ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 29 ጥቅምቲ 2012 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
1. እቲ ህዝቅኤል ኣብቲ ራእይ ዝረኣዮ መሰውኢ ንምንታይ የመልክት፧ (ህዝ. 43:13-20) [10 መስ.፡ w07 1/8 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 4]
2. እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ርባ ንምንታይ የመልክት፧ (ህዝ. 47:1-5) [17 መስ.፡ w07 1/8 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 1]
3. እተን “ብልቡ ሐለነ” ዚብላ ቓላት፡ ብዛዕባ እቲ ዳንኤል ኣብ እዋን ቍልዕነቱ ዝረኸቦ መንፈሳዊ ትምህርቲ እንታይ ይገልጻ፧ (ዳን. 1:8) [24 መስ.፡ dp ገጽ 33-34 ሕ.ጽ. 7-9፣ ገጽ 37 ሕ.ጽ. 16]
4. እታ ኣብ ሕልሚ ነቡካድነጻር እተራእየት ዓባይ ኦም ንምንታይ ተመልክት፧ (ዳን. 4:10, 11, 20-22) [1 ጥቅ.፡ w07 1/9 ገጽ 18 ሕ.ጽ. 5]
5. ዳንኤል 9:17-19 ንጸሎት ዚምልከት፡ እንታይ እያ እትምህረና፧ [8 ጥቅ.፡ w07 1/9 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 5-6]
6. ክሳዕ መወዳእታ እታ መበል ሰብዓ ናይ ዓመታት ሰሙን፡ ወይ ክሳዕ 36 ድ.ክ. እንታይ ‘ምስ ብዙሓት እተኣትወ ኪዳን እዩ ጸኒዑ’ ዝቐጸለ፧ (ዳን. 9:27) [8 ጥቅ.፡ w07 1/9 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 4]
7. ካብቲ እቲ መልኣኽ ንዳንኤል “እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ” ተቓወመኒ ብምባል ዝሃቦ ሓሳብ፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ (ዳን. 10:13) [15 ጥቅ.፡ w11 1/9 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 2-3]
8. ምስ ዳንኤል 11:20 ብእተተሓሓዘ ንመሲሕ ዚምልከት ኣየናይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ፍጻሜኡ ረኺቡ፧ [15 ጥቅ.፡ dp ገጽ 232-233 ሕ.ጽ. 5-6]
9. ብመሰረት ሆሴእ 4:11፡ ሓደ ኻብቲ ኣልኮላዊ መስተ ብምብዛሕ ዚስዕብ ሓደጋታት እንታይ እዩ፧ [22 ጥቅ.፡ w10 1/1 ገጽ 4-5]
10. ካብ ሆሴእ 6:6 እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና ኽንመሃር ዘሎና፧ [22 ጥቅ.፡ w07 15/9 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 8፣ w05 15/11 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 11-12]