መንእሰያት ዚሓትትዎ—ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
የሆዋ ንደቂ ሰብ ንሓድሕዶም ከም ዚደላለዩን ከም ዚተዓራረኹን ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። (ምሳ. 17:17፣ 18:1, 24) ከምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት ንዅላትና ምእንቲ ኺጠቕመና፡ ኣዕሩኽና ብጥበብ ክንመርጽ ኣሎና። (ምሳ. 13:20) ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ (መንእሰያት ዚሓትትዎ—ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧) ዘርእስታ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣይካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧
መእተዊ፦
(1) ናይ ሓቂ ዓርኪ ዚብሃል ከመይ ዝበለ እዩ፧
ኣብ ዕርክነት ዜጋጥም መሰናኽላት፦
(2) እተጠለና ዀይኑ ምስ ዚስምዓና ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ (ፊል. 2:4) (3) ባህርያትና ንኸነመሓይሽ ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነዚ ንምግባርከ መን ኪሕግዘና ይኽእል፧ (2 ቈረ. 13:11) (4) ዝያዳ ኣዕሩኽ ንኸነጥሪ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧—2 ቈረ. 6:13።
ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምግባር፦
(5) ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዚ ምግባርና እንታይ ጻማ እዩ ዘለዎ፧ (መዝ. 34:8) (6) ንየሆዋ ቐንዲ ዓርክና እንተ ጌርናዮ፡ ምስ ሰባት ከመይ ዝበለ ጠቓሚ ዕርክነት እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧
ሕማቕ ዕርክነት፦
(7) ሕማቓት ኣዕሩኽ እንታዎት እዮም፧ (1 ቈረ. 15:33) (8) ሕማቓት ኣዕሩኽ ናብ መንፈሳዊ ውድቀት ኪመርሑና ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ዘመናዊ ድራማ፦
(9) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ዲና ዚገልጽ ጸብጻብ፡ እንታይ ይምህረና፧ (ዘፍ. 34:1, 2, 7, 19) (10) ታራ ነቲ ምስ ዓለማውያን መንእሰያት ዝገበረቶ ምሕዝነት ዘመኻነየትሉ ብኸመይ እያ፧ (11) እቶም ታራ ኣብ ቤት ትምህርቲ እተዓራረኸቶም ሰባት ናብ ከመይ ዝበለ ሓደጋ እዮም ኣቃሊዖምዋ፧ (12) ወለዲ ታራ ጓሎም ኣብ ሓደጋ ኸም ዘላ ዘየስተውዓሉ ስለምንታይ እዮም፧ እንተዀነ ግና እንታይ ዓይነት ባህሪ ብምርኣይ እዮም ብመንፈስ ንኽትጥዒ ዝሓገዝዋ፧ (13) ሓንቲ ፈላሚት ንታራ ናይ ሓቂ መሓዛ ዝዀነታ ብኸመይ እያ፧ (14) ታራ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እያ እተማህረት፧
መደምደምታ፦
(15) ካብዛ ቪድዮ እዚኣ እንታይ ትምህርቲ ወሲድካ፧ (16) ነዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧
ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ዕርክነት፡ ማለት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ንኽንዕቅብ ዚሕግዙና ኣዕሩኽ ንምረጽ!—መዝ. 15:1, 4፣ ኢሳ. 41:8።