ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን ክህልዋ ዝኽእል ቅድሚ 1984 እተሓትመ ዝዀነ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ከም እኒ ሳርቫይቫል ኢን ቱ ኤ ኒው ኤርዝ ክዕድላ ይኽእላ ኢየን። ለካቲት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ) ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ጥሪ ክዕደል ዝነበሮ መጻሕፍቲ ዝተረፈ። መጋቢት:- ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት (እንግሊዝኛ): ወይ ድማ መጽሓፍ ፍልጠት። ሚያዝያ:- ንጽል ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብቲ ብዙሕ ግዜ እተዓየየ ዞባታት እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ሓዳስ ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ምጥቃም ይከኣል ኢዩ።
◼ ኵሎም እቶም ኣብታ 6 ጥሪ እትጅምር ሰሙን ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝካፈሉ እተጠመቑ ኣስፋሕቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድን ንደቆም ዝኸውን ናይ መንነት ካርድን ክወሃቦም ኢዩ።
◼ ካብ ለካቲት ጀሚሩ እቲ ብናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “ትምህርቲ ንየሆዋ ንምውዳስ ተጠቐምሉ” ዝብል ክኸውን ኢዩ።
◼ ጉባኤታት ነቲ ሰንበት 23 መጋቢት ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል እቲ ዝጥዕም መደባት ክገብራ ይግባእ። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ክጅመር ዝከኣል እኳ እንተዀነ እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ምዛር ግን ቅድሚ ጻሓይ ምዕራባ ክጅምር ኣይግባእን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ መዓስ ከም እትዓርብ ንምፍላጥ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ሕተቱ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብጀካ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ካልእ ኣኼባታት ስለ ዘይግበር: ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ካልእ ግዜ ምእንቲ ክውሰድ እቲ ዘድሊ ምትዕርራያት ክግበር ይግባእ። ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ብመሰረት ናይቲ ከባቢ ኵነታት ናይ ኣኼባታቶም መደብ ከተዓራርዩ ከድልዮም ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ዝኽሪ በዓል ክትገብር ዝድለ እኳ እንተዀነ: ኵሉ ግዜ ዝከኣል ግን ኣይኰነን። ብዝሕ ዝበላ ጉባኤታት ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝጥቀማ ምስ ዝዀና: ምናልባት ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ነታ ምሸት እቲኣ ካልእ መኣከቢ ቦታ ክረኽባ ይኽእላ ኢየን። ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ክካፈሉ ምእንቲ ክኽእሉ እቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ኣዝዩ ደንጕዩ ክጅምር ኣይግባእን። ወይ ድማ እቲ መደብ ኣዝዩ እተጻበበ ብምዃኑ ቅድሚ እቲ በዓል ወይ ድሕሪኡ በጻሕቲ ሰላም ንምባል: ንተገደስቲ ሰባት ቀጻሊ መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ መደባት ንምግባር: ወይ ድማ ሓፈሻዊ ምትብባዕ ንምሃብ ዘይጥዕም ክኸውን የብሉን። ኵሉ ረቛሒታት ኣጸቢቑ ምስ ተጸንዐ: እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣብቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ዝካፈሉ ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክጥቀሙ እንታይ መደባት ምግባር ዝበለጸ ከም ዝኸውን ክውስኑ ይግባእ።
◼ እቲ ናይ 1997 ናይ ዝኽሪ በዓል ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ሰንበት 6 ሚያዝያ ክቐርብ ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ክወሃብ ኢዩ። እተን ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ: ወይ ድማ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብታ ቀጺላ ዘላ ሰሙን ክወሃበን ኢዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ ዝርርብ እዚ ቅድሚ 6 ሚያዝያ ክትወስዶ ኣይግባእን ኢዩ።
◼ እታ ጉባኤ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝግበር ኣሰምብሊታት ክትካፈል ከላ እዚ ዝስዕብ ምትዕርራያት ምግባር ከም ዘድሊ እቶም ኣካል ሽማግለታት ክግንዘቡ ኣለዎም:- ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ምስ ተመደበ: እታ ጉባኤ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ብዘይካ ህዝባዊ ዝርርብ ከምኡውን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ካልእ ኵሉ ስሩዕ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክትገብር ይግባእ። እታ ጉባኤ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ክትካፈል ምስ ዝምደብ ድማ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን እውን ኣይግበርን፣ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ጥራይ ይግበር።
◼ ካብ ካናዳ ብኣየር ንዝመጽእ ሸውዓተ ሰባት ብዘለውዎ ጕጅለ ዝግበር ዓመታዊ ናይ መጽሔት ምዝገባ እተዓረየ ዋጋ:- ንኣስፋሕቲ ብር 64.50፣ ንፓይነራት ብር 52.00 ።
◼ “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ዘርእስቱ ናይዚ ዓመት እዚ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ዝግበረሉ ግዝያዊ ዕለታት:- 19-21 መስከረም ድሬዳዋ፣ 26-28 መስከረም ኣዋሳ ወይ ሻሸመኔ፣ 3-5 ጥቅምቲ ደሴ፣ 10-12 ጥቅምቲ ጂማ፣ 17-19 ከምኡውን 24-26 ጥቅምቲ ኣዲስ ኣበባ።
◼ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ንዝግበር ናይ ፍሉይ ዞባታት ወፈራ ክካፈሉ ዝደልዩ: ጽቡቕ ናይ ግራት ኣገልግሎትንጽርቲ ንኽትከውን ንጥፈት ዘለዎም ፓይነራት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ሕጂ ወይ ድማ እንተ ደንጐየ ክሳዕ 20 ጥሪ 1997 ከመልክቱ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ሕጽር ዝበለ ደብዳበ እዞም ዝስዕቡ ዝርዝራት ንደሊ:- 1) ስም፣ 2) ጉባኤ፣ 3) ዕድመ፣ 4) ጥምቀት፣ 5) ንጽል ወይስ በዓል ሓዳር፣ 6) እትፈልጦ (እትፈልጥዮ) ቋንቋታት፣ 7) ካብ ጥቅምቲ ክሳዕ ታሕሳስ 1996 ዘሎ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ቅዳሕ፣ 8) እቲ ኣመልካቲ ኣብ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ተመክሮ ከም ዘለዎ (ዘለዋ)፣ 9) በቶም ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ እተፈረመ ሕጽር ዝበለ ናይ ምሕጽንታ ደብዳበ።