ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ብሕታዊ ተገዳስነት ዘርእዩሉ መገድታት
1 ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ “ንመንፈሳዊ ዕቤት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ብሕታዊ ቘላሕታ ንምሃብ ዘኽእል” ክኸውን ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። “ኣብዚ ምድላው እዚ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕራዊ ሕያውነትን ሓልዮትን ኢና እንርኢ።” (om ገጽ 75 እንግሊዝኛ፣ ኢሳ. 40:11) ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ቘላሕታ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ።
2 ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ:- ጕጅለታት ትምህርቲ መጽሓፍ: ኰነ ኢልካ ሒደት ኣባላት ከም ዝህልዉወን ስለ ዝግበር: እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ንኣባላት እታ ጕጅለ ኣጸቢቑ ኽፈልጦም ይኽእል ኢዩ። (ምሳ. 27:23) መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰሰሙን ቅድሚ እቲ ኣኼባን ድሕሪኡን ምስ ኣሕዋት ንምዕላል ኣጋጣሚ ይረክብ ኢዩ። ስለዚ: ኣብ ሓደ ወርሒ ዳርጋ ምስ ኵሎም ኣባላት እታ ጕጅለ ንምዝርራብ ኣጋጣሚ ኽረክብ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣባላት እታ ትምህርቲ መጽሓፍ ፈተናታት ከጋጥሞም ከሎን ምትብባዕ ክደልዩ ኸለዉን ንኽቐርብዎ ከም ዝፈዅሶም ይገብር።—ኢሳ. 32:2
3 እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ንዅሎም ኣባላት እታ ጕጅለ ተሳትፎ ኽገብሩ ኸተባብዖም ይጽዕር ኢዩ። ከምዚ ዝገብረሉ ሓደ መዳይ ከኣ ነቲ መጽናዕቲ ሕያውነትን ርሕራሐን ብዘንጸባርቕ መገዲ ምምራሕ ኢዩ። (1 ተሰ. 2:7, 8) ንዅሎም ተኣከብቲ እንተላይ ቈልዑ ኣብቲ ምይይጥ ንኽካፈሉ ጻዕሪ ይገብር። ገሊኣቶም ሓሳብ ንምሃብ ዝሓፍሩ እንተደኣ ዀይኖም: ጥቕሲ ንኸንብቡ ወይ ኣብ ሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ ሓሳባት ንኽህቡ ኣቐዲሙ ብምድላው ብውልቁ ይሕግዞም። ወይ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ከመይ ገይሮም ሓሳባት ከም ዝህቡ የርእዮም።
4 እቲ ንናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ዝሕግዞ ሓው: ኣገልጋሊ ጉባኤ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ ተዓዛቢ ኣብ ከክልተ ወርሒ ሓንሳእ ከም ዝመርሕ ይገብሮ። እዚ ኸኣ እቲ ተዓዛቢ ነቲ ሓጋዚኡ ንኽዕዘቦን ጠቓሚ ሓሳባት ንኽህቦን ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ። እዝስ ኣሕዋት ናይ ምምሃር ክእለቶም ንኸመሓይሹ ዝሕግዝ ከመይ ዝበለ ሰናይ ምድላው ኰን ኢዩ!—ቲቶ. 1:9
5 ኣብ ግራት ኣገልግሎት:- ሓደ ኻብቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ዘለዎ ቐንዲ ሓላፍነታት ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት መሪሕነት ምውሳድ ኢዩ። (ዘሁ. 27:16, 17) ብጕጅለ ዄንካ ንምምስካርን ኵሎም ኣባላት እታ ጕጅለ ብኣገልግሎት ንኽሕጐሱን ዝሕግዝ ምድላዋት ይገብር። (ኤፌ. 4:11, 12) ነዚ ንምፍጻም ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጕጅለ ኣብ ኣገልግሎት ንምዕያይ መደብ የውጽእ። ምስ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብምትሕብባር ከኣ ነቶም ኣብ ገሊኡ መዳይ ኣገልግሎት ምምሕያሽ ክገብሩ ዝደልዩ: ካብ ካልኦት ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ሓገዝ ንኽረኽቡ ምድላዋት ይገብር።
6 ከም ፈቃር ጓሳ:- ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ነቶም ብሰንኪ ዅነታቶም ኣብ ዕዮ ሰብከት ብዙሕ ተሳትፎ ኽገብሩ ዘይክእሉ እውን ይግደሰሎም ኢዩ። እቶም ብሰንኪ እርጋን ወይ ብእግሮም ክኸዱ ዘይክእሉ ብምዃኖም ዓቕሞም ኣዝዩ ድሩት ዝዀነ ከምኡውን ነቶም ብኸቢድ ሕማም ወይ ጕድኣት ንእተወሰነ እዋን ዓቕሞም ዝድረት ኣስፋሕቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወርሒ ሓደ ሰዓት ምሉእ ኸገልግሉ ዘይክእሉ እንተደኣ ዀይኖም 15: 30: ወይ 45 ደቒቕ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ይሕብሮም። (ነዚ ምድላው እዚ መን ብቑዕ ምዃኑ ዝውስን ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኢዩ።) ነቶም ኣብታ ጕጅለ እተመደቡ ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ እውን ንጡፋት ምእንቲ ክዀኑ ኽሕግዞም ጻዕሪ ይገብር።—ሉቃ. 15:4-7
7 ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ዘርእዩና ፍቕራዊ ሓልዮት ኣዚና ኢና እነማስወሉ! እቲ ዝገብሩልና ብሕታዊ ተገዳስነት ‘ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት: ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ንኽንበጽሕ’ ይሕግዘና ኢዩ።—ኤፌ. 4:13