ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/96 ገጽ 1
  • ንየሆዋ “ኵሉ መዓልቲ” ወድስዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ “ኵሉ መዓልቲ” ወድስዎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ መዓልታዊ ወድሶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ሰባት ናብቲ “ብርሃን ዓለም” ከም ዜቕልቡ ግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • የሆዋ ምስጋና ይግብኦ ድራር ጐይታ 16 ሚያዝያ ኽበዓል እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና ብምቕራብ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 3/96 ገጽ 1

ንየሆዋ “ኵሉ መዓልቲ” ወድስዎ

1 መዝሙር 145:​2 ነቲ ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ “ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ: ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክውድስ እየ” ብምባል ዝኣተዎ ቃል ሒዛ ኣላ። ንሕናውን ንሰማያዊ ኣቦና ክንባርኽን ክንውድስን ምኽንያት ኣሎና! ግናኸ ነቲ ናይ የሆዋ ሉዓላውነት “ኵሉ መዓልቲ” ክብ ኣብ ምባል ብኸመይ ኢና ኣብነት ናይ ዳዊት ክንቀድሕ እንኽእል፧

2 ንልብና ንየሆዋ ብምምሳው ንምልኣዮ:- ስርዓታዊ ናይ ቃል ኣምላኽ መጽናዕቲ ምግባር: ነቲ የሆዋ ዝገበረልናን ዝገብረልና ዘሎን ጌና ብሕጂ ዝገብረልናን እነርእዮ ሞሳ የዕሙቐልና። ነቲ ድንቂ ተግባራቱ ዘሎና ሞሳ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን: ብዛዕባ ሕያውነቱ ንምዝራብ ክንግንፍል ኢና። (መዝ. 145:⁠7) ኣብ ኵሉ ምቹእ ኣጋጣሚታት: ብህንጥዮት ንየሆዋ ክንውድሶ ኢና።

3 ኣብ መዓልታዊ ዕላልና ንየሆዋ ንወድሶ:- ምስ ጐረባብትና: ደቂ ቤት ትምህርትና: መሳርሕትና: ከምኡውን ካልኦት መዓልቲ መዓልቲ እንረኽቦም ሰባት ከነዕልል ከሎና ተስፋና ንኸነካፍሎም ኣጋጣሚታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ጐረቤትና ብዛዕባ ኣብቲ ገዛውቲ እተፈጸመ ገበን ሻቕሎቱ ይገልጽ ይኸውን፣ ወዲ ቤት ትምህርትና ብዛዕባ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ ወይ ከኣ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ጠባያት ይጭነቕ ይህሉ ይኸውን፣ መሳርሕትና ብዛዕባ ገለ ፖለቲካዊ ጕዳይ ዘለዎ ርእይቶ ይገልጸልና ይኸውን። ሕጂ ክንወስዶ ዘሎና ግቡእ ኣቕዋምን ናይዚ ግድላት እዚ ናይ ሓዋሩ መፍትሕን: ዝገልጽ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መምርሒታትን ተስፋታትን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ “ብግዜኡ” እተዘርበ ቃላት በረኸት ክኸውን ይኽእል ኢዩ!​—⁠ምሳ. 15:⁠23

4 ብዛዕባ የሆዋ ምሉእ መዓልቲ ንዛረብ:- እቲ ንየሆዋ ዓሚቝ ሞሳ ዘለዎ ሰብ: ነቲ ብስራት ብዝከኣል መጠን ንብዙሓት ሰባት ከካፍሎ ኢዩ ዝደሊ። (መዝ. 40:​8-​10) በዚ መገዲ እዚ ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ክንሓታ ይግብኣና:- ‘ኵነታተይ ዘፍቅደለይ ኵሉ እገብርዶ ኣሎኹ፧’ ብዙሓት ሰባት ገለ ሚዛናዊ ምትዕርራያት ብምግባር: ስርዓታውያን ፓይነራት ክዀኑ ክኢሎም ኢዮም። እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታትና ነዚ ምግባር ዘየፍቅደልና እንተድኣ ኰይኑ: ሓገዝቲ ፓይነራት ክንከውን ምኸኣልናዶ፧ እዚ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዝኽሪ እዋናት ዕዮታትና እነስፍሓሉ እዋን ብምዃኑ: ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ኣገልግሎትና ንኸነስፍሕ ጽቡቕ ግዜ ክዀናልና ኢየን።

5 ሓደስቲ ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ ምእንቲ ክሓብሩና ንሓግዞም:- እቲ ናይ የሱስ ናይ ዝኽሪ ሞት በዓል: ንየሆዋ ኣመስገንትን ንስሙ ወደስትን ክንኰነሉ ዝግብኣና ምኽንያት ኵሉ ግዜ የዘኻኽረና ኢዩ። እዚ ብፍላይ ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ብዛዕባ ንግስና የሆዋ ብግልጺ ኣብ ምዝራብ ንኽሓብሩና ንምትብባዖም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። ነቲ ኣብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 173⁠-​5 ቍጽሪ 7⁠-​9 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ብጸሎት ክሓስብሉ ነተባብዓዮም። ብቑዓት እንተድኣ ኰይኖም: ተመኵሮ ስለ ዘይብሎም ጥራይ ካብ ስብከት ክኽልከሉ የብሎምን። ክኢላታት ኣሕዋት: እቲ ናይ መንግስቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ከም ዝግበር ከርእይዎም ቅሩባት ኢዮም። ሓደስቲ ሰባት ነቲ ብስራት ንምዝራብ ትብዓት ከርእዩ ዝኽእሉ እንተድኣ ኰይኖም: የሆዋ ከም ዝሕግዞም ክተኣማመኑ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ግብ. 4:​31፣ 1 ተሰ. 2:2

6 ንየሆዋ ኵሉ መዓልቲ ክንባርኾ ንደሊ እንተድኣ ኰይንና ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ዘለኣለማዊ ጥቕምታት ከነምጽእ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ