ብዜእምን መገዲ ምሃር
1. ኣብ ኣገልግሎት ንቓል ኣምላኽ ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም እንታይ የጠቓልል፧
1 ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ፡ ነቲ ‘ቓል ሓቂ ብቕንዕና ምምቓል’ ኪበሃል ከሎ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ምጥቃስ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ይፈልጡ እዮም። (2 ጢሞ. 2:15) ብቓል ኣምላኽ ጌርና ኽንምህር ከለና ብኸመይ ኢና ብዜእምን መገዲ ‘ኸነረድእ’ እንኽእል፧—ግብ. 28:23።
2. ሰባት ንቓል ኣምላኽ ኣኽቢሮም ንኺርእይዎ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
2 ብቓል ኣምላኽ ተጠቐም፦ ብመጀመርታ፡ ሰማዒኻ ንመጽሓፍ ቅዱስ ጥበብ ኣምላኽ ዝሓዘ መጽሓፍ ገይሩ ምእንቲ ኺርእዮ፡ ናብኡ ኸም ዜተኵር ግበር። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ምትእምማን፡ ጥቕሲ ኸነንብብ ከሎና ሰማዒና ብኣቓልቦ ንኺከታተለና ኺድርኾ ይኽእል እዩ። (እብ. 4:12) ብሕጽር ዝበለ፡ “ኣብዚ ጕዳይ እዚ ሓሳባት ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። ቃሉ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ብእተኻእለ መጠን፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ብቐጥታ ኣንብብ።
3. ጥቕሲ ምስ ኣንበብና፡ ሰማዒና ምእንቲ ኺርድኦ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
3 ካልኣይ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ጥቕሲ ኣብርሃዮ። መብዛሕትኦም ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ጥቕሲ ኺንበበሎም ከሎ ንምርዳኡ የጸግሞም እዩ። ስለዚ፡ ምስቲ ዘልዓልናዮ ኣርእስቲ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ክንገልጸሎም የድሊ። (ሉቃ. 24:26, 27) ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣጕልሓዮ። ንሰማዒኻ ሕቶ ብምሕታት፡ ተረዲእዎ እንተ ዀይኑ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።—ምሳ. 20:5፣ ግብ. 8:30።
4. ብዜእምን መገዲ ንኽንምህር ዚሕግዘና ሳልሳይ ነጥቢ እንታይ እዩ፧
4 ኣወዓዕላ እቲ ጥቕሲ ኣረድእ፦ ሳልሳይ፡ ኣእምሮን ልብን ንምትንካፍ ጽዓር። ነቲ ብዓል ቤት፡ እታ ጥቕሲ ንብሕቱ ብኸመይ ከም እትምልከቶ ኺርዳእ ሓግዞ። ኣወዓዕላ ቕዱሳት ጽሑፋት ንሓደ ሰብ ኣተሓሳስባኡ ንኪቕይር ኬእምኖ ይኽእል እዩ። (ግብ. 17:2-4፣ 19:8) ንኣብነት፡ ዮሃንስ 17:26 ድሕሪ ምንባብና፡ ምስ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወና ስሙ ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኸነብርሃሉ ንኽእል ኢና። ድሕርዚ፡ “ስም ኣምላኽ ምፍላጥካ ንጸሎትካ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዎ ዚገብሮዶ ይመስለካ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። በዚ መገዲ እዚ ጌርካ ነቲ ጥቕሲ ምስ ብሕታዊ ህይወት እቲ በዓል ቤት ምትእስሳሩ፡ ግብራዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ዜርኢ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜእምን ኣመሃህራ ቓል ኣምላኽ፡ ንቕኑዓት ሰባት ነቲ ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንኼምልኽዎ ይድርኾም።—ኤር. 10:10።