ብጕጅለ ምምስካር ሓጐስ የምጽእ
1 የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኽሰብኩ ኽልእኮም ከሎ: እንታይ ክብሉ ኸም ዘለዎም መምርሒ ሃቦም: በብኽልተ ገይሩ ሰርዖም: እቲ ኽሽፍንዎ ዘለዎም ዞባ ድማ ነገሮም። እዚ ነቲ ዝረኸብዎ ሓጐስ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። (ሉቃ. 10:1-17) ኣብዚ ግዜናውን ብተመሳሳሊ ብጕጅለ ምምስካር ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ስብከቶም የዕጥቖም: ተወዲቦም ንክኸዱ የኽእሎም: ከምኡውን የተባብዖም።
2 ሽማግለታት መሪሕነት ይወስዱ:- ኵሎም ኣስፋሕቲ ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽሰብኩ ሽማግለታት ዓብዪ ግደ የበርክቱ እዮም። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣብ መንጎ ሰሙን ምድላዋት ንምግባር መሪሕነት ይወስድ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ብፍላይ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ንናይ ጕጅለኡ ንጥፈታት ናይ ምውዳብ ሓላፍነት ኣለዎ። ብምልእታ እታ ጉባኤ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ እትገብረሉ እዋን: ንኣብነት: ድሕሪ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኽግበር ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ነንጕጅለኡ ነገልግሎት ዘድሊ ምድላው ክገብር ኣለዎ።
3 “ብስርዓትን በጋባብን”:- እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኽመርሕ ዝምደብ ሰብ ኣብ ግዜኡ ኽጅምር ኣለዎ: እቲ ኣኼባ እውን ካብ 10 ወይ 15 ደቒቕ ክነውሕ የብሉን። ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ እቶም ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ዝገበርዎ ምድላዋት እንተ ዘየልዩ: እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ዝመርሕ ቅድሚ ብጸሎት ምድምዳሙ ነቶም ኣስፋሕቲ ምስ ዘቋርኖምን ዞባ ምስ ዝህቦምን ዝሓሸ እዩ። እዚ ድማ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዘገልግሉሉ ዞባ ኸይዶም ንኸይእከቡ ኣበርክቶ ስለ ዝገብር: ንኽብሪ ኣገልግሎትና ዘሕስር ነገር ኣይንገብርን። ምስቲ ጳውሎስ “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኸኣ ዝሰማማዕ እዩ። (1 ቈረ. 14:40) ኵሎም እቶም ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ዝእከቡ ሰዓቶም ብምኽባር: ምስቲ ዝመርሕ ሓው ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባር: ከምኡውን እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ብኡንብኡ ናብ ዞባኦም ብምኻድ ነዚ ምድላው እዚ ዕዉት ንክኸውን ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ እዮም።
4 ሓድነት የቀራርበና:- ብጕጅለ ንምስባኽ ዝግበር ምድላዋት ኣብ ጉባኤና ንዝርከቡ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ንኽንፈልጦም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ምስ ሓደ ሰብ ንኸተገልግል ቈጸራ ሒዝካ ምምጻእ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ: ምስ ዋላ ሓደ ኣቐዲምና ኸይተቛረንና ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ምክፋል እውን ጽቡቕ ዓስቢ ኣለዎ። ምስ ሓደ ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦ ሰብ ከነገልግል ክንምደብ ንኽእል ኢና: እዚ ኸኣ ፍቕርና ‘ንኸነግፍሕ’ የኽእለና።—2 ቈረ. 6:11-13
5 ብጕጅለ ምምስካር የተባብዓና: “ነታ ሓቂ መዓይይታ” ኸም ምዃንና መጠን ድማ የቀራርበና። (3 ዮሃ. 8) እምበኣር ኣብዚ መዳይ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንሳተፍ!