ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና ብምቕራብ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ
1 እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘቐድሙ: ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ክዛረቡ ኵሉ ሳዕ ንቑሓትን ጥንቁቓትን ኢዮም። (መዝ. 145:11–13) ስሙ ክትቕድስን ብዛዕባ ብስራት ወንጌል ክትዛረብን ኵሉ መዓልቲ ኣጋጣሚታት ኣለዉ። (መዝ. 96:2) እቲ ንየሆዋ ምምስጋን ዘሐጕሶ ዝነበረ መዝሙራዊ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ:- “ኵሉ መዓልቲ [ንኣምላኽ ነመስግን ትሓዓ ]።” (መዝ. 44:8) ልክዕ ከምኡ ዝስምዓና እንተድኣ ኴይኑ: ስርዓታውያን ኰይንና ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ህንጡያት ክንከውን ኢና።
2 የሆዋ ኣብ ኣገልግሎት ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከነሕልፍ ከም ዘሎና ፍሉይ መምዘኒ ኣየቖመን: ይኹን እምበር “ኵሉ ሳዕ” ከነመስግኖ ኢዩ ዘተባብዓና። (እብ. 13:15) ናይ ብሕቲ ኵነታትና ዘፍቅዱልና እንተድኣ ኴይኖም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንየሆዋ ከነመስግኖ ሸቶና ክንገብሮ ይግብኣና። እቶም ድሮ ነዚ ዝገብርዎ ዘለዉ: ጸጸኒሖም ወይውን ብቐጻሊ ሓገዝቲ ፓይነራት ኮይኖም ንምግልጋል ጉዳያቶም ከተዓራርዩ ይኽእሉ ይኾኑ። ገለ ካብቶም ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ዝሕጐሱሉ ዘለዉ: ስርዓታውያን ፓይነራት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።
3 ብሕታዊ ኵነታትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: መስዋእቲ ምስጋናና ከነዕብዮዶ ይከኣለና ኢዩ? ቅንኢ ብሞሳ ኢዩ ዝለዓዓል። ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ሞሳ የዕብየልካ ኢዩ። ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ነቲ ሞሳና ተግባራዊ ብዝኾነ መገዲ ክንገልጾ የለዓዕሉና ኢዮም። ምስ ካልኦት ቀናኣት ኣመስገንቲ: ናይ ቀረባ ሕብረት ምግባር ‘ንሰናይ ግብሪ ከነቓቕሓና’ ይኽእል ኢዩ። (እብ. 10:24) ካብቲ ብጉባኤ ዝግበር ምስንዳእ ምሉእ ጥቕሚ ብምውሳድ: ነቲ መስዋእቲ ምስጋናና ከነዕብዮ ንኽእል ንኸውን።
4 ነብዪት ሃና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጽቡቕ ኣብነት ገዲፋ ኣላ። ዕድሚኣ 84 ዓመት እኳ እንተነበረ ንሳ ‘ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት . . . ለይትን መዓልትን ተገልግል ነበረት።’ (ሉቃ. 2:37) ኣብቲ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ብምሉእ ነፍሳ ብምስታፋ ዓቢ ብሕታዊ ዕግበት ኣምጽኣላ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብ ናይ ተኣማንነት ዘለዎ ኣገልግሎታ ሎሚ ንዓና መተባብዒ ይኾነና ኢዩ።
5 ጳውሎስ እቶም ‘ብርቱዓት ዝኾኑ: ድኻም እቶም ድኹማት ክጾሩ’ ኣተባቢዑ ኣሎ። (ሮሜ. 15:1) ምናልባት ኣብ ጉባኤኹም ካብቲ ሕያውነት ዘለዎ ሓገዝኩምን ምትብባዕኩምን ክጥቀሙ ዝኽእሉ ይህልዉ ይኾኑ። ናብ ግራት ኣገልግሎት ክትዕድምዎም እኹል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣስፋሒ መጓዓዝያ ወይ ድማ ሓደ ምስኡ ዝዓዪ ይደሊ ይኸውን። ናይቲ ካልእ ጸገም ድማ ተስፋ ምቑራጽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቅንኡ ክበራበር እቲ ዘድልዮ ዝሃንጽ ሓገዝ እትህቦ ንስኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (1 ተሰ. 5:14) ‘ብዘድልዮም ንቕዱሳን ከተማቕል’ ፍቓደኛ ምዃንካ እቲ ንስም የሆዋ ምምስጋን ከተዕብዮ ዘሎካ ልባዊ ድሌትካ እዩ ዘርኢ።—ሮሜ 12:13
6 እቲ የሆዋ ዝገበረልናን ብሕጂ ክገብረልና ዘለዎ ኵሉ ነገራት ክንቆጽሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለ እዞም በረኸታት እዚኣቶም ክንፈድዮ እንኽእለሉ መገዲ ዋላ ሓደ የለን። ኣየ ‘ትንፋስ ዘለዎ ኹሉ [ንየሆዋ ትሓዓ ] ከመስግኖ’ ከመይ ዝበሉ ኣዝዮም ዝድርኹ ምኽንያታት ኢዮም!—መዝ. 150:6