ቃል ኣምላኽ ብቕንዕና ተማቕልዶ ኣሎኻ፧
1 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ምድራዊ መምህር ኢዩ ነይሩ። ናይ ሰባት ልቢ ብዝትንክፍን ስምዒቶም ብዘነቓቕሕን ንሰናይ ግብሪ ብዘለዓዕልን መገዲ ገይሩ ድማ ይዛረብ ነበረ። (ማቴ. 7:28, 29) ንቓል ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ከም መሰረት ናይ ትምህርቱ ይጥቀመሉ ነበረ። (ሉቃ. 24:44, 45) ብዅሉ ፍልጠቱን ናይ ምምሃር ክእለቱን ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ሂብዎ ኢዩ። (ዮሃ. 7:16) የሱስ ቃል ኣምላኽ ብቕንዕና ብምምቓሉ ንሰዓብቱ ጽቡቕ ኣብነት ገደፈ።—2 ጢሞ. 2:15
2 ሃዋርያ ጳውሎስውን ቃል ኣምላኽ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ብምምቓል ግሩም ኣብነት ኰይኑ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንኻልኦት ካብ ምንባብ ንላዕሊ ገበረ፣ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝነበረ ካብ ቃል ኣምላኽ መርትዖ እናቕረበ ነቲ ዘንበቦ ይገልጾን የብርሆን ነበረ። (ግብ. 17:2-4) ብተመሳሳሊ: እቲ ኽኢላ ተዛራቢ ዝነበረ ወደ መዝሙር ኣጵሎስውን ‘ብጽሑፋት ስልጡን ነበረ:’ ሓያል ኣቀራርባ ናይ ሓቂ ምእንቲ ክገብር ድማ ነዚ ብቕንዕና የማቕል ነበረ።—ግብ. 18:24, 28
3 ናይ ቃል ኣምላኽ መምህር ኵን:- ዘመናውያን ኣወጅቲ መንግስቲ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስን ከም ዝርድእዎ ምግባርን: ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ሰባት ኣብ ምምሃር ጽቡቕ ዓወት ኣስተማቒሮሞ ኢዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓደ ሓው ንሓደ ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስትያንን ሰለስተ ካብ ቁምስንኡን ብዛዕባ መጻኢ ኵነታት ናይ እኩያትን ጻድቃንን ሰባት ከረድኦም ከሎ ህዝቅኤል 18:4 ከምኡውን ምስኣ ዝመሳሰላ ጥቕስታትን ክጥቀም ክኢሉ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ገለ ኣባላት ናይታ ቤተ-ክርስትያን ከጽንዑ ጀመሩ: ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ሓደ ኻብኣቶም ሓቂ ተቐበለ። (ዓመት መጽሓፍ 94 ገጽ 134) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ ተቓዋሚ በዓል ቤት ዘለዋ ተገዳሲት ሰበይቲ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልደትን እተወለድካሉ መዓልትን ዘየብዕልሉ ምኽንያት ክትገልጸሉ ተሓተት። ብቐጥታ ካብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ቅዱስ ጽሑፋዊ መልስታት ምስ ኣንበበትሉ: እቲ ሰብኣይ ከም እተሰማምዐ ገለጸ። በዓልቲ ቤቱ ብተቐባልነቱ ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት: “ኣብ ኣኼባታትኩም ክንመጽእ ኢና” በለት። በዓል ቤታውን ተሰማምዐ!—ዓመት መጽሓፍ 87 ገጽ 28-9 (እንግሊዝኛ)
4 ነቲ ዘሎ ሓገዝ ተጠቐመሉ:- ቃል ኣምላኽ ኣብ ምምቓል ምእንቲ ክሕግዘና: ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ከምኡውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ጽቡቕ መምርሒ ይህቡና ኢዮም። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እቶም እዋናውያንን ውጽኢታውያንን ምዃኖም ዘመስክሩ ዘለዉ ንጥቕምና ተባሂሎም ዝሕተሙን ብመርኣያ ዝዋሃቡን ኣቀራርባታት ሞስኦም ይገልጹ ኢዮም። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እቶም ቃል ኣምላኽ ተዛሪቡሎም ዘሎ ልዕሊ 70 ዝዀኑ ኣርእስትታት ከመይ ገይርና ብቕንዕና ክንገልጽ ከም ዘሎና ዘርእዩ ኣኽል-ታርፍ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ድማ ነቲ ሓደስቲ ሰባት ክርድእዎ ዘለዎም መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ብሕጽር ዝበለ ጽማቝ ሓሳባት ኢያ እተቕርቦ። ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ መጽናዕቲ 24 ከምኡውን 25 ክኢላታት መማህራን ጥቕስታት ብኸመይ ከም ዝፈልጡ: ዘንብቡ: ከምኡውን ብኸመይ ከም ዝጥቀምሉ ተርእየና። ንዅሉ እዚ ብቐሊሉ ክንረኽቦ እንኽእል ሓገዛት እዚ ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ ይግብኣና።
5 ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ መገዲ ምስ እነማቕል: “ህያውን መስለጥን:” ናይቶም እንሰብከሎም ሰባት “ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ” ኰይኑ ክንረኽቦ ኢና። (እብ. 4:12) ቃል ኣምላኽ ብምዕዋቱ እነስተማቕሮ ሓጐስ: ብዛዕባ ሓቂ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ትብዓት ንኽንዛረብ ክደፋፍኣና ኢዩ!—ግብ. 4:31