ካብቲ ናይ 1996 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጠቐሙ—ክፍሊ 3
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ነቲ ብስራት ብትብዓት ንምዝራብ ምእንቲ ክኽእል ኣብ ክንድኡ ኰይኖም ክጽልዩ ደልይዎም ነበረ። (ኤፌ. 6:18-20) ንሕናውን ከምኡ ዝኣመሰለ ክእለት ከነማዕብል ንብህግ ኢና። እዚ ክእለት እዚ ምእንቲ ክህልወና: በቲ ብቑዓት ተኻፈልቲ ናይቲ ኣኼባ ንኽምዝገቡ ምትብባዕ ዝወሃቦም ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣቢሉ ዝዳለወልና ሓገዝ ነማስወሉ ኢና።
2 ከም ተማሃሮ መጠን: ናይ ምዝራብን ናይ ምምሃርን ክእለትና ንምምሕያሽ ብሕታዊ ምኽሪ ንቕበል ኢና። (ምሳ. 9:9) ካልኦት ተማሃሮ ምኽሪ ክቕበሉ ከለዉ ብምስማዕውን ነቲ እተማሃርናዮ ኣብ ገዛእ ርእስና ብምውዓል ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ክፍሊ ክንዳሎ ከሎና: እቲ እንህቦ መግለጺ ቅኑዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ነቲ እተዳለናሉ ጽሑፍ ተጠንቂቕና ከነጽንዖ ይግብኣና። እቲ እንጥቀመሉ ቀንዲ ነጥብታትን ጥቕስታትን ምስቲ ኣሰራርዓ ናይቲ ቀንዲ መልእኽቲ ክሰማማዕ ኣለዎ። እቲ ክፍሊ ምስ ካልእ ሰብ ኰይንካ ዝወሃብ እንተድኣ ኰይኑ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምቕራብካ ግቡእ ልምምድ ክግበረሉ ይግባእ። እናተመሓየሽና ክንከይድ ከሎና ድማ ኣብ ክንዲ ካብ እተጻሕፈ እናኣንበብና እንዛረብ ሓጸርቲ መዘኻኸሪታት ብምጥቃም ክንዛረብ ጻዕሪ ክንገብር ይግብኣና።
3 ኵሎም እቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ዘለዎም ኣቐዲሞም ክመጹ: ናይ ዝርርብ ምዕዶ ቅርጻ ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ክህብዎ: ከምኡውን ኣብ ቅድሚት ናይቲ ኣዳራሽ ኮፍ ክብሉ ይግብኦም። ኣሓት እንታይ ዓይነት ኣቀራርባ ከም ዝጥቀማ: ከምኡውን ክፍለን ከቕርባ ከለዋ ጠጠው ወይ ኮፍ ዝብላ እንተዀይነን ኣቐዲመን ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ክነግራኦ ኣለወን። በዚ መገዲ እዚ ምትሕብባር: እቲ ፕሮግራም ዘየቋርጽ ንክኸውን ነቶም ነቲ መድረኽ ዘተዓራርዩ ድማ ኣቐዲሞም እቲ ዘድሊ ከዳልዉ ይሕግዝ ኢዩ።
4 ክፍሊ ቁ. 2 ምድላው:- ሓደ ካብቲ ናይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕላማ: ነቲ ተማሃራይ ናይ ንባብ ክእለቱ ንኸመሓይሽ ንምሕጋዝ ኢዩ። እዚ ከመይ ገይርካ ኢዩ ብዝበለጸ መገዲ ክብጻሕ ዝከኣል፧ ነቲ ጽሑፍ ብተደጋጋሚ ዓው ኢልካ ምንባቡ: ንኽትመልኮ ዝሕግዝ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። ናይ ሓደስት ቃላት ትርጉምን ግቡእ ኣደማምጻን ንምፍላጥ: እቲ ተማሃራይ ኣብ መዝገበ-ቃላት ክርኢ ኣለዎ። እዚ ምስቲ ኣብቲ መዝገበ-ቃላት ዘሎ ትርጕም ናይ ኣደማምጻ ምልክታት ምልላይ እውን ዝሓትት ኢዩ።
5 ወለዲ ነቶም ናእሽቱ ደቆም ነቲ ናይ ንባብ ክፍሎም ንኽዳለዉ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ድማ እቲ ቈልዓ ክለማመድ ከሎ ጽን ኢልካ ምስማዕ: ድሕሪኡ ድማ ንኸመሓይሽ ሓጋዚ ርእይቶታት ምሃብ ዘጠቓለለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ እተፈቕደ ግዜ ሓጺር መእተዊ ብምግባር ነቲ መሰረታዊ ነጥብታት ዝወቅዕ ግቡእ መዕጸዊ ንኽትጥቀም ዘፍቅድ ኢዩ። በዚ ኸምዚ እቲ ተማሃራይ: ብግቡእ እተዳለወ ጽሑፍ ከይረኣኻ ዝግበር ዝርርብ ናይ ምቕራብ ክእለት የማዕብል ኣሎ ማለት ኢዩ።
6 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብጸሎት “ጐይታየ: ኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲ: ከናፍረይ ክፈት” ኢሉ ሓተተ። (መዝ. 51:15) ንሕናውን ኣብ ቲኣክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብምክፋልና ነዚ ባህጊ እዚ እነማልእ ይግበረና።