ነቲ ብስራት ካብ ምእዋጅ ኣይተብኵሩ
1 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣገልግሎቶም ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ሉቃስ “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ” ብምባል ጸብጻብ ይህብ። (ግብ. 5:42) ዝዀነ ይኹን ነገር: መስጐጕቲ እውን ከይተረፈ: ንድሕሪት ክመልሶም ኣይከኣለን! (ግብ. 8:4) ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ መዓልቲ መዓልቲ ይዛረብዎም ነበሩ።
2 ንሕናኸ፧ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ናይዚ ግዜ እዚ ህጹጽነት የስተውዕሎዶ ኢየ፧ ነቲ ብስራት ብዘይምብኳር ናብ ምስባኽ ዝዘዘኹ ድየ፧’
3 ብዘይምብኳር ናይ ምስባኽ ዘመናውያን ኣብነታት:- ሓንቲ ኣደዳ ሕማም ፖልዮ ዝዀነት ሓብቲ: ብሰብ ዝሰርሖ ናይ መተንፈሲ ኣገባብ ኣብ ምጥቃም ተሓጺራ ነበረት። ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ምኻድ ይኹን ኣሰምብሊ ምክፋል ኣይትኽእልን ኢያ ነይራ። እንተዀነ ግን: ነቲ ብስራት ኣብ ምእዋጅ ኣዝያ ትሕዝቲ ነበረት። ኣብዚ ተዓጽያትሉ ዝነበረት 37 ዓመታት ን17 ሰባት ሓቂ ክፈልጡ ሓገዘት! ብኸመይ ኢያ ከምዚ ክትገብር ዝኸኣለት፧ ሽሕ’ኳ ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ እንተዘይከኣለት: ነቶም ምስኣ ዝራኸቡ ሰባት ብናይ እግረ-መገዲ ኣገባብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክትምስክረሎም እትኽእለሉ መገዲ ረኸበት።
4 ኣብ ቦዝንያ ዘለዉ ኣሕዋትና ምስቲ ዘሎ ውግእን ስእነትን ክጋጠሙ ኣለዎም። ይኹን እምበር: ስርዓታውያን ኰይኖም ንኻልኦት ምስባኽ ቀጺሎም ኢዮም። ኣብ ሳራየቮ እቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ብምብጻሕ ብገምጋም 20 ሰዓታት ጸብጻብ ይህቡ: ነፍሲ ወከፎም ድማ ብገምጋም ክልተ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ። ዋላ እኳ ሕማቕ ኵነታት እንተሃለዎም: ብዘይምብኳር ይሰብኩን ይምህሩን ኢዮም።
5 መንእሰያት እውን ንኣገልግሎት ዘለዎም ቅንኢ የንጸባርቑ ኢዮም። ኣብ ሩዋንዳ ንእትርከብ ሓንቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራቤት ኣብ ሓንቲ ንኽቐትልዎም እተዳለዉ ወተሃደራት ዘለውዋ ክፍሊ ኣእተውዎም። እቶም ስድራቤት ከይተቐትሉ ከለዉ ንኽጽልዩ ፍቓድ ሓተቱ። ክጽልዩ ድማ ተፈቕደሎም።ፈሊጠ ኢየ ኣብ ክልተ ከፊለያ እታ መንእሰይ ዲቦራ ኸኣ ዓው ኢላ “የሆዋ: ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣነን ባባን ሓሙሽተ መጽሔታት ኣበርኪትና ኢና። እሞ ብኸመይ ድኣ ኢና ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሓቂ ምሂርና ህይወት ክረኽቡ ክንሕግዞም እንኽእል፧” ኢላ ጸለየት። በቲ ዘርኣየቶ ጽኑዕ እምነትን ንኣገልግሎት ዝነበራ ፍቕርን እታ ስድራቤት ብምልእታ ካብ ምቕታል ድሓነት።
6 ሎሚ ንኻልኦት ሰባት ንኽንምስክር ዘሎና ኣጋጣሚታት ንምጥቃምን ነቶም “ንዘለኣለማዊ ህይወት ቅኑዕ ዝንባሌ ዘለዎም” ሰባት ንምድላይን ንቑሓት ክንከውን ከድልየና ኢዩ። (ግብ. 13:48፣ ትሓዓ ) ምስቲ ናይቲ ከባቢ ኵነታት ብምስምማዕ: ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኣብ ምቹእ ግዜ ማለት ንግሆ: ድሕሪ ቐትሪ: ወይ ድማ ምሸት ናይ ጕጅለ ምስክርነት ንኽግበር መደብ የውጽኡ ኢዮም። ኣብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝወጽእ ዓንቀጻት ከምኡውን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ናይ ኣውራጃ ኣኼባታት ዘሎ ክፍልታት ኣብ እተፈላለየ መደያት ናይታ መንግስቲ ምስክርነት ንኽንካፈል እዋናዊ ዝዀነ ሓሳባትን ምትብባዕን ዝህብ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ ንኣስፋሕቲ ካብ ቤት ናብ ቤትን ናይ መገዲ ምስክርነትን ኣብ ምግባር የለማምድዎም: ኣብ ናይ ንግዲ ዞባታት ብኸመይ ከም ዝዓዩ የርእይዎም: ሰብ ኣብ እተረኽበሉ ኣጋጣሚታት ክምስክርሉ ዝኽእሉ መገድታት ድማ ይሕብርዎም። እዚ ዅሉ ነቲ ብስራት ካብ ምእዋጅ ከነብኩር ከም ዘይብልና ዘጕልሕ ኢዩ!
7 ሃዋርያት የሱስ “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ” ብምባል ብትብዓት ተዛረቡ። ዕንቅፋታት እናሃለወ ብኸመይ ኢዮም ክጸንዑ ዝኸኣሉ፧ ክሕግዞም ንየሆዋ ሓቲቶምዎ ኢዮም። ንሱ ድማ ሓገዞም: “ኵላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ: ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ።” (ግብ. 4:20, 29, 31) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ኣገልግሎት ብሉጽ ዝዀነ ተመክሮታት ብምርካብ ኣይባረኽን ይኸውን: እንተዀነ ግን: ነቲ ብስራት ብዘይምብኳር ብሓቂ ክንእውጆ ንደሊ እንተድኣ ኴንና: መዓልቲ መዓልቲ እውን ከይተረፈ ከምኡ ክንገብር ንጽዕር እንተድኣ ኴንና የሆዋ ክሕግዘና ኢዩ።