ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ) ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ጥሪ ክዕደል ዝነበሮ (ቅድሚ 1984 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጻሕፍቲ) ዝተረፈ። መጋቢት:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ሚያዝያን ግንቦትን:- ንጽል ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት።
◼ እቲ ጸሓፍን ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈት ክምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዘድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዝህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ: ሓሳባት ንምርካብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1993 ከምኡውን ናይ 1 ጥቅምቲ 1992 ካብ ማሕበር እተላእከ ደብዳበታት (S-201) ርኣይዎ። ናይ ነሓሰ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 12-20 እውን ርኣይዎ።
◼ ኣብ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝደልዩ ኣስፋሕቲ ሕጂ መደብ ክገብሩ: ከምኡውን ቀልጢፎም መሕተቲ ቅጥዒ ክመልኡ የድሊ። እዚ ነቶም ሽማግለታት ዘድሊ ናይ ግራት ኣገልግሎት መደባት ክገብሩ: እኹል መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ክቕርቡ ይሕግዞም ኢዩ። ኣስማት ናይቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ እተፈቕደሎም ኵሎም ነታ ጉባኤ ክንገር ኣለዎ።
እንደገና ኣብ መኽዘን ዘሎ:- “ቱ ዘ ኢንድስ ኦቭ ዘ አርዝ ” ከምኡውን “ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን ” ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቪድዮ ካሴታት።