ነሓሰ ሓለፍ ዝበለት ወርሒ ክትከውን ድያ፧
1 ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ኣዝዮም ትሑዛት ከም ዝዀኑ ገይርዎም ዝነበረ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ሕጂውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክውዳእ ኢዩ። ነሓሰ ንብዙሓት ካባና ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎትና ብዝያዳ ንምዕያይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ክትከፍተልና ኢያ። ብዙሓት ከኣ ነቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦምን ነቲ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዘሎ ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰናብትን ብጽቡቕ ክጥቀምሉ ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ቈልዑ እውን ከይተረፉ በቲ ዝማርኽ እንዕድሎ ብሮሹር ተጠቒሞም ጽቡቕ ግደ ንኸበርክቱ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኢዩ። እቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ሰላም ስለ ዝደልዩ: ብዛዕባ እታ ንምድርና ነባሪ ሰላምን ሓጐስን እተምጽእ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንነግሮም መሰል ኣሎና። ነቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ጸብጻብ ንኽንርእዮ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ።
2 ነሓሰ ሓለፍ ዝበለት ወርሒ ንምግባራ ብዓቢኡ ኣብቲ እንገብሮ ጻዕሪ እተመርኰሰ ኢዩ። እንተዀነ ግን: በረኸት የሆዋ ንምርካብ ክንጽሊ እውን የድልየና ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋናት ክፍሊ ናይ ዓለም ከይንኸውን: ኣብ ንሓድሕድና ብፍቕሪ ክንቀራረብ: ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ዞባና ክንሽፍን: ኣብ መገዲ ከነገልግል ከሎና ንዝረኸብናዮም ሰባት ከነዘራርቦም ተበግሶ ክንወስድ: ከምኡውን ኣብ ኵሉ እቲ እንረኽቦ ጽቡቕ ኣጋጣሚ: ብርሃንና ከም ዝበርህ ክንገብሮ ከም ዘሎና ዝምልከት እዋናዊ ምኽርታት ረኺብና ኢና። ነዚ ነጥብታት እዚ ብዝያዳ ኣብ ግብሪ እናውዓልናዮ ብዝኸድና መጠን: የሆዋ ድማ ብዝያዳ ክባርኸና ኢዩ። ነሓሰ ሓለፍ ዝበለት ወርሒ ከም እትኸውን ንምግባራ: ኣብታ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይታ ወርሒ ንምግልጋል መደብ ግበር! ምስክርነት ንምሃብ እተጠቐምካሉ ሒደት ደቓይቕ እውን ከይተረፈ ንምጽሓፍ: መዝገብ ምሓዝ ተግባራዊ ነጥቢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ኣብ መወዳእታ ወርሒ ድማ እቲ ድምር ሰዓታት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
3 ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ድማ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሑ ኣሕዋት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ጸብጻብ ሰዓታት ብምቕባል ነቲ ጸሓፊ ክሕግዝዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዘይተዋህበ ጸብጻብ ሰዓታት እውን ክእከብ ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር ካብ ናይ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እተረኽበ ጸብጻብ ክንደይ ምዃኑ ኣብቲ ናይታ ጉባኤ ጸብጻብ ኣብ ታሕቲ ክጥቀስ ጽቡቕ ኢዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ነሓሰ ዝዓየይዎ ንጥፈቶም ዝገልጽ ጸብጻብ ብጥንቃቐ እንተድኣ ሂቦም ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘተባብዕ ክኸውን ኢዩ!
4 ብእተኻእለካ መጠን: ኣብ ነሓሰ ሓደ ካብቶም ኣስፋሕቲ ኴንካ ምእንቲ ኽትቍጸር ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ቅልጥፍ ኢልካ ንምሃብ ኣይትረስዕ።
5 ነቲ መሰል ኣኽቢርካ ርኣዮ:- ኣገልግሎት “ጽቡቕ ሕድሪ” ኢዩ። (2 ጢሞ. 1:14) ነቲ ብስራት ንኽንሰብኮ ተዋሂቡና ዘሎ መሰል ከኣ ነማስወሉ ኢና። (1 ተሰ. 2:4) ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ኵሉ ክንሓስቦ ኸሎና: ኣብዚ ዝበለጸ ዕዮ እዚ ምሉእ ዓመት ከየቋረጽና ንኽንካፈል ክድርኸና ኣለዎ። ስርዓታውያን ኴንና ንኸይንሰብኽ ዝዀነ ይኹን ነገር ክዓግተና ከነፍቅደሉ የብልናን። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብምክፋል ንነሓሰ ሓለፍ ዝበለት ወርሒ ንግበራ: ኣብቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ድማ ብዛዕብኡ ንምምስካር ንወስን! ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ስርዓታውያን ኴንና ምክፋልና ብመንፈስ ጥዑያት ኴንና ከም እንቕጽል ክገብረና: ኣብ ርእሲ እቲ ዘሎና ኸኣ መሊሱ ሓጐስ ክውስኸልና ኢዩ። ንልቢ የሆዋ እውን ከሐጕሶ ኢዩ።—መዝ. 34:1፣ ምሳ. 27:11