ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/97 ገጽ 3
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅኑዕ ጸብጻብ ንኽህልወና እጃምካ ተበርክትዶ ኣሎኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ኣገልገልቲ እቲ ብስራት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢኻ ደገፍካ ሃብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ስርዓታዊ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 1/97 ገጽ 3

ሕቶ ሳጹን

◼ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቀልጢፍና ክንህብ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ምስባኽ ዝፍጸም ዘሎ ጽቡቕ ነገራት ክንሰምዕ ከሎና ኵላትና ንሕጐስ ኢና። (ምሳሌ 25:25 ርአ።) ግብሪ ሃዋርያት 2:41 ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ምስ ሃበ “ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት . . . ተወሰኻ” ብምባል ጸብጻብ ትህብ። ቍሩብ ጸኒሑ ድማ እቲ ቝጽሪ ናብ “ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ” ደየበ። (ግብ. 4:⁠4) እዚ ጸብጻብ እዚ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣነቓቒሕዎም ክኸውን ዝኽእል! ሕጂ እውን ዘተባብዕ ጸብጻብ ክንሰምዕ ከሎና ብተመሳሳሊ ንነቓቓሕ ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣሕዋትና ነቲ ብስራት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምስባኽ ዘስተማቕርዎ ዘለዎ ዓወታት ክንሰምዕ ከሎና ንሕጐስ ኢና።

ነዚ ኸምዚ ዝበለ ጸብጻባት ኣብ ምትእኽኻብ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ስለ ዝሓትት: ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ናይታ መንግስቲ ምትሕብባር ኣድላዪ ኢዩ። ጸብጻብ ሰዓታትካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብቕልጡፍ ንምሃብ ንቑሕ ዲኻ፧

ወሰኽ ዝገልጽ ጸብጻብ የሐጕሰና ኢዩ። ብተወሳኺ ጸብጻብ: ንማሕበር እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝገብሮ ዘሎ ዕቤት ንምርኣይ ይሕግዛ ኢዩ። ኣበየናይ ዝያዳ ሓገዝ ከም ዘድሊ ወይ ዓይነትን ብዝሕን ናይቲ ክሕተም ዘለዎ ጽሑፋት ምውሳን ከድሊ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኣበየናይ መዳይ ምምሕያሽ ከም ዘድሊ ንምውሳን ይጥቀምሉ ኢዮም። ጽቡቕ ጸብጻብ ዝሃንጽ: ንዅላትና ድማ ምምሕያሽ ዘድልዮ ነገራት ንምርኣይ ናይ ገዛእ ርእስና ኣገልግሎት ንምምርማር ዘለዓዕለና ኢዩ።

ኵሎም ኣስፋሕቲ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብቕልጡፍ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ንኽህቡ ብውልቀ⁠-ሰብ ደረጃ ዘለዎም ሓላፍነት ክግንዘቡ የድሊ። ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ ነቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምክፋል ገለ ጸገም ክህልዎም ዝኽእል ብሕታዊ ሓገዝ ንኽህብዎም ንቑሓት እውን ስለ ዝዀኑ: ነቶም ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እዚ ሓላፍነት እዚ ከዘኻኽርዎም ይኽእሉ ኢዮም። እዚ መዘኻኸሪ እዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ኣብ ዝግበር ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ መጽሓፍ ወይ ኣብ ካልእ ምቹእ ግዜ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ንምሃብ ኣጋጣሚ እንተድኣ ዘይተረኽበ: እቲ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሒ ክእክቦ ይኽእል: ምስቲ ናብ ማሕበር ዝለኣኽ ወርሓዊ ጸብጻብ ናይታ ጉባኤ ምእንቲ ክሕወስ ድማ ኣብ ግዜኡ ነቲ ጸሓፊ ይህቦ።

ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈት ጸብጻብና ብቕልጡፍ ንምሃብ ዘሎና ትግሃት: ነቶም ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ንምእላይ ሓላፍነት ዝወሰዱ ኣሕዋት ዘለዎም ጾር ዘቕልል ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ