ካብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
1. እንታይ ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ዚርከብ ዝነበረ ረብሓታት እዩ ሕጂ እውን ካብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺርከብ ዚከኣል፧
1 ንገሊኡ መዳያት ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ትናፍቖዶ፧ እተን ጕጅለታት ንኣሽቱ እየን ነይረን፡ እቲ ሃዋህው ከኣ ፍዅስ ዝበለ እዩ ነይሩ። (ምሳ. 18:24) ሓላው ትምህርቲ መጽሓፍ ንውልቃዊ ዅነታትና ይፈልጦ፡ ብሕታዊ ምትብባዕ ኪህበና ድማ ይኽእል ነበረ። (ምሳ. 27:23፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) እዚ ረብሓታት እዚ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ብጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣቢሉ ይርከብ እዩ።
2. ኣብታ እተመደብናላ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ነቲ ምንጪ መንፈሳዊ ምትብባዕ ዝዀነ ምሕዝነት ንኸነማዕብል ብኸመይ ተበግሶ ኽንወስድ ንኽእል፧
2 ተበግሶ ውሰድ፦ መጠን ኣገልግሎት ወፍሪ ጕጅለታት ምስ መጠን ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኪነጻጸር ከሎ፡ ዳርጋ ማዕረ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ምስ ካልኦት ሓቢርና ምስ እንዓዪ፡ ዕርክነትና ኺድልድል ይኽእል እዩ። (ፊል. 1:27) ምስ ክንደይ ኣባላት ጕጅለኻ ኣገልጊልካ ኣለኻ፧ በዚ መዳይ እዚ ‘ልብኻ ኸተግፍሕ’ ምኸኣልካዶ፧ (2 ቈረ. 6:13) ብተወሳኺ፡ ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ኣባል ጕጅለና ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ኪመጽእ ወይ ከኣ ምሳሕ ወይ ድራር ክንዕድሞ ንኽእል ኢና። ኣብ ገሊኡ ጉባኤታት፡ ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ንበጻሒ ተዛራባይ በብተራ እንግዶት ይገብራ እየን። እቲ ተዛራባይ ናብቲ እንግዶት ኪኸይድ እኳ እንተ ዘይጠዓሞ፡ ኣባላት እታ ጕጅለ ግና ኣብታ እተመደበትሎም ሰሙን ብሓንሳእ እናተመስሑ ንሓድሕዶም ይተባብዑ እዮም።
3. ኣብታ እተመደብናላ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ክንጥቀመሉ እንኽእል እንታይ ኣጋጣሚታት ጕስነት እዩ ዘሎ፧
3 እታ ጉባኤ እትእከበሉ መዓልቲ እኳ እንተ ነከየ፡ እቲ ንኣስፋሕቲ ጕስነት ዚግበረሉ ኣጋጣሚ ግና ይንኪ እዩ ማለት ኣይኰነን። ሓለውቲ ንኣስፋሕቲ በብውልቂ ምእንቲ ኼተባብዕዎምን ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኼሰልጥንዎምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ይምደቡ እዮም። ሓላው ጕጅለኻ ዛጊት ኣብ ኣገልግሎት ምሳኻ እንተ ዘየገልጊሉ፡ ብሓደ ኸተገልግሉ ንምንታይ ዘይትሓቶ፧ ብዘይካዚ፡ ሓላው ኣገልግሎት ኣብ ወርሒ ሓንሳእ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ምስ ሓንቲ ጕጅለ ብምግልጋል፡ ንዅለን ጕጅለታት በብተራ ይበጽሐን እዩ። ኣብተን ሒደት ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍሪ ዘለወን ንኣሽቱ ጉባኤታት፡ ሓደ ሓላው ኣገልግሎት ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ንኺበጽሓ መደብ ኬውጽእ ይኽእል እዩ። ሓላው ኣገልግሎት ንጕጅለኹም ኪበጽሓ ኸሎ ኣገልግሎት ንኽትውጽእ መደብካ ተተዓራሪ ዲኻ፧
4. (ሀ) ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ እዩ ዚውደብ፧ (ለ) ኣብ ቤትና ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኺግበር ክንሓስበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ንበይና ምእካባ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዚካየድ እተፈላለየ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ዚህሉ፡ ኣስፋሕቲ ናብቲ ኣኼባታት፡ ምናልባት እውን ናብቲ ኽልታት ንኺጐዓዙ ኪቐሎም ይኽእል እዩ። ብቕልጡፍ ይውደቡ፡ ከይተደናጐዩ ናብ ክሊ ኪኸዱ ድማ ይኽእሉ። ብዘይካዚ፡ ሓላው ጕጅለ ነቶም ኣብ ጕጅለኡ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብቐሊሉ ቘላሕታ ኺገብረሎም ይኽእል። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ክልተ ወይ ዝያዳ ጕጅለታት ብሓደ ኺእከባ ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ወርሒ ኣብታ ናይ መጀመርታ ቐዳም ወይ ከኣ ደድሕሪ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምልእቲ ጉባኤ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ትገብር እንተ ዀይና፡ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ምስ ሓላው ጕጅለኣ ብሓንሳእ ኮፍ ምስ እትብል ጠቓሚ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ሓላው ጕጅለ ኣብቲ ዘለዎ ሒደት ደቓይቕ ቅድሚ ጸሎት ቀልጢፉ ንጕጅለኡ ንኺውድብ ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ።—“ቤትካ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኺግበረሉ ፍቓደኛ ዲኻ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
5. መደብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ እኳ እንተ ኣቋረጸ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧
5 መደብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ እኳ እንተ ኣቋረጸ፡ የሆዋ ፍቓዱ ንኽንገብር ዜኽእለና ሰናይ ዘበለ ወትሩ ይህበና እዩ። (እብ. 13:20, 21) ንሱ ስለ ዚሓልየልና፡ ዚጐድለና የብልናን። (መዝ. 23:1) በታ እተመደብናላ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣቢልና ሓያሎ በረኸታት ንረክብ ኢና። ተበግሶ ወሲድና ‘ብበረኸት እንተ ዘሪእና፡’ ‘ብበረኸት ክንዓጽድ ኢና።’—2 ቈረ. 9:6።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ቤትካ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኺግበረሉ ፍቓደኛ ዲኻ፧
ኣብ ገሊአን ጉባኤታት ሕጽረት መአከቢ ስለ ዘሎ፡ ጕጅለታት ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሓንሳእ እየን ዚእከባ። ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ክፍሊ መሰናድዎ ጉባኤ ስለ ዝዀነ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ ቤትና ኺግበር ምኽኣሉ ብሓቂ ፍሉይ መሰል እዩ። እሞኸ፡ ኣብ ቤትካ ኣኼባ ንኺግበር ፍቓደኛ ዲኻ፧ ቤትካ ንእሽቶ ብምዃና ኣይትሰከፍ። ሽማግለታት ልክዕ ከምቲ ንኣኼባታት ትምህርቲ መጽሓፍ ዚኸውን መአከቢ ኺመርጹ ኸለዉ ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ሕጂ እውን ንኸባቢኻን ንኻልእ ረቛሒታትን ኣብ ግምት ብምእታው ኪሓስቡሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቤትካ ኣኼባ ንኺግበር ፍቓደኛ እንተ ዄንካ፡ ንሓላው ጉጅለኻ ንገሮ።