መጽናዕቲ 22
ጥቕስታት ብትኽክል ኣወዓዕላኡ ምግላጽ
ንሰባት ክንምህር ከለና: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ካብ ምንባብ ንላዕሊ ኽንገብር እዩ ትጽቢት ዚግበረልና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብጻዩ ጢሞቴዎስ: “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: [“ትኽንትኽ ዚምህር:” ትርጕም 1990] ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ኢሉ ጸሓፈሉ።—2 ጢሞ. 2:15
ነዚ ንምግባር: እቲ ብዛዕባ ጥቕስታት እንህቦ መግለጺ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ቃሕ ዚብለና መግለጺታት መሪጽና ናይ ብሕትና ሓሳባት ኣብ ክንዲ እንውስኸሉ: ነቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ከነእቱ ዚሓትት እዩ። የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ነቶም ካብ ኣፍ የሆዋ ዝወጸ ኢና እንዛረብ እናበሉ: “ራእይ ልቦም” ዚነግሩ ሰባት ኣጠንቀቖም። (ኤር. 23:16) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ብተንኰል ከይተመላለስና: ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ: ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና አሎና” ኢሉ ኺጽሕፈሎም ከሎ: ንቓል ኣምላኽ ብሰብኣዊ ፍልስፍናታት ከይብክልዎ እዩ ዜጠንቅቖም ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ መደናገርቲ ሸቃጦ ወይኒ: ነቲ ወይኖም ብምቅጣን ወይ ምስ ማይ ብምሕዋስ ብዙሕ መኽሰብ ይረኽቡሉ ነበሩ። ንሕና ግን ንቓል ኣምላኽ ምስ ሰብኣዊ ፍልስፍናታት ኣይንሓዋውሶን ኢና። ስለዚ: ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ አሎና እምበር: ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሐዋውሱ ኣይኰንናን።”—2 ቈረ. 2:17፣ 4:2
ሓድሓደ ግዜ ንሓደ መሰረታዊ ስርዓት ንምጕላሕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ትጠቅስ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ዅነታት ዚምልከት ጽቡቕ መምርሒ ዚኸውን መሰረታዊ ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) እንተዀነ ግን: ነታ ጥቕሲ ኣብ ግቡእ ከም ዘውዓልካያ: ከምቲ ንስኻ ኸተመሓላልፎ ዝደለኻ መልእኽቲ ደኣ እምበር: ብጌጋ መገዲ ኸም ዘይተጠቐምካላ ኸተረጋግጽ ኣሎካ። (መዝ. 91:11, 12፣ ማቴ. 4:5, 6) እቲ ኣወዓዕላኣ ምስ ዕላማ የሆዋን ምስ ብምሉኡ እቲ ቓል ኣምላኽን ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።
‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ምምቓል:’ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መንፈስ ምርዳእ እውን ይሓትት። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት እተፈራርሃሉ “በትሪ” ኣይኰነን። እቶም ንየሱስ ክርስቶስ ዚጻረርዎ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጠቕሱ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ ኣምላኽ ኬማልእዎ ዚደልዮም ኣውራ ነገር: ማለት ንፍትሕን ምሕረትን እምነትን ግን ኣዒንቶም ይደፍኑ ነበሩ። (ማቴ. 22:23, 24፣ 23:23, 24) የሱስ ቃል ኣምላኽ ኪምህር ከሎ ግን: ንባህርያት ኣቦኡ እዩ ኣንጸባሪቑ። የሱስ ንሓቂ ዝነበሮ ቕንኣት በታ ነቶም ዚምህሮም ዝነበረ ሰባት ዝነበረቶ ዓማቝ ፍቕሪ እተሰነየ እዩ ነይሩ። ኣብነቱ ንምስዓብ ክንጽዕር ኣሎና።—ማቴ. 11:28
ንሓደ ጥቕሲ ብዚግባእ ኣወዓዕላኣ ንገልጽ ምህላውና ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ነቲ የሆዋ ዘዳለወልና “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ማለት ነቶም ንስድራቤቱ በብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ንምሃብ ዚጥቀመሎም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዜቝምዎ ጕጅለ ኸነማስወሉ ኣሎና። (ማቴ. 24:45) ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባርን ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብን ምስታፍን: ካብቲ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ዚወሃብ ትምህርቲ ንኽንጥቀም ኪሕግዘና እዩ።
እታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብእትርድኦ ቛንቋ ትርከብ እንተ ደኣ ዀይና እሞ ብዚግባእ ትጥቀመላ እንተ ዄንካ: ኣብ ኣገልግሎትና ብተደጋጋሚ ናይ እንጥቀመሉ ብኣማእታት ዚቝጸር ጥቕስታት ትኽክል ኣወዓዕላኡ ብቐሊሉ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሕ ዘይትፈልጦ ጥቕሲ ኽትጥቀም እንተ መዲብካ: ክትዛረብ ከለኻ ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ከተማቕል ምእንቲ ኽትክእል: ብትሕትና ተደሪኽካ ዜድሊ ምርምር ትገብር ኢኻ።—ምሳ. 11:2
ነቲ ኣወዓዕላ ንጹር ግበሮ። ንሰባት ክትምህር ከለኻ: ኣብ መንጎ እቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ርእሰ ነገርን እትጥቀመሉ ዘለኻ ጥቕስን ዘሎ ምትሕሓዝ ብንጹር ከም ዚርድኦም ግበር። ብሕቶ ጌርካ ናብታ ጥቕሲ እንተ መሪሕካዮም: እታ ጥቕሲ ነታ ሕቶ ብኸመይ ከም እትምልሳ ኺግንዘቡ ኣለዎም። ነታ ጥቕሲ ሓደ ሓሳባት ንምድጋፍ ትጥቀመላ እንተ ኣሊኻ: ብኸመይ ንሓቅነት እቲ ነጥቢ ኸም እተመስክር ነቲ ተመሃራይ ንጹር ግበረሉ።
ጥቕሲ ምንባብካ ጥራይ: ዋላ እውን እናኣጕላሕካ ኣንብቦ: እኹል ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ተራ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይፈልጦን ብሓደ ንባብ ጥራይ ነቲ ኸተመሓላልፎ ዝደለኻ ነጥቢ ኸም ዘይርድኦን ኣይትረስዕ። ነቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ጕዳይ ብቐጥታ ዚምልከት ክፋል እቲ ጥቕሲ ኣጕልሕ።
እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ርእሰ ነገር ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ንዘለዎ እተወሰነ ቐንዲ ቓላት ፈሊኻ ምንጻር ዚሓትት እዩ። እቲ ዝቐለለ መገዲ ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ሒዙ ዘሎ ቓላት እንደገና ምድጋሙ እዩ። ንሓደ ውልቀ-ሰብ ትዛረቦ እንተ ኣሊኻ: ነዚ ቐንዲ ቓላት እዚ ፈልዩ ንኼተኵረሉ ዜኽእሎ ሕቶታት ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ተዛረብቲ ንጕጅለ ሰባት መደረ ኬቕርቡ ኸለዉ: ተመሳሳሊ ቓላት ብምጥቃም ወይ ነቲ ሓሳባት ደጊሞም ብምጥቃስ ነዚ ሸቶኦም ኪወቕዑ ይጽዕሩ እዮም። ከምዚ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ግን: እቶም ሰማዕቲ ኣብ መንጎ እቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ነጥብን ኣብቲ ጥቕሲ ዚርከብ ቃላትን ዘሎ ምትሕሓዝ ከይስሕትዎ ተጠንቀቕ።
ነቲ ቐንዲ ቓላት ፈሊኻ እንተ ኣተኲርካሉ: ጽቡቕ መሰረት ኢኻ ኣንቢርካ። ድሕሪኡ ነዚ ኣማዕብሎ። እቲ ነታ ጥቕሲ ኸም መእተዊ ጌርካ እተጠቐምካሉ ሓሳባት: ንምንታይ ነታ ጥቕሲ ኽትጥቀመላ ኸም ዝመደብካ ብንጹር ዚሕብር ድዩ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ: እቲ ዘጕላሕካዮ ቓላት: ምስቲ ንሰማዕትኻ ትጽቢት ኪገብሩሉ ዝሓበርካዮም ነጥቢ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ንገሮም። ነዚ ምትሕሓዝ እዚ ብንጹር ጥቐሶ። ነታ ጥቕሲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንጹር መእተዊ እውን እንተ ዘይተጠቐምካ: ብእተወሰነ ደረጃ ኸተማዕብላ ኣሎካ።
ፈሪሳውያን ንየሱስ ሓንቲ ኣጸጋሚት ኢሎም ዝሓሰብዋ ሕቶ ሓተትዎ። እታ ሕቶ “ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ: ተፈቒዱሉ እዩ፧” እትብል ነበረት። የሱስ ኣብ ዘፍጥረት 2:24 ተመርኲሱ መልሲ ሃቦም። ኣብ ሓደ ኽፋል እታ ጥቕሲ ብምትኳር: ኣወዓዕላኡ ኸም ዝገለጸሎም ግን ኣስተብህል። ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” ኸም ዚዀኑ ድሕሪ ምጕላሕ: “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።—ማቴ. 19:3-6
ንኣወዓዕላ ሓደ ጥቕሲ ንጹር ንምግባር ክንደይ ዚኣክል መግለጺ ኢኻ ኽትህበሉ ዘሎካ፧ ዓይነት ሰማዕትኻን ኣገዳስነት እቲ ዚግለጽ ዘሎ ነጥብን እዩ ነዚ ዚውስኖ። ብቐሊልን ብቐጥታን ንምግላጽ ሸቶ ግበር።
ብጥቕስታት ጌርካ ኣረድእ። ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3 ብዛዕባ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት: “ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዘራረበ” ወይ ኣረድኦም ትብለና። ኵሉ ኣገልጋሊ የሆዋ ነዚ ኽእለት እዚ ኼማዕብል ኣለዎ። ንኣብነት: ጳውሎስ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ሓቅታት ኣቕረበ: እዚ ኣቐዲሙ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጻሒፉ ምንባሩ ሓበረ: ድሕሪኡ ኸኣ “እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ” ኢሉ ሓያል መደምደምታ ገበረ።
ጳውሎስ ንእብራውያን ኪጽሕፈሎም ከሎ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብተደጋጋሚ ጠቒሱ እዩ። ንሓደ ነጥቢ ንኼነጽር ወይ ንኼጕልሕ ኢሉ: መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ቓል ወይ ሓጺር ሓረግ ፈልዩ ድሕሪ ምጥቃስ: ኣገዳስነቱ የጕልሕ ነበረ። (እብ. 12:26, 27) ኣብቲ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 3 ዚርከብ ጸብጻብ: ጳውሎስ ካብ መዝሙር 95:7-11 ጠቒሱ ኣሎ። ድሕሪኡ ንሰለስተ ኽፋል እታ ጥቕሲ ኣስፊሑ ኸም ዝገለጾ ኣስተብህል። እዚ ድማ:- (1) ንልቢ ብዚምልከት (እብ. 3:8-13): (2) ኣገዳስነት እታ “ሎሚ” እትብል ቃል (እብ. 3:7, 13-15፣ 4:6-11): (3) ትርጕም እታ “ናብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን እዮም” እትብል ሓረግ (እብ. 3:11, 18, 19፣ 4:1-11)። ኣወዓዕላ ዝዀነ ይኹን ጥቕሲ ኽትገልጽ ከለኻ: ነዚ ኣብነት እዚ ኽትቀድሖ ጽዓር።
ኣብቲ ኣብ ሉቃስ 10:25-37 ዚርከብ ጸብጻብ: የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ከም ዘረድአ እሞ ተመልከት። ሓደ ፈላጥ ሕጊ “መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ኪምልሰሉ ኸሎ: ነቲ ሰብኣይ ርእይቶኡ ኸም ዚገልጽ ገበሮ: ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዚብሎ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጐልሓሉ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ነጥቢ ኸም ዘይተረድኦ ንጹር ምስ ኰነ: የሱስ ነታ “ብጻይ” እትብል ቃል ኣስፊሑ ገለጸሉ። ብሓጺሩ ትርጕማ ኣብ ክንዲ ዚገልጸሉ: ብምሳሌ ገይሩ ናብ ግቡእ መደምደምታ ኸም ዚበጽሕ ገበሮ።
የሱስ መልሲ ኺህብ ከሎ: ቀጥታውን ንጹርን መልሲ ዚህብ ጥቕሲ ጥራይ ዘይምጥቃሱ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ጥቕስታት ዚብሎ ተንተኖ: ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶ ብኸመይ ከም እትውዕል ድማ ገለጾ።
ሰዱቃውያን ንተስፋ ትንሳኤ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተውዎ: የሱስ ኣብ ሓንቲ ኽፋል ዘጸኣት 3:6 ኣተኰረ። ነታ ጥቕሲ ድሕሪ ምጥቃሱ ግን ዘረባኡ ኣይዛዘመን። ትንሳኤ ኽፍሊ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ብንጹር ንምሕባር: በታ ጥቕሲ ገይሩ ኣረድኦም።—ማር. 12:24-27
ብጥቕስታት ጌርካ ብትኽክልን ብውጽኢታውን መገዲ ኸተረድእ ምኽኣል: ክኢላ መምህር ንኽትከውን ዜኽእል ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።