መዝሙር 14
ኵሉ ይሕደስ
1. ኣምላኽ ግዝኣቱ ኣብ ሰማይ ጀሚሩ፡
ወዱ ነጊሱ ብዓብዪ ኽብሩ፣
ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ውግእ ተዓዊቱ፡
ምድሪ ትጽበ’ላ በረኸቱ።
(ኣዝማች)
ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ ’ኸውን፡
ኰይኑ ምስኦም ንሱ እውን።
ቃንዛ፡ ብኽያት ፈጺሙ የለን፡
ጓሂ ኸምኡውን ሞት ኣይህሉን፣
ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡
እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።
2. መርዓት ’ቲ ገንሸል ሓዳስ የሩሳሌም፡
ከተንጸባርቕ ይርኣዩ ዅሎም፣
ተሰሊማ’ያ ብኽቡር ኣእማን፡
የሆዋ ጥራይ’ዩ ናታ ብርሃን።
(ኣዝማች)
ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ ’ኸውን፡
ኰይኑ ምስኦም ንሱ እውን።
ቃንዛ፡ ብኽያት ፈጺሙ የለን፡
ጓሂ ኸምኡውን ሞት ኣይህሉን፣
ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡
እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።
3. እዛ ኸተማ ተምጽእ’ያ ባህታ፡
ኵሉ ሳዕ ክፉት’ዩ ደጌታታ፣
ኵሉ ይመላለስ ብብርሃና፡
ባሮት ኣምላኽ ጹሩ ናታ ፋና።
(ኣዝማች)
ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ ’ኸውን፡
ኰይኑ ምስኦም ንሱ እውን።
ቃንዛ፡ ብኽያት ፈጺሙ የለን፡
ጓሂ ኸምኡውን ሞት ኣይህሉን፣
ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡
እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።
(ማቴ. 16:3፣ ራእ. 12:7-9፣ 21:23-25 እውን ርአ።)