ስርዓታዊ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ዲኻ፧
1 ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ንምብጻሕ ሓያል ጻዕሪ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ገለ ኣስፋሕቲ ስርዓታውያን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ኣጸጊምዎም ኢዩ። ጸብጻብ ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣይህቡን ኢዮም። እዚ ዝስዕብ ምትብባዕ ነቲ ዅነታት ንምእራም ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ ኢልና ንኣምን።
2 ነቲ መሰል ኣማስወሉ:- ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ናይ ምክፋል መሰል ብምርካብና ዓሚቝ ሞሳ ክህልወና ኣለዎ። እዚ ንጥፈት እዚ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ: ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ሰባት ከኣ መገዲ ህይወት ንኽማሃሩ ይሕግዞም። (ምሳ. 27:11፣ 1 ጢሞ. 4:16) ብቐጻሊ ምስክርነት ምሃብ ኣብ ኣገልግሎት ተመክሮ ከም እንድልብ ይገብረና: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሓጐስን ዕግበትን ይስምዓና።
3 ናይ ኣገልግሎት ጸብጻብ ሃብ:- ገለ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝካፈሉ ሰባት ኣብ እዋኑ ጸብጻብ ምሃብ ዕሽሽ ይብልዎ ኢዮም። እንገብሮ ጻዕሪ ጸብጻብ ክንህበሉ ዘይበቅዕ ኢዩ ዝብል ስምዒት ክህልወና የብሉን። (ምስ ማርቆስ 12:41-44 ኣረኣእዮ።) ዝገበርና ገይርና: ጸብጻብ ኣገልግሎትና ክንህብ ኣሎና! ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ግዜ እንምዝግበሉ ከም ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ምምዝጋብ ዝኣመሰለ ልምዲ ምስ ዝህልወና: ኣብ መወዳእታ ወርሒ ብቕልጡፍ ቅኑዕ ጸብጻብ ንኽንህብ ቀዋሚ መዘኻኸሪ ይዀነና ኢዩ።
4 እቲ ዘድሊ ሓገዝ ሃብ:- ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታውያን ኰይኖም ክካፈሉ ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ምድላዋት ምምሕያሽ የድልዮ ይኸውን ኢዩ። እቶም ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ሓገዝ ምሃብ ምእንቲ ክኽእሉ: ናይ ጉባኤ ጸሓፍን መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍን ምድላዋት ክገብሩሎም ኣለዎም። ውሉዳት ወይ ዘይተጠመቑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ኣለዉኻ ኰይኖም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ጸብጻብ ክህቡ ኣለማምዶም።
5 ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንነዊሕ ግዜ ዘሕለፍክዎ ህይወት ሕጕስቲ ኢየ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ታሪኽ ህይወት ዘክር። እታ ኖርወጃዊት ሓብቲ ኦቲሊ ሚድለን ቅድሚ ብ1921 ምጥማቓ ስርዓታዊት ኣስፋሒት ናይቲ ብስራት ኰይና ነበረት። ድሕሪ ሰብዓን ሽዱሽተን ዓመታት ማለት ጓል 99 ዓመት ምስ ኰነት “ገና ስርዓታዊት ኣስፋሒት ኰይነ ከገልግል ብምኽኣለይ ሕጕስቲ ኢየ” በለት። እዝስ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ክቐድሕዎ ዘለዎም ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ኣረኣእያ ኰን ኢዩ!