ንናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢኻ ደገፍካ ሃብ
1 ነፍሲ ወከፍና ካብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ብዙሕ ረብሓታት ንረክብ ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ብኸመይ ዕማሙ ኸም ዝፍጽም ተመያይጥናሉ ኔርና። እንተዀነ ግን ንምሕጋዙ: ከምዚ ብምግባር ከኣ ንርእስናን ንኻልኦትን ንምጥቃም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
2 ኣብ ሰሰሙን ኣብቲ ኣኼባ ተረኸብ:- ጕጅለታት ትምህርቲ መጽሓፍ ሒደት ኣባላት ስለ ዘለዉወን: ኣብኡ ምህላውካን ዘይምህላውካን ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ሰሰሙን ኣብቲ ኣኼባ ንኽትርከብ ሸቶኻ ግበሮ። ሰዓትካ ምኽባር ነቲ ተዓዛቢ ብዝግባእ ኣኼባ ኽጅምር ስለ ዘኽእሎ: በዚ ኸምዚ ሓገዝካ ኽትህብ ትኽእል ኢኻ።—1 ቈረ. 14:40
3 ሃናጺ ሓሳባት:- ካልእ ክትሕግዘሉ እትኽእል መገዲ ድማ ብግቡእ ብምድላውን ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብን ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ነጥቢ ዘተኰረ ሓሳብ ምሃብ ዝበለጸ ዀይኑ ኢዩ ተረኺቡ: ንኻልኦት ሓሳብ ንኽህቡ ድማ የተባብዖም። ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ እተገልጸ ነጥብታት ብምሉኡ ኽትሽፍኖ ኣይትፈትን። ልብኻ ዝተንከፈካ ነጥቢ እንተሎ: ነዚ ኣብቲ እትህቦ ሓሳባት ብምጥቃስ ነቲ ምይይጥ ህያው ግበሮ።—1 ጴጥ. 4:10
4 ኣብታ ጕጅለ ናይ ምንባብ ሓላፍነት እንተደኣ ሃልዩካ: ሓላፍነትካ ብትግሃት ፈጽም። ጽቡቕ ጌርካ ምንባብካ እቲ መጽናዕቲ ጠቓሚ ንክኸውን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:13
5 ብጕጅለ ዝግበር ምስክርነት:- ኣብ ሓያሎ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበረሉ መአከቢታት ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ይግበር ኢዩ። እቲ ተዓዛቢ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት መራሒ ዀይኑ ኣብ ዝሳተፈሉ እዋን ነዚ ምድላው እዚ እትገብሮ ደገፍ ይጠቕሞ ኢዩ። እዚ ምድላዋት እዚ ምስ ኣሕዋትካ ንምቅርራብን ንኸተተባብዖምን ዘኽእለካ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ርኣዮ።
6 ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት:- መወዳእታ ወርሒ ምስ ኣኸለ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብካ ብቕልጡፍ ምሃብ: ሓደ ኻብቲ ነቲ ተዓዛቢ ደገፍካ እትህበሉ መገዲ ኢዩ። ጸብጻብካ ብቐጥታ ንዕኡ ኽትህቦ ወይ ኣብቲ ንጸብጻብ መውሃቢ ተባሂሉ እተዳለወ ሳጹን ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ጸሓፊ እውን ነቶም ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ዝኣከብዎ ጸብጻባት ኣብቲ ሳጹን ከእትዉሉ ኽሕብሮም ይኽእል ኢዩ።
7 ምስ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ምትሕብባርካ ከኽብረካ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ የሆዋ ‘ምስ መንፈስካ ኸም ዝኸውን’ ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ፊል. 4:23