መሰናድዎ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ብኸመይ ይሕግዘና፧
1. ሓሙሽቲኡ ሰሙናዊ ኣኼባታት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
1 ሓሙሽቲኡ ሰሙናዊ ኣኼባታትና እተፈላለየ ኣቀራርባን ዕላማን እዩ ዘለዎ። ኵሉ ግን ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ኸነስተብህል’ እዩ ዚሕግዘና። (እብ. 10:24, 25) ገለ ኻብቲ ፍሉይን ጠቓምን መዳያት መሰናድዎ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ እንታይ እዩ፧
2. ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ብሒደት ኴንካ ምእካብ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧
2 ብመንፈስ ንኽንዓቢ ይሕግዘና:- ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ ቝጽሪ ተኣከብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ካብቲ ኻልእ ኣኼባታት ጉባኤ ኣጸቢቑ ዝወሓደ እዩ። እዚ ብመንፈስ ኪሕግዘና ዚኽእል ዕርክነት ንኸነማዕብል ዝቐለለ ይገብሮ። (ምሳ. 18:24) ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ንስኻ ዘለኻያ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ዚርከቡ ክርስትያናት: ምናልባት ምሳኻ ኣገልግሎት ኪኸዱ ብምሕታት: ክትፈልጦም ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ መሰናድዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ: ነቲ ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ንዅነታት ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ዚርከቡ ዘበሉ ኺፈልጥን ዜድልዮም ብሕታዊ ምትብባዕ ኺህብን እውን የኽእሎ እዩ።—ምሳ. 27:23
3. መሰናድዎ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ: ሓደስቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ንኺህቡን ናብ ኣኼባታት ንኺመጹን ዜተባብዕ ብኸመይ እዩ፧
3 ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም ሰባት ምሳኻ ኣብ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ኪካፈሉ ዓዲምካዮምዶ ትፈልጥ፧ እቶም ኣብቲ ዝዓበየ ኣኼባታትና ምእካብ ዜሰክፎም ተገደስቲ ሰባት: ኣብቲ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ዚግበር ንእስ ዝበለ ኣኼባ ኺካፈሉ ፍዅስ ይብሎም ይኸውን። እቲ ምዉቕ ሃዋህው ንንኣሽቱን ንሓደስቲ ሰባትን ሓሳባት ንኺህቡ ዝቐለለ እዩ ዚገብሮ። እቲ ጕጅለ ውሑዳት ሰባት ዘለውዎ ስለ ዝዀነ: ኣብቲ ኣኼባ ንኽንካፈልን ንየሆዋ ንኽንውድሶን ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና።—መዝ. 111:1
4. መሰናድዎ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ምሹእ ዝዀነ በየናይ መገድታት እዩ፧
4 ጉባኤታት መጽናዕቲ መጽሓፍ: ኣብ ውሽጢ እቲ ኽሊ ኣብ ዚርከብ ምሹእ ቦታታት እዩ ዚግበር። ንዅሎም ነናብ ዚቐርቦም ቦታ ምምዳቦም ዚከኣል እኳ እንተ ዘይኰነ: እቲ ናብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ንምክፋል እንኸዶ መገዲ ኻብቲ ናብ ካልእ ኣኼባታትና ንምእካብ እንኸዶ ዝሓጸረ እዩ። እቲ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ዚግበረሉ ቦታ ኸም ምሹእ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚግበረሉ ቦታ ዀይኑ እውን ኬገልግል ይኽእል እዩ።
5. ኣብ ኣገልግሎት ካብ ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ብኸመይ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል፧
5 ኣብ ኣገልግሎት ይሕግዝና:- ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስሩዕ: ትርጕም ዘለዎ: ኸምኡውን ባህ ዜብል ተሳትፎ ንኺህልዎ ኪሕግዝ እዩ ዚደሊ። ስለዚ: ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ዚርከብ ኣባል ኪዓይን ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ሓገዝ ኪህብን ይጽዕር። ከም ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝኣመሰለ ገለ መዳይ ኣገልግሎት ከቢድ ኰይኑ እንተ ደኣ ረኺብካዮ: ንሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ንገሮ። ምስ ሓደ ኣብታ ዘለኻያ ጕጅለ ዚርከብ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ኽትዓዪ ኺምድበካ ይኽእል እዩ። ነቲ እቲ ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ኪመርሕ ከሎ ዚጥቀመሉ ጽቡቕ ሜላታት ኣመሃህራ ተጠንቂቕካ ብምዕዛብ: ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ኽእለት ኣመሃህራ ኪመሓየሽ እዩ።—1 ቈረ. 4:17
6. ካብ መሰናድዎ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ምሉእ ብምሉእ ንኽንጥቀም ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
6 ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ: ከመይ ዝበለ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዀን እዩ! እዚ የሆዋ ዝሃበና ፍቕራዊ መሰናድዎ እዚ: ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ሽግር ዝበዝሖ ግዜ ድልዱል መንፈሳዊ መርገጽ ንኺህልወና ይሕግዝና።—መዝ. 26:12