ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/06 ገጽ 8
  • ካብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ብዘይ ምቊራጽ ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ኣጋ ምሸት ከተገልግል ምኸኣልካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ምስክርነት ተሌፎን ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 9/06 ገጽ 8

ካብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር

1. ብዛዕባ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት እንታይ ሕቶ እዩ ዚልዓል፧ ስለምንታይከ፧

1 “እቶም ብእተፈላለየ መዳያት ሓቂ ብምዝርጋሕ ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት: በታ ሚለንያል ዳውን እትበሃል መጽሔት ጌርካ ኻብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ዚግበር ወፈራ ስብከት ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ኣዝዩ ውጽኢታዊ መዳይ ስብከት ምዃኑ ይሰማምዕሉ እዮም።” እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ካብ ናይ 1 ሓምለ 1893 ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ እተወስደ ዀይኑ: ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ዘለዎ ጥቕሚ ዜጕልሕ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት: ነዚ ኸም መለለዪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ገለ ሃገራት ንሰባት ኣብ ገዛኦም ክትረኽቦም ኣጸጋሚ እናዀነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: እዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእልዶ፧

2. ካብ ቤት ናብ ቤት ንኽንምስክር መሰረት ዚዀነና ጥቕሲ ኣየናይ እዩ፧

2 ቅዱስ ጽሑፋውን ኣገዳስን:- ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ምስክርነት ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣለዎ። የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ በብኽልተ ገይሩ ናብ ኣባይቲ ሰባት ኪኸዱ ኣዘዞም። (ሉቃ. 10:5-7) ድሕሪ ሞት የሱስ ነዊሕ ከይጸንሐ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ” ይብል። (ግብ. 5:42) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ካብ ቤት ናብ ቤት ብቕንኣት ይምህር ነበረ።—ግብ. 20:20

3. ካብ ቤት ናብ ቤት ብምምስካር ዚርከብ ገለ ረብሓታት እንታይ እዩ፧

3 ሎሚ እውን ካብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር: ነቲ ብስራት ንምስፋሕ ዜኽእል ኣገዳሲ መዳይ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ንምልላይ ብሜላን ብስርዓትን ‘ክንሓትት’ የኽእለና። (ማቴ. 10:11) ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ሰባት ኣብ ገዛኦም ፍዅስ እዩ ዚብሎም። ምስኦም ገጽ ንገጽ ክንዘራረብ ማለት ድምጾም ክንሰምዕ: ስምዒቶም ከነንብብ: ከምኡውን ከባቢኦም ክንዕዘብ ከሎና ዜገድሶምን ዜሻቕሎምን ነገራት ንኽንፈልጥ ይሕግዘና። መብዛሕትኡ ግዜ ሰፊሕ ምይይጥ ንኽንገብር ድማ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።

4. ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ምስክርነት ዝያዳ ውጽኢታዊ ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ብሕታዊ ምትዕርራያት ግበር:- ሃዋርያ ጳውሎስ “ምእንቲ ወንጌል” ኢሉ ብሕታዊ ምትዕርራያት ኪገብር ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 9:23) ነዚ ንምግባር: መደብና ምስቲ ሰባት ኣብ ገዛኦም ዚርከቡሉ ግዜ ማለት ኣጋ ምሸት: ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ወይ ኣብ ግዜ በዓላት ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። ነታ ሰብ ዘይረኸብካላ ቤት ብምምዝጋብ: ኣብ ካልእ መዓልቲ ወይ ኣብ ካልእ ሰዓታት እታ መዓልቲ ኽትረኽቦም ጽዓር።

5. እቶም ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ኣሕዋት: ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ዕዮ ኺሓብሩና ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

5 እቶም ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ኣሕዋት እውን ከይተረፈ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ስብከት ኪካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ኣሕዋት ኣብቲ ዕዮ ደስ ኢልዎም ምእንቲ ኺካፈሉ: ምሳና ሒዝናዮም ናብቲ ብቐሊሉ ኺብጻሕ ዚኽእል ኣባይቲ ንምኻድ መደብ ከነውጽእ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ብናይ ምስትንፋስ ሕጽረት እትሽገር ሓብቲ: ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ሓንቲ ቤት ጥራይ እያ ኽትበጽሕ እትኽእል። ይኹን እምበር: ምስቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ዜገልግሉ ጕጅለ ኽትሓብር ምኽኣላ ኣዝያ ሕጕስትን ዕግብትን እያ።

6. ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ምስክርነት ኵሉ ሳዕ እነዘውትሮ መዳይ ኣገልግሎትና ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

6 ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ዕዮ ብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ሰባት ይርከቡ ኣለዉ። ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ኳሕኵሐ እቲ በዓል ቤት: “እቶ። መን ምዃንካ ፈሊጠ ኣለኹ። ኣምላኽ ዝሕግዘኒ ሰብ ክሰደለይ እየ ኽጽሊ ጸኒሐ: እንሆ ድማ ንስኻ ትዅሕኵሕ ኣሎኻ። ኣምላኽ ንጸሎተይ ሰሚዑ እዩ ናባይ ልኢኹካ” በሎ። እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ዚርከብ ፍረ: የሆዋ ነዚ ዕዮ ስብከት እዚ ይባርኾ ኸም ዘሎ ዜርኢ እዩ። (ማቴ. 11:19) ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ምስክርነት ኵሉ ሳዕ እተዘውትሮ መዳይ ኣገልግሎትካ ኪኸውን ቈራጽነት ግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ