ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/97 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥሪ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 1/97 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥሪ

6 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታት። ብዛዕባ ናይታ ጉባኤ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳብ ሃብ።

20 ደቒቕ:- ቅድመ⁠-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ታሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ዝሕደሰሉ ግዜ። ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ነቲ ካርድ ጽቡቕ ገይርካ ምምልኡን ኵሉ ግዜ ምሳኻ ምሓዙን ኣድላዪ ምዃኑ ይመያየጠሉ። ኣብ ግዜ ሓደጋ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ክትዛረብ ዘይትኽእል ምስ እትኸውን እዚ ሰነድ እዚ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ይዛረብ ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 22:3 ኣረኣእዮ።) ገለ ሓካይም ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ዝገበረ ሰነድ ናይቲ ሰብ እዋናዊ ምርዳእ ኣይገልጽን ኢዩ ስለ ዝብሉ: ደም ከም ዘይትቕበል እዋናዊ ሓበሬታ ምእንቲ ክትህብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓድሽ ካርድ ክትመልእ የድሊ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ: ኵሎም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ቅድመ⁠-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ታሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ክወሃቦም ኢዩ: እቶም ዘይተጠምቁ ንኡሳን ቈልዑ ዘለውዎም ድማ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝኸውን ናይ መንነት ካርድ ክቕበሉ ኢዮም። እዚ ካርድ እዚ ሎሚ ምሸት ከም ዘይምላእ ግለጽ። ብጥንቃቐ ኣብ ገዛ ክምልእ ኣለዎ: ክፍረመሎም ግን የብሉን። ምፍራም: ምምስካር: ከምኡውን ዕለት ምጽሓፍ ናይቲ ካርድታት ኣብታ ቀጺላ ዘላ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ምስ ተወድኣ: ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ናይቲ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍ ኢዩ ዝግበር። ኵሎም እቶም ኣብ ጕጅለኡ ተመዲቦም ዘለዉ ካርድ ከም እተቐበሉን ሓገዝ ድማ ዘድልዮም እንተዀይኑን ከረጋግጽ ኢዩ። እቶም ከም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ እቲ ወናኒ ናይቲ ሰነድ ምፍራሙን ዘይምፍራሙን ከረጋግጹ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን እዚ ዘይተረኽበ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ኣብታ ቀጺላ ዘላ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንኽመልእ በቶም ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ/ሽማግለታት ክሕገዝ ኢዩ: እዚ ድማ ኵሎም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ካርድታቶም ብዝግባእ ክሳዕ ዝመልእዎን ዝፍርምሉን ይግበር። (ናይ 15 ጥቅምቲ 1991 ደብዳበ ድገም።) ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ካብዚ ካርድ እዚ ሓሳባት ብምውሳድ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ኵነታትን ምርዳእን ብምስምማዕ: ንገዛእ ርእሶምን ደቆምን ዝኸውን መምርሒ ክጽሕፉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ናይ ታሕሳስ 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሕቶ ሳጹን ተወከስ።​—ምሳ. 16:⁠20

15 ደቒቕ:⁠- “ንኻልኦት ንምምሃር ክእለት ዘለዎምን ዕጡቓትን።” ብሓገዝ የሆዋ ንኻልኦት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክንምህር ከም እንኽእል እምንቶ ክህልወና ከም ዘለዎ ብምጕላሕ ኣብ ቍጽሪ 1⁠-2 ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ሃብ። ክልተ ኣስፋሕቲ ክልተ ድማ ሰብ ቤት ኰይኖም ከም ዝዓዩ ብምግባር ካብ 3⁠-6 ዘሎ ሓሳባት ገይሮም ክልተ መርኣያታት ከም ዘቕርቡ ግበር: ነፍሲ ወከፍ መርኣያ: ናይ መጀመርታ ምብጻሕን ተመላሊስካ ምብጻሕን ብኸመይ ከም ዝግበር ዘርኢ ይኹን።

መዝሙር 14ን መዕጸዊ ጸሎትን

13 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16

15 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብ እዋናውያን መጽሔታት ዘለዉ መዛራረቢ ኣርእስቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ነጥብታት ኣጕልሕ። ንሰባት ቀሪብና ናይ እግረ⁠-መገዲ ምስክርነት ክንህብ ከሎና ብዛዕባ ክንጥቀመሎም እንኽእል ነጥብታት ሓሳባት ሃብ። ኣብ ድኳናት: ኣብ መገዲ: ኣብ መናፈሲ ቦታ: ኣብ ናይ ህዝቢ መጐዓዝያ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ንዝረኽብዎም ካልኦት ሰባት ክዛረብዎም ከለዉ እተጠቕምሉ ናይ መኽፈቲ ቃላት ክነግሩ ንሰማዕቲ ዓድሞም።

15 ደቒቕ:⁠- ‘ከመይ ጌርኩም ከም እትምልሱ ፍለጡ።’ (ቈሎ. 4:⁠6) ኣብቲ ዞባኹም ክሕግዝ ዝኽእል ካብ መጽሓፍ “ምምርማር” (እንግሊዝኛ) ዝሰማማዕ ክፍልታት: ብፍላይ ድማ ኣብ ገጽ 16⁠-19 ዘሎ: ተመያየጠሉ። ክእለት ዘለዎ ኣስፋሒ ወይ ፓይነር ነዚ ነጥብታት እዚ ብመርኣያ ከም ዘቕርቦ ግበር።

15 ደቒቕ:⁠- ነቲ ከባቢ ዘድሊ ነገራት። ወይ “ኵሉ ግዜ ጾርካ ናብ የሆዋ ደርብዮ” ዝብል ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27⁠-9 እተመርኰሰ ዘተባብዕ ዝርርብ።

መዝሙር 15ን መዕጸዊ ጸሎትን

20 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 21

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣብቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ዝበዓለሉ ወርሒ መጋቢት ብዙሓት ፓይነራት ንኽህልዉና እንገብሮ ዅሉ ፍሉይ ጻዕርታት በጃኻ ኣዘኻኽሮም። ሎሚ ኵሎም ቅጥዕታት ክወስዱን መደባቶም ከተዓራርዩን ዓድሞም።

15 ደቒቕ:⁠- “ኵሎም ዓይነት ሰባት ክድሕኑ ኢዮም።” ሕቶን መልስን። እተፈላለየ ማሕበራዊ ደረጃ ንዘለዎም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ብኸመይ ጽቡቕ መልሲ ከም ዝረኸቡ ዝገልጽ ገለ ተመክቶታት ኣሕጽር ኣቢሎም ከዘንትዉ ንሰማዕቲ ዓድሞም።

20 ደቒቕ:⁠- ብጽቡቕ ጠባይ ምምስካር። ሓደ ሽማግለ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ መንእሰያት ምይይጥ ይገብር። እቲ ምይይጥ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10⁠-20 (እንግሊዝኛ) እተመርኰሰ ይኸውን። ኣብ ደገ ዝዕዘቡና ሰባት በቲ ቅኑዕ ዝዀነ ጠባይ ናይቶም ክርስትያን መንእሰያት ኣወንታዊ ብዝዀነ መገዲ ክሳዕ ክንደይ ከም እተመሰጡ ዘርኢ ኣብ ጽሑፍ ዝወጸ ከምኡውን ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ተመክሮ ሓውሰሉ።

መዝሙር 23ን መዕጸዊ ጸሎትን

27 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20

5 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት።

10 ደቒቕ:⁠- እቲ ጸሓፊ ዝገብሮ ድግማ ናይ ሕቶ ሳጹን

15 ደቒቕ:⁠- “‘ነቲ ቓል ኢና እንሰብኽ።’” ሕቶን መልስን። ንቑም ነገር ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቝና ሞሳ ክንህበሉ ስለምንታይ ከም ዝግብኣና ዘርኢ ገለ ሓሳባት ወስኽ።​—ናይ 22 መጋቢት 1984 ንቕሑ! ገጽ 9⁠-11 (እንግሊዝኛ) ርአ።

15 ደቒቕ:⁠- ኣብ ለካቲት ንዝዕደል ጽሑፋት ደጊምካ ንገር። ናይታ መጽሓፍ ኣገደስቲ መዳያት ጥቐስ:⁠- (1) ኣብ መጽሓፍ ሳርቫይቫል ዘሎ ከም ምዕራፍ 3, 4, 7 ዝኣመሰለ ደስ ዘብል ናይ ምዕራፍ ኣርእስትታት (2) ምልኩዕ ስእላዊ መግለጺታት (3) ኣብ መጽሓፍ ሳርቫይቫል ኣብ ከም ገጽ 5, 27, 95, 135, ወይ ገጽ 172 ዘሎ ናይ ድግማ ሳጹናትን ሰሌዳታትን ከምኡውን (4) ኣብ መጽሓፍ ሳርቫይቫል ገጽ 87 ሕቶ ቍጽሪ 15 ዘሎ ከም እትሓስብ ዝገብር ሕቶታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ምስታ ቀቅድሚ እዚኣ ዝነበረት ናይ ኣኼባ ክፍሊ ብምስምማዕ: ኣብቲ ኣቀራርባ ብግቡእ እተመርጸ ጥቕሲ ምጥቃም ኣተባብዕ። ሓደ ወይ ክልተ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባታት ብመርኣያ ኣዳሉ።

መዝሙር 26ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ