ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 146
  • “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኵሉ ይሕደስ
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • የሆዋ እዩ ንጉስና!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • የሆዋ እዩ ንጉስና!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ንኣምላኽ ውፉያት ኢና
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 146

መዝሙር 146

“ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(ራእይ 21:1-5)

  1. 1. ኣምላኽ ግዝኣቱ ኣብ ሰማይ ጀሚሩ፣

    ወዱ ነጊሱ ብዓብዪ ኽብሩ።

    ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ውግእ ተዓዊቱ፣

    ምድሪ ትጽበ’ላ በረኸቱ።

    (ኣዝማች)

    ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ’ዩ፣

    ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪኸውን’ዩ።

    ስቓይ፡ ኣውያት ፈጺሙ ኣይህሉን፣

    ደጊም ሓዘን፡ ሞት ኣይኪኸውንን፣

    ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡

    እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።

  2. 2. መርዓት ’ቲ ገንሸል ሓዳስ የሩሳሌም፡

    ከተንጸባርቕ ይርኣዩ ዅሎም፣

    ተሰሊማ’ያ ብኽቡር ኣእማን፡

    የሆዋ ጥራይ’ዩ ናታ ብርሃን።

    (ኣዝማች)

    ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ’ዩ፣

    ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪኸውን’ዩ።

    ስቓይ፡ ኣውያት ፈጺሙ ኣይህሉን፣

    ደጊም ሓዘን፡ ሞት ኣይኪኸውንን፣

    ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡

    እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።

  3. 3. እዛ ኸተማ ተምጽእ’ያ ባህታ፡

    ወትሩ ኽፉት’ዩ ኣፍ ደገታታ፣

    ኵሉ ይመላለስ ብብርሃና፡

    ባሮት ኣምላኽ ጹሩ ናታ ፋና።

    (ኣዝማች)

    ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ’ዩ፣

    ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪኸውን’ዩ።

    ስቓይ፡ ኣውያት ፈጺሙ ኣይህሉን፣

    ደጊም ሓዘን፡ ሞት ኣይኪኸውንን፣

    ኣምላኽ ‘ኵሉ ኸሐድስ’የ’ ኢሉ፡

    እዚ ሓቂ’ዩ እሙን።

(ማቴ. 16:3፣ ራእ. 12:7-9፣ 21:23-25 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ