ብዘይ ምቊራጽ ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል
1 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል መስዋእትታት በየዕለቱ ኢዩ ዝቐርብ ዝነበረ። (ዘጸ. 29:38–42) እቲ ሓዊ ናይቲ መሰውኢ ብዘይ ምቍራጽ ይነድድ ነበረ: እቲ ንሰማይ ዝዓርግ ዝነበረ ትኪ ኸኣ ንየሆዋ ዘሐጕስ “ጥዑም ጨና” ነበረ። (ዘጸ. 29:18) ሎሚውን “ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዝእመና ፍረ ከናፍር ከነቕርብ” ኢና እንመዓድ ዘሎና። (እብ. 13:15) ኣብ ክንዲ በቲ ሕጊ ዝተሰርዐ መስዋእትታት እነቕርብ: ንየሆዋ ምስጋንኡ ብዘይ ምቍራጽ ብምንጋር ኢና እነምልኾ። — ኢሳ. 43:21፣ ግብ 5:42
2 የሱስ ክርስቶስ: እቲ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ምስክር: መስዋእቲ ምስጋና ብምቕራብ ከመይ ገይርና ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ክንፍጽሞ ከም እንኽእል ምሂሩና ኢዩ። ንደቀ መዛሙርቱ እቲ ዝሰብክዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ከም ዝኾነ ምሂርዎም ኢዩ። ንሰባት ብስራት ሒዝካ ክትበጽሖም እቲ ኣዝዩ ኣስላጢ ዝኾነ መገዲ: ኣብ ቤቶም እናኸድካ ብብሕቶም ምዝራብ ከም ዝኾነ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ማቴ. 10:7, 12) ስለዚ እቶም ሃዋርያት ነቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኩ ዝተዋህቦም መሎኮታዊ መምርሒ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዓልዎ ኢና እንርዳእ። — ግብ. 20:20
3 ሎሚውን ካብኡ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ሓቀኛታት ክርስትያናት: ከም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መጠን ካብ ቤት ናብ ቤት ብስራት ብምስባኽ ኣብነት ናይ የሱስ ይስዕቡ ኣለዉ። ሽሕ’ኳ ከምኡ ብምግባርና ባጫን መስጐግትን ይወርደና እንተኾነ: ብሚልዮናት ዝቍጸሩ ንሓቂ ተማሂሮማ ኢዮም። ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ ዓመት ዓመት ነቶም ዓቢ ጭፍራ ይጽምበርዎም ኣለዉ። እዚ ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ዝጥቀመሉ ዘሎ ኣገባብ ከም ዝኾነ መረጋገጺ ዝህብ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ኣብቲ ኣገልግሎትና እንጸንዕ።
4 ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽ ዝርከብ ጥቕሚ:- “ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል ኢዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]።” (ግብ. 10:34, 35) ኣብቲ ዞባና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ከይድና ምንጋርና: ብርግጽ ኣድልዎ ከም ዘይብልና ዘረጋግጽ ኢዩ። ከምኡ ብምግባርና ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽሰምዕ ማዕረ ዕድል ንህቦ ኣሎና ማለት ኢዩ። ብድሕርዚ ድማ ነቶም ተቐበልቲ ከከም ኣድላይነቱ ብሕታዊ ደገፍ ንገብረሎም።
5 ዳርጋ ኵሎም ኣስፋሕቲ: ማለት ናእሽቱ: ዓበይቲ: ኣረ እቶም ሓደስቲ ከይተረፈ ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ዕዮ ክሳተፉ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም “ብኣፉ ተኣሚኑ ይድሕን።” (ሮሜ 10:10) ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ምስ ካልኦት ምስታፍ ብማእሰር ፍቕርን ሕብረትን ከም እንቀራረብ ኢዩ ዝገብረና። ብሓደ ወገን ከኣ: ዘይምግዳስ ወይ ምጽራር ከጋጥመና ኸሎ ትዕግስቲ ከነርኢ ኣጋጣሚ ንረክብ። ንእምነትና ከምዚ ገይርና ኣብ ህዝቢ ከነፍልጣ ኸሎና “ትርኢት መሰሓቒ” ኢና እንኸውን: እዚ ኸኣ ብወገኑ ነቶም ቅኑዓት: መጽሓፍ ቅዱስ ንምስትምሃር ዝሕግዝ ዝተወደበ ስርዓት ከም ዘሎናን ንሳቶም ድማ ካብኡ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ንኽግንዘቡ ዝድግፍ ኢዩ። (1 ቈረ. 4:9) ኵሉ ነገር ኣነጺሩ ከም ዝሕብሮ የሆዋ ነዚ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ዕዮ ነቶም ዓቢ ጭፍራ ናብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ዘለዎ “ቤቱ” ምእንቲ ክእክቦም ይባርኾ ኢዩ ዘሎ። — ኢሳ. 2:2–4
6 ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ናይ ታሪኽ: ሎሚ ኢዩ ብዝያዳ ንሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዑ ዝድለ ዘሎ። የሆዋ ይኣክል ክሳዕ ዝብሎ ከየቋረጽና ካብ ቤት ናብ ቤት ስብከትና ንቐጽል። (ኢሳ. 6:11) ከምዚ ብምግባርና: ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣብዚ ኣገዳስን ጠቓምን ዝኾነ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ብምክፋልና ኣብ ዝመጽእ ሓጎስ ብርካብ ክንከሓስ ኢና። — 1 ቈረ. 15:58