ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/03 ገጽ 1
  • ብጕጅለ ምምስካር ሓጐስ የምጽእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብጕጅለ ምምስካር ሓጐስ የምጽእ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ዕላማኡ ዚወቅዕ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 7/03 ገጽ 1

ብጕጅለ ምምስካር ሓጐስ የምጽእ

1 የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኽሰብኩ ኽልእኮም ከሎ: እንታይ ክብሉ ኸም ዘለዎም መምርሒ ሃቦም: በብኽልተ ገይሩ ሰርዖም: እቲ ኽሽፍንዎ ዘለዎም ዞባ ድማ ነገሮም። እዚ ነቲ ዝረኸብዎ ሓጐስ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። (ሉቃ. 10:1-17) ኣብዚ ግዜናውን ብተመሳሳሊ ብጕጅለ ምምስካር ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ስብከቶም የዕጥቖም: ተወዲቦም ንክኸዱ የኽእሎም: ከምኡውን የተባብዖም።

2 ሽማግለታት መሪሕነት ይወስዱ:- ኵሎም ኣስፋሕቲ ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽሰብኩ ሽማግለታት ዓብዪ ግደ የበርክቱ እዮም። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣብ መንጎ ሰሙን ምድላዋት ንምግባር መሪሕነት ይወስድ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ብፍላይ ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ንናይ ጕጅለኡ ንጥፈታት ናይ ምውዳብ ሓላፍነት ኣለዎ። ብምልእታ እታ ጉባኤ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ እትገብረሉ እዋን: ንኣብነት: ድሕሪ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኽግበር ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ነንጕጅለኡ ነገልግሎት ዘድሊ ምድላው ክገብር ኣለዎ።

3 “ብስርዓትን በጋባብን”:- እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኽመርሕ ዝምደብ ሰብ ኣብ ግዜኡ ኽጅምር ኣለዎ: እቲ ኣኼባ እውን ካብ 10 ወይ 15 ደቒቕ ክነውሕ የብሉን። ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ እቶም ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ዝገበርዎ ምድላዋት እንተ ዘየልዩ: እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ዝመርሕ ቅድሚ ብጸሎት ምድምዳሙ ነቶም ኣስፋሕቲ ምስ ዘቋርኖምን ዞባ ምስ ዝህቦምን ዝሓሸ እዩ። እዚ ድማ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዘገልግሉሉ ዞባ ኸይዶም ንኸይእከቡ ኣበርክቶ ስለ ዝገብር: ንኽብሪ ኣገልግሎትና ዘሕስር ነገር ኣይንገብርን። ምስቲ ጳውሎስ “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኸኣ ዝሰማማዕ እዩ። (1 ቈረ. 14:40) ኵሎም እቶም ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ዝእከቡ ሰዓቶም ብምኽባር: ምስቲ ዝመርሕ ሓው ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባር: ከምኡውን እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ብኡንብኡ ናብ ዞባኦም ብምኻድ ነዚ ምድላው እዚ ዕዉት ንክኸውን ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ እዮም።

4 ሓድነት የቀራርበና:- ብጕጅለ ንምስባኽ ዝግበር ምድላዋት ኣብ ጉባኤና ንዝርከቡ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ንኽንፈልጦም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ምስ ሓደ ሰብ ንኸተገልግል ቈጸራ ሒዝካ ምምጻእ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ: ምስ ዋላ ሓደ ኣቐዲምና ኸይተቛረንና ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ምክፋል እውን ጽቡቕ ዓስቢ ኣለዎ። ምስ ሓደ ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦ ሰብ ከነገልግል ክንምደብ ንኽእል ኢና: እዚ ኸኣ ፍቕርና ‘ንኸነግፍሕ’ የኽእለና።​—⁠2 ቈረ. 6:11-13

5 ብጕጅለ ምምስካር የተባብዓና: “ነታ ሓቂ መዓይይታ” ኸም ምዃንና መጠን ድማ የቀራርበና። (3 ዮሃ. 8) እምበኣር ኣብዚ መዳይ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንሳተፍ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ