ንቓል ኣምላኽ ትጣበቐሉ ዲኻ፧
1 ኣብዛ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትኣምን ዓለም: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ ብቕንኣት ይጣበቑሉ እዮም። ቅዱስ ጽሑፍ ዘበለ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ስለ እንኣምን: ምስቲ የሱስ ናብ የሆዋ ኺጽሊ ኸሎ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ዝመስከሮ ንሰማማዕ ኢና። (2 ጢሞ. 3:16፣ ዮሃ. 17:17) ንቓል ኣምላኽ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንጣበቐሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ጥቕስታት ኣጽንዕ:- የሱስ ቃል ኣምላኽ ኬጽንዕ ብዙሕ ከም ዝጸዓረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪምህር ኣኽኢልዎ እዩ። (ሉቃ. 4:16-21፣ 24:44-46) ብዙሕ ጥቕስታት ክንዝክር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብዛዕባ እታ እተተባብዕ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ሓጋዚት ኰይና ዝረኸብናያ ጥቕሲ ብምስትንታንን ኢና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል። ንኣኼባታት ክንዳሎ ኸለና: ነቲ እተሓበረ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ: ምናልባት እውን ኣብኡ ተመርኲስና ሓሳባት ከነዳሉ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባታት እቲ ተዛራባይ ጥቕስታት ኬንብብ ከሎ: መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ኽንከታተሎ ኣሎና። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕና ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ንኸነማቕል’ ኬዳልወና እዩ።—2 ጢሞ. 2:15
3 መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛረብ ፍቐደሉ:- ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከለና: መጽሓፍ ቅዱስ ንኺዛረብ ክንፈቕደሉ ኣሎና። ንኣብነት: ኵነታት ዜፍቅዶ እንተ ደኣ ዀይኑ: ነቲ ብዓል ቤት ሓንቲ ጥቕሲ ኸነንብበሉ ኣሎና። ሕቶ እንተ ሓቲቱ ወይ ተቓውሞ እንተ ኣርእዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ መልሲ ምሃብ ዝበለጸ እዩ። እቲ ብዓል ቤት ብስራሕ ትሑዝ ምስ ዚኸውን እውን: “ቅድሚ ምኻደይ ሓንቲ ጥቕሲ ኸንብበልካ” ብምባል ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ከነጕልሕ ንኽእል ኢና። ብእተኻእለ መጠን እቲ ሰማዒ ኸም ዚከታተለካ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ኣንብብ።
4 ሓደ ብዓል ቤት: ስላሴ ጌጋ ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኣየ: “ምሉእ ህይወተይ ቤተ-ክርስትያን ተመላሊሰ እየ: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኸም ዚብል ግን ብርግጽ ኣይፈልጥን እየ ነይረ!” በለ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ድማ ፍቓደኛ ዀነ። የሱስ ኣባጊዑ ድምጹ ኸም ዚሰምዓ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ. 10:16, 27) ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሓቂ ንኼለልዩ ኽንሕግዘሉ እንኽእል እቲ ዝበለጸ መገዲ: እቲ ሓቂ ብቐጥታ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምርኣይ እዩ። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ሓቂ ዝሓዘ ቓል ኣምላኽ ንጣበቐሉ!