መደብ 29 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
29 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 13ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 12 ¶1-8፡ ኣብ ገጽ 96 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሆሴእ 8-14 (10 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ፦ “ካብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧” ሕቶታትን መልስታትን። ነታ ኣብ ገጽ 6 ዘላ ሳጹን ክትመያየጡላ ኸለኹም፡ ንሓደ ኣብ ቤቱ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺግበር ዝፈቐደ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ። ኣብ ቤቱ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ዚግበረሉ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብኸመይ ይዳሎ፧ እዚ ኣኼባታት እዚ ኣብ ቤቱ ንኺግበር ዝረኸቦ ፍሉይ መሰል ኣኽቢሩ ዚርእዮ ስለምንታይ እዩ፧
15 ደቒቕ፦ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ዚሕግዝ ሓሙሽተ መገድታት።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 6 ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ነቶም ዕቤት ዚገብር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ሓጐስ ኪገልጹ ዓድሞም።
መዝሙር 31ን ጸሎትን