ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/96 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሕዳር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሕዳር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 11/96 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሕዳር

4 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 29

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታት። ብዛዕባ ናይታ ሃገርን ናይታ ጉባኤን ናይ ወርሒ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳብ ሃብ። ሕቶ ሳጹን።

15 ደቒቕ:⁠- “ቃል ኣምላኽ ብቕንዕና ተማቕልዶ ኣሎኻ፧” ሕቶን መልስን። ካብቲ “ንመጽሓፍ ቅዱስ እንግደሰሉ ምኽንያታት” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 58​-⁠60 ዘሎ ሓሳባት ወስኽ።

20 ደቒቕ:⁠- “ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ቍጽሪ 1​-⁠5) ኣብ ቍጽሪ 1 ሓጺር መእተዊ ሓሳብ ድሕሪ ምሃብካ: ነቲ ኣብ ቍጽሪ 2​-⁠5 ዘሎ ኣቀራርባታት ዘርእዩ ክልተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ኣዳሉ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጅማር ሸቶ ድማ ኣጕልሕ።

መዝሙር 128ን መዕጸዊ ጸሎትን

11 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 40

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

20 ደቒቕ:⁠- “የሆዋ ደጋፊየይ ኢዩ።” ኣብ ኢንሳይት ጥራዝ 1 ገጽ 516 “ትብዓት” ካብ ዝብል ኣርእስቲ ሓሳባት ወስኽ። “ፍሉይ ክኸውን ዘሎኒ ስለምንታይ ኢየ፧” ካብ ናይ 8 ሰነ 1992 ንቕሑ! ገጽ 16⁠-​18 (እንግሊዝኛ) ከምኡውን ነቲ ንኡስ ኣርእስትታት ብምጕላሕ ናይ 15 ሕዳር 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት። እቲ ትምህርቲ ብፍላይ ኣድላይነት ናይ ካብ ዓለም ፍሉይ ምዃን: ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ: ኣብ ናይ መገዲ ዕዮ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ምዝራብ: ጽሑፋትና ምብርካት ከምኡውን ዘይክርስትያናዊ ባህልታት ምሕዳግ ንምግላጽ ኣውዕሎ። እዚ ናይ 3​-⁠5 ደቒቕ ንድግማ ዝኸውን ሕቶታትን መልስታትን ዘለዎ ዝርርብ ገይርካ ኣቕርቦ።

15 ደቒቕ:⁠- “ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ቍጽሪ 6​-⁠8) ጽንዓታት ንምጅማር ቀጥታዊ ኣቀራርባ ምጥቃም ዘለዎ ረብሓታት ተመያየጥ። ነቲ ኣብ ቍጽሪ 6⁠-​7 ዘሎ ኣቀራርባታት ዘርእዩ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኣዳሉ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ጽንዓት እተጀመረሉ ኣጋጣሚታት ክነግሩ ንሰማዕቲ ዓድም። ሓደ ሰብኣይ ብቐጥታ ጽንዓት ክገብር ምስ ተዓደመ: ከምዚ ኢሉ መለሰ:⁠- “ሕራይ! ውሽጢ እተዉ። ጽንዓት ክግበረለይ እፈቱ ኢየ።” ጽንዓት ተጀመረ: ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ድማ ኵሎም ስድራቤቱ ምስኡ ኮፍ በሉ: ቅሩብ ጸኒሖም ከኣ ኵሎም ኣኼባታት ይሳተፉን ኣብቲ ናይ ምምስካር ዕዮ ይካፈሉን ነበሩ! ኵሎም ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ናይታ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እታው ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዳሕ ሒዞም ክመጹ ኣተባብዕ።

መዝሙር 129ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 140

5 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:⁠- “መዝነት ኣሎና።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 1 ጥሪ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 28​-⁠9 ኣብ ቍጽሪ 13​-⁠16 ብሓጺሩ ሓሳብ ሃብ።

25 ደቒቕ:⁠- እናዓበዩ ዝኸዱ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ። ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝዋሃብ ዝርርብ። ንመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕያይ ካብ እንጥቀመላ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ገለ ተማሃሮ ድሮ ወዲኦምዋ ይዀኑ ኢዮም: ገሊኣቶም ከኣ ጽቡቕ ሰጒሞም ኣለዉ። ሓደስቲ ቀልጢፎም ሓቂ ዝማሃሩሉ: ኣብ ናብርኦም ዘውዕልሉ: ክፍሊ ናይታ ጉባኤ ዝዀኑሉ ጽንዓት ኣብ ምምራሕ ከነተኵር ተተባቢዕና ነይርና ኢና። ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እታው: ከም መማህራን መጠን ውጽኢታውያን ንኽንከውን ዝሕግዘና ጽቡቕ ሓሳባት ሂባ ኢያ። ከምቲ ኣብታ ሕታም እቲኣ ካብ ቍጽሪ 3​-⁠13 ተዘሪብሉ ዘሎ: ገለ ካብቶም ብሜላ ተማሃሮ ንምምሃር ክንገብሮም እንኽእል ነገራት ብሓጺሩ ተዘራረበሉ። ቀጺልካ: ከምቲ ካብ ቍጽሪ 14​-⁠22 ዘሎ እተዋጽአ ጽሑፍ: ኣወንታዊ ኣቕዋም ምእንቲ ክወስዱ ንምሕጋዞም እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ኣተኵር። ንቝጽሪ 15, 17, 20-21 ኣንብቦ። ኣብቲ ቦታ ብዝርከቡ ኣስፋሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ውጽኢት ከም እተረኽበ ዘርእዩ ገለ ኣወንታዊ ጸብጻባት ድገም። ኣብ ዕዮ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ክሳተፉ ኣተባብዕ።

መዝሙር 85ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 46

5 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት።

10 ደቒቕ:⁠- “ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም” ከምኡውን “ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም።” ነቶም ቀንዲ ሓሳባት ኣጕልሓዮም ከምኡውን ኣብ መወዳእታ ነቲ ክልተ እተፈላለየ ናይ ኣሰምብሊ ቀንዲ ኣርእስትታት ድገም።

18 ደቒቕ:⁠- “ነቲ ናይ ንጽህና ብድሆ ምግጣሙ” ዝብል ካብ ናይ 22 መስከረም 1988 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተዘራረበሉ። ነተን ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ደቓይቕ ንተግባራዊ ናይ ድግማ ሕቶታት ተጠቐመለን።

12 ደቒቕ:⁠- ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝዕደል ጽሑፍ ብመርኣያ ገይርካ ኣቕርቦ።

መዝሙር 180ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ