ንኻልኦት ከተእምነሉ እትኽእል መገድታት
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንኻልኦት ከም ዝኣምኑ ብምግባር ዝመጸ ፍሉጥ ኢዩ። (ግብ. 19:26) ንጉስ ኣግሪጳ እውን ከይተረፈ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” በሎ። (ግብ. 26:28) ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ክሳዕ ክንድዚ ናይ ምእማን ክእለት ክህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብ ዘረብኡ ንሰማዕቲ ከከም ዓቕሞም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ርትዓዊ መረድኢ የቕርብ ነበረ።—ግብ. 28:23
2 ንሕና እውን ንጳውሎስ ብምቕዳሕ ኣብ ኣገልግሎትና ናይ ምእማን ክእለት ክህልወና ኣለዎ። ብኸመይ፧ ንኻልኦት ብምስትውዓል ንዛረቦምን ንሰምዖምን እንተድኣ ዄንና ነዚ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 16:23) ነዚ ንምግባር እዚ ዝስዕብ ሰለስተ ኣገዳሲ ነጥብታት ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
3 ጽን ኢልካ ስማዕ:- ካልእ ሰብ ክዛረብ ከሎ: ክልቴኹም እትሰማምዕሉ ነጥብታት ንምርካብ ጽን ኢልካ ስማዕ። ምስቲ ዝበልካዮ ነገራት እንተ ዘይተሰማሚዑ: ንምንታይ ከምኡ ይብል ከም ዘሎ ንኽትርዳእ ጽዓር። እንታይ ከም ዝኣምን: ስለምንታይ ነቲ ነገር ከም ዝኣምነሉ: ከምኡውን እንታይ ከም ዘእመኖ ብትኽክል ንኽትፈልጥ ክሕግዘካ ኢዩ። (ምሳ. 18:13) ፍዅስ ኢልዎ ነዚ ንኽነግረካ ሜላ ተጠቐም።
4 ሕቶታት ኣቕርብ:- ሓደ ሰብ ኣብ ስላሴ ከም ዝኣምን እንተድኣ ነጊሩካ “ካብ ቀደምካ ዲኻ ኣብ ስላሴ እትኣምን ነይርካ፧” ኢልካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ኣስዕብ ኣቢልካ ድማ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዝብል ዓሚቝ መጽናዕቲ ገይርካዶ ትፈልጥ፧” ኢልካ ሕተቶ። “ኣምላኽ ክፍሊ ስላሴ እንተድኣ ዀይኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ምሓበረና ነይሩዶ ኣይምበልካን፧” ኢልካ እውን ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝህበካ መልሲ: ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዝብል ነቲ ውልቀ-ሰብ ንኸተረድኦ ክሕግዘካ ኢዩ።
5 ቅቡል ዝዀነ መረድኢ ኣቕርብ:- ሓደ ሓው ንሓንቲ የሱስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እትኣምን ዝነበረት ሰበይቲ ‘ክልተ ሰባት ማዕረ ምዃኖም ንኸተረድኢ ከም መብርሂ እንታይ ዓይነት ናይ ስድራቤት ዝምድና ምተጠቐምኪ፧’ ብምባል ሓተታ። ንሳ ድማ “ክልተ ኣሕዋት ምተጠቐምኩ” ኢላ መለሰትሉ። ንሱ ኸኣ ዘረብኡ ብምቕጻል “ምናልባት እውን ማናቱ ኣሕዋት ምተጠቐምኪ ነይርኪ። ንኣምላኽ ከም ኣቦ ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ከም ወዲ ክንርእዮ ክምህረና ኸሎ ግን የሱስ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ ዘሎ፧” በላ። እታ ሰበይቲ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ብዕድመን ስልጣንን ከም ዝዓቢ ተረድአት። (ማቴ. 20:23፣ ዮሃ. 14:28፣ 20:17) በቲ ናይ ምእማን ክእለት ድማ ልባ ተተንከፈ።
6 ልክዕ ኢዩ: ኣቀራርባና ሽሕ ሳዕ ርትዓውን ቅኑዕን እውን ይኹን ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ንሓቂ ዝቕበል። እንተዀነ ግን: ከም ጳውሎስ ነቶም ኣብ ዞባና ዝርከቡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብ ምንዳይን ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክቕበሉ ንኸነእምኖምን ብትግሃት ንዕየ።—ግብ. 19:8