ሰባት ናብቲ “ብርሃን ዓለም” ከም ዜቕልቡ ግበር
1. እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ዓብዪ ብርሃን እንታይ እዩ፧ ሰባት ናብዚ ብርሃን እዚ ኸም ዜቕልቡ ዚገብር ኣጋጣሚኸ ኣየናይ እዩ፧
1 የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ: “እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ: ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 9:2) እዚ “ዓብዪ ብርሃን” እዚ ኣብቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ተግባራት ተራእዩ እዩ። እቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገበሮ ተግባራትን ካብ መስዋእቱ እተረኽበ በረኸትን ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዝነበሩ ኣጸናኒዕዎም እዩ። ነዞም ኣብዚ ጸልማት ግዜ ዘለዉ ሰባት ከምዚ ዓይነት ብርሃን እዩ ዜድልዮም። ድራር ጐይታ: ሰባት ናብቲ “ብርሃን ዓለም” ከም ዜቕልቡ ኽንገብር ዚሕግዘና ምሹእ ኣጋጣሚ እዩ። (ዮሃ. 8:12) ዓሚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ዚብል ትእዛዝ የሱስ ከነኽብር ከለና: ምሳና ብምሕባር ብእተወሰነ ደረጃ እምነት ኣርእዮም እዮም። (ሉቃ. 22:19) ኣብዚ ዓመት እዚ ዚበዓል በዓል ዝኽሪ እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን: ሰባት ናብቲ የሆዋ ኸም ዚበርህ ገይርዎ ዘሎ ዓብዪ ብርሃን ከም ዜቕልቡ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ፊል. 2:15
2. ነቲ መስዋእታዊ በጃ ዘሎና ልባዊ ሞሳ ኸነዕብዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምዚ ምግባርከ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧
2 ልባዊ ሞሳኻ ኣዕቢ:- እዋን በዓል ዝኽሪ: ነታ የሆዋን የሱስን ንደቅሰብ መስዋእታዊ በጃ ብምድላው ዘርኣይዋ ዓባይ ፍቕሪ እነስተንትነሉ ምሹእ ኣጋጣሚ እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 2 ቈረ. 5:14, 15) ከምዚ ምግባር ነዚ ቕዱስ ኣጋጣሚ እዚ ዘሎና ልባዊ ሞሳ ኸም ዜዕብዮ ኣየጠራጥርን እዩ። ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ግዜ መዲቦም ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዚወጽእ ፍሉይ ናይ ዝኽሪ በዓል ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡን ኬስተንትኑን ይደልዩ እዮም። ብዛዕባ እቲ የሆዋ በጃ ብምድላው ብዜደንቕ መገዲ ዘርኣዮ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያቱ ምሕሳብና: ብኣምላኽና ኸም እንሕበን ይገብረና። እቲ በጃ ንኣና ብብሕቲ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ምስ እነስተንትነሉ: ንኣምላኽን ወዱን ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ርእሲ ምዕባዩ ብምሉእ ነፍስና ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር የለዓዕለና።—ገላ. 2:20
3. ንበዓል ዝኽሪ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
3 ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ናይ ምድሓን ምድላዋት ዘሎና ሞሳ ምስ እነዕብዮ: እቲ ንበዓል ዝኽሪ ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት ኣብቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም: ተመላሊስካ ምብጻሕ እንገብረሎም: ኣዝማድና: ጐረባብትና: መማህርትና: መሳርሕትና: ከምኡውን ኣብቶም ናብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ እንዕድሞም ሰባት ኪንጸባረቕ እዩ። (ሉቃ. 6:45) ስለዚ: ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት መዘኻኸሪ ምእንቲ ኪዀኖም ናይ በዓል ዝኽሪ መዓደሚ ወረቐት ብምሃብ ንኺመጹ ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ብዙሓት ኣሕዋት ዋላ ሓደ ሰብ ምእንቲ ኸይርስዑ: ዝርዝር ስማት እቶም ኵሉ ግዜ ዚዕድምዎም ሰባት ምሓዝ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ኣብቲ ዝርዝር ሓደስቲ ሰባት ይውስኹ። ከምዚ ጌርና ብእተመሓደረ ኣገባብን ብእተኻእለና መጠንን ሓደስቲ ሰባት ምዕዳም: ንየሆዋ ኣምላኽ “ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ” ዘሎና ሞሳ እንገልጸሉ ሰናይ መገዲ እዩ።—2 ቈረ. 9:15
4. ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ተሳትፎ ንምዝያድ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
4 ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ተሳትፎ ምዝያድ:- ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ተሳትፎ ኸተዛይድ ትኽእልዶ፧ “ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ” ንኻልኦት ከተካፍል ምጽዓር: በረኸት የሆዋ ኸም ዜምጽእ ኣየጠራጥርን እዩ። የሆዋ ኸም ምንጪ ዅሉ መንፈሳዊ ብርሃን መጠን: “ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ” ኢሉ ኣዚዙ እዩ። (2 ቈረ. 4:4-6) ሽማግለታት ከከም ኣድላይነቱ: ኣብ እተፈላለየ ሰዓታትን ቦታታትን ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ኣኼባ ኼዳልዉ ኸምኡውን ነቲ ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ዚግበር ምስክርነት ግንባር ቀደም ኰይኖም ኪመርሕዎ እዮም። እዚ ድማ ኣንጊህካ ናይ መገዲ ምስክርነት ምሃብ: ወይ ከኣ ድሕሪ ቐትሪ ወይ ኣጋ ምሸት ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታትን ብተሌፎንን ምምስካር ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ተሳትፎ ንምዝያድ ዚሕግዘካ ኽትበጽሖ እትኽእል ናይ ሰዓታት ሸቶ ኣውጽእ: ንኽትበጽሖ ድማ ኣበርቲዕካ ዕየ። ብዙሓት ንየሆዋ ብእተኻእሎም መጠን ንምግልጋል ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም እዮም።—ቈሎ. 3:23, 24
5. ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኻብ ሓገዝቲ ፓይነራት ዚድለ ሰዓታት ብምጕዳሉ እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧
5 ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን ትኽእልዶ፧ ካብ ሓገዝቲ ፓይነራት ዚድለ ሰዓታት ካብ ዚጐድል ልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ለውጢ እዚ ብዙሓት ነቲ ሓጋዚ ፓይነር ብምዃን ዚርከብ በረኸት ኪምኰርዎ ኣኽኢልዎም እዩ። ንስኻኸ ፈቲንካዮዶ ትፈልጥ፧ ገሊኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከምዚ ምግባር ልማዶም ገይሮምዎ እዮም። ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት ብዙሓት ኣስፋሕቲ ሓቢሮም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም: እዚ ድማ ገለ ኻብቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ጐሊሑ እተራእየ ዓስቢ ዘለዎ ንጥፈት እታ ጉባኤ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ። ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ንሓንቲ ወርሒ ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን ትኽእልዶ፧ ወርሒ ሚያዝያ በዓላትን ሓሙሽተ ቐዳመ-ሰናብትን ስለ ዘለዋ ንገሊኦም እትምሽእ ወርሒ እያ።
6. እንታይ ዜሐጕስ ምድላዋት እዩ ተገይሩልና ዘሎ፧
6 ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ንጉባኤኻ ኣብ ወርሒ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ኺበጽሓ ድዩ፧ ዚበጽሓ እንተደኣ ዀይኑ: ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልካ ኣሎ ማለት እዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ብምልክታ እተነግረ: ኣብ ናይ 2006 ናይ ኣገልግሎት ዓመት: ኵሎም እቶም ኣብታ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዚበጽሓላ ወርሒ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ: ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ምስ ፓይነራት ዚግበር ኣኼባ ንኺካፈሉ ኺዕደሙ እዮም። እቲ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዚወሃብ ብመንፈስ ዜበራትዕ ትምህርቲ ንብዙሓት ሓገዝቲ ፓይነራት: ስርዓታውያን ፓይነራት ንምዃን ኪመጣጠሩ ኸም ዚሕግዞም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚውን: ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰባት ናብቲ መንፈሳዊ ብርሃን ንኺመጹ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ናይ መጽናዕቲ ጽሕፍቲ ጌርና ኽንሕግዞም ኢና። በዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ንምንታይ ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧
7, 8. (ሀ) ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል መደብ ንምውጻእ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ናይ ስድራቤት ምትሕብባር እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧ ብምልእታ ስድራቤት ክትጥቀም እትኽእልከ ብኸመይ እያ፧
7 ነቲ ኻብ ሓገዝቲ ፓይነራት ዚድለ 50 ሰዓት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ነቲ ብርሃን ሓቂ ንምብራህ ኣስታት 12 ሰዓት ከተምጽእ ዚሕግዘካ መደብ ኣውጽእ። ብዛዕባ እዚ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ እተመኰርዎን ምስ ካልኦትን ተመያየጥ። ከምዚ ምግባር ምሳኻ ንኺሓብሩ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። እተጠምቁ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ኣስፋሕቲ ጽቡቕ መደብ ብምግባር: ነዚ ዚነኣድ ሸቶ እዚ ንምብጻሑ ብዙሕ ኣጸጋሚ ኸም ዘይኰነ ርእዮምዎ እዮም። ብዛዕባ እዚ ጸሊ። ድሕሪኡ: እንተ ኽኢልካ መደብ ብምውጻእ ሓጋዚ ፓይነር ኩን።—ሚል. 3:10
8 ብዙሓት ስድራቤታት ግቡእ ምድላው እተገብረሉ ናይ ሓባር ጻዕሪ ብምግባር: እንተ ወሓደ ሓደ ኣባለን ነዚ ሸቶ እዚ ኺበጽሕ ከም ዚኽእል ተመኲረናኦ እየን። ሓንቲ ስድራቤት ሓሙሽተ እተጠምቁ ኣባላታ ሓገዝቲ ፓይነራት ኪዀኑ ወሰነት። እቶም ካልኦት ክልተ ዘይተጠምቁ ድማ ኣገልግሎቶም ንኼዛይዱ ፍሉይ ጻዕሪ ገበሩ። እታ ስድራቤት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ጻዕሪ ብምግባራ እንታይ ጥቕሚ ረኸበት፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ጸሓፉ:- “ኣዝያ ደስ እተብል ወርሒ እያ ነይራ: ማእሰር ስድራቤትና ድማ ብሓቂ ደልዲሉ እዩ። ንየሆዋ ስለቲ ዜደንቕ በረኸቱ ነመስግኖ ኢና!”
9. ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ብርሃንና ኸነብርህ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9 ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን እንገብሮ ፍሉይ ንጥፈታት ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝያዳ ኸም እንቐርብ ብምግባር ኬነቓቕሓና ድዩ፧ እዚ ብዓብዪኡ ኣብቲ ንኣምላኽን ወዱን ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ምሕያልን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ተሳትፎ ኣብ ምዝያድን እንገብሮ ናይ ብሕትና ጻዕሪ እዩ ዚምርኰስ። ከምቲ “ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ: ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ዝኣመሰለ ቘራጽነት ንግበር። (መዝ. 109:30) የሆዋ ነቲ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ እንገብሮ ቕንኢ ዝመልኦ ንጥፈታትና ኺባርኾ እዩ። ሃየ እምበኣር: ብዙሓት ካብ ጸልማት ወጺኦም ‘ብርሃን ህይወት ንኺረኽቡ:’ እቲ ዓብዪ ብርሃን ከም ዚበርህ ንግበር።—ዮሃ. 8:12