ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/96 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንመጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንመጋቢት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 3/96 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንመጋቢት

4 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 1

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ‘ኵሉ መዓልቲ’ ባርኽዎ።” ሕቶን መልስን። ግዜ ዘፍቅደልካ እንተድኣ ኰይኑ ካብ ቁጽሪ 2-5 ዘሎ ኣንብብ። ንሓጋዝን ስርዓታውን ናይ ፓይነር ዕዮ: ሃናጺ ምትብባዕ ሃብ።

20 ደቒቕ:- “ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ናብ ህይወት ይመርሕ።” ነቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ኣቀራርባታት ድገሞም። ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ኣቕርብ።

መዝሙር 78ን መዕጸዊ ጸሎትን

11 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 164

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ እተረኽበ ሃናጺ ዝዀነ ናይቲ ከባቢ ተመኵሮታት ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- “ካብቲ ናይ 1996 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጠቐሙ​—⁠ክፍሊ 3።” በቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ። ነቶም ዝኽእሉ ዘበሉ ዅሎም ክምዝገቡን ክፍልታቶም ድማ ብተኣማንነት ከቕርቡን ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- ንነገራት ብስድራቤት ኴንኩም ሓቢርኩም ግበርዎ። ኣቦ በቲ ኣብ 1 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16⁠-​19 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሓሳባት ገይሩ: ንስድራቤቱ ብዕላል መልክዕ ኣድላይነት ናይ ሕብረት ይገልጸሎም። ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕትን ዕዮ ወንጌላውነትን ኣተኵሮ ግበር። ዘመናውያን ስድራቤታት: መብዛሕትኡ እዋን ሓቢሮም ዘሕልፉሉ ግዜን ብሓባር ዘገድሶም ነገርን ስለ ዘይብሎም: ክሳዕ ክንደይ ይበታተኑ ከም ዘለዉ ጥቐስ። ሓቢርካ ንቓል ኣምላኽ ምጽናዕን ኣብ ኣገልግሎት ምክፋልን ንክርስትያናዊት ስድራቤት በረኸት ኢዩ። እቲ ኣቦ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ግቡእ ገይሩ ከመሓድር: እታ ኣደ ኸኣ ክትተሓባበር ክሳዕ ክንደይ ተደላዪ ምዃኑ ጽቐጠሉ። ቈልዑ ምስ ወለዶም ጠቢቖም ብምዕያይ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ተገዳስነት ከርእዩ ኣለዎም። ስድራቤት ነቲ ናይ ዓለም ኣነባብራ ንኽትነብር ዝመጻ ቀጻሊ ጸቕጥታት ንኽትዋጽኣሉ ክትሓብርን ክትዕጠቕን ኢያ።

መዝሙር 211ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። እቶም ጽንዓታት ዝመርሑ ነቶም ሓደስቲ እሞ ኸኣ ጽቡቕ ምዕባለ ዘርእዩ ዘለዉ ጽንዓታውቶም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንምዃን ክመጣጠሩ ከተባብዕዎም ይግባእ። ወለዲውን ንውሉዳቶም ኣስፋሕቲ ንኽዀኑ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ኣብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 97⁠-​100 ተዋሂቡ ዘሎ ክሰዓብ ዘለዎ መምርሒ ድገሞ።

15 ደቒቕ:- “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ:” ካብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 135⁠-​137። ሕቶን መልስን።

20 ደቒቕ:- “ካልኦት ነቲ ናብ ህይወት ዝመ⁠ርሕ ፍልጠት ከጥርዩ ሓግዝዎም።” ነቶም ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትጥቀሙሎም ተባሂሎም ቀሪቦም ዘለዉ ኣቀራርባታት ድገሞም። ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ኣቕርብ። ጽንዓታት ንኽትጅምር ዝግበር ሸቶ ኣድላዪ ምዃኑ ጽቐጠሉ።

መዝሙር 130ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 5

15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። “ንናይ ዝኽሪ በዓል ዝኸውን መዘኻኸሪታት” ድገሞ። ኣብኡ ምክፋል ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ግለጽ። (ነቲ ናይ 15 ለካቲት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 18⁠-​20 ርአ።) ነቲ ንኣረጋውያን: ብኣካል ንዝደኸሙ: ከምኡውን ንሓደስቲ ምእንቲ ክመጹ ንምሕጋዞም እተገብረ መደባት ድገሞ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ዝዓበየ ናይ ኣገልግሎት ዕዮታት ንምግባር እተገብረ ምትዕርራያት ተመያየጠሉ።

15 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። ከምቲ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 16⁠-​17 ወጺኡ ዘሎ: ለጋሳት ክንከውን ዘተባብዓና ምኽንያታት ተመያየጠሉ።

15 ደቒቕ:- “ምድላው ናይ ዓወት መፍትሕ ኢዩ።” ሕቶን መልስን። ኣብ ሚያዝያን ግንቦ⁠ትን ንግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክንዕድለን ምዃንና ጥቐስ። ሕጂ ተወሳኺ ቅዳሓት ብምእዛዝ: ዝምላእ ናይ ምዝገባ ካርድታት ብምቕራብ: ከምኡውን መጽሔት ንምዕዳል ኣብ ዝግበር ንጥፈታት እታ ጉባኤ ዘውጽኣቶ መዳባት ንክትድግፍ መደብ ግበር።

መዝሙር 7ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ