርጋ ኵሎም ክዝክርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ ሰናይን ሕያውነትን ሓይሊ ፈጺምና ኣቕሊልና ክንርእዮ ኣይግብኣናን ኢዩ። ብግቡእ እንተድኣ ተዳሊና ብምዉቕን ዘእምንን ኣገባብ ክንዛረብ ስለ እንኽእል: ንሓቂ ሰማዒት እዝኒ ዝህቡ ብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ሰባት ከም እንረክብ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ማር. 4:20፣ 1 ጴጥ. 3:15