መዝነት ኣሎና
1 የሱስ ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ኢሉ ንሰዓብቱ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ማቴ. 28:19) ኣብ ዙርያ ምድሪ ኣብ ዘለዋ 232 ሃገራትን እኩባት ደሴታትን ዝርከቡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ናይ የሆዋ ኣምላኽ ወደስቲ: ንፍጻሜ ትእዛዝ የሱስ ህያው ምስክር ይህቡ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ብብሕትና ከመይ ኢና፧ ነቲ ንኽንሰብኽ ዘሎና መዝነት ኣርዚንናዶ ንርእዮ ኣሎና፧
2 ስነ-ምግባራዊ ግዴታ:- መዝነት: “ኣቐዲሙ ንእተሓንጸጸ ተግባር ዝፍጽም ትእዛዝ” ኢዩ። ንሕና ንኽንሰብኽ ኣብ ትሕቲ ናይ ክርስቶስ ትእዛዝ ኢና ዘሎና። (ግብ. 10:42) እዚ: ንሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ንኽእውጅ ሓላፍነት ወይ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ከም ዝስከም ገይርዎ ነይሩ ኢዩ። (1 ቈረ. 9:16) ንኣብነት ንስኻ ኣብ ሓንቲ እትጥሕል ዘላ መርከብ ሰራሕተኛ ኢኻ ንበል። እቲ ካፕተይን: ነቶም ገያሾ ከተጠንቅቖምን ናብተን መድሓን ነብሲ ጀላቡ ክትመርሖምን ይእዝዘካ። ነቲ ትእዛዝ ግዲ ከይገበርካ ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ኣብ ምድሓንዶ መድሃብካ፧ ከምኡ ከም ዘይትገብር ርግጽ ኢዩ! ናይ ካልኦት ድሕነት ኣባኻ እተመርኰሰ ኢዩ። ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ! ንኽትሕግዞም ዘሎካ መዝነት ክትፍጽም ብስነ-ምግባራዊ መገዲ ትግደድ ኢኻ።
3 ንሕናውን መጠንቀቕታ ከነስምዕ መለኮታዊ መዝነት ተዋሂቡና ኢዩ። ድሕሪ ቍሩብ ግዜ የሆዋ ንብምሉኡ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ከምጽኣሉ ኢዩ። ናይ ሚልዮናት ሰባት ህይወት ኣብ ኣጣራጣሪ ኵነታት ኢዩ ዘሎ! ነቲ ኣብ ካልኦት ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋ ሸለል ብምባል ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ምድሓን ጥራይ ክንግደስሲ ቅኑዕ ድዩ፧ ብፍጹም ኣይኰነን! ናይ ካልኦት ህይወት ንምድሓን ክንሕግዝ ብስነ-ምግባራዊ መገዲ ንግደድ ኢና።—1 ጢሞ. 4:16
4 ክሰዓቡ ዘለዎም እሙናት ኣብነታት:- ነብዪ ህዝቅኤል ነቶም ዘይእሙናት ዝነበሩ እስራኤላውያን ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከብጽሓሎም ተሓታትነት ተሰሚዕዎ ኢዩ። የሆዋ “ኣነ ነቲ ረሲእ፤ ሞት ክትመውት ኢኻ: ምስ በልክዎ: እንተ ዘይመዐድካዮ: . . . እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ: ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ” ብምባል: ነቲ መዝነቱ ብዘይምፍጻሙ ክመጾ ዝኽእል ሳዕቤን ኣጸቢቑ ኣጠንቂቕዎ ኢዩ። (ህዝ. 3:18) ህዝቅኤል ኣብ ቅድሚ ተሪር ተቓውሞውን ከይተረፈ መዝነቱ ብተኣማንነት ፈጺሙ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ፍርዲ የሆዋ ክፍጸም ከሎ ክሕጐስ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።
5 ዘበናት ጸኒሑውን: ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ’ቲ ንኽሰብኽ ዝነበሮ ሓላፍነት ጽሒፉ ኢዩ። “ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ: ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ [ኢየ]” ድማ በለ። ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ካብ ቤት ናብ ቤትን ይሰብኽ ነበረ: ምኽንያቱ ከምዚ ዘይምግባር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ደም ገበነኛ ክገብሮ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።—ግብ. 20:20, 26, 27
6 ከም ናይ ህዝቅኤል ዝበለ ቅንኢዶ ኣሎና፧ ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ንኽንሰብኽ ንድረኽዶ ኢና፧ መዝነትና ልክዕ ከምቲ ናታቶም ኢዩ። ሽሕ’ኳ ዘይምግዳስ: ሸለልትነት: ወይ ተቓውሞ ዘርእዩ እንተዀኑ ንኻልኦት ከነጠንቅቕ ዘሎና ሓላፍነት ኣብ ምፍጻም ክንቅጽል ኣሎና። ጌና ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ክምልሹሉን: “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ክብሉን ይኽእሉ ኢዮም። (ዘካ. 8:23) ንኣምላኽን ሰባትን ዘላትና ፍቕሪ: ንኸይነቋርጽ እትድርኸና ይግበራ። ክንሰብኽ መዝነት ኣሎና!