ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/97 ገጽ 7
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ኣብ ጽንኩር እዋን፡ ንኻልኦት ሓግዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣገልግሎት ረድኤት
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 2/97 ገጽ 7

ሕቶ ሳጹን

◼ ንኣሕዋትና ብቐጥታ ዝትንክፎም ባህርያዊ ዕንወት ምስ ዘጋጥም እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ፧

ኣብ ከባቢኻ ባህርያዊ ዕንወት ምስ ዘጋጥም:⁠- ኣይትሰንብድ። ህድእ በል: ኣብቲ ብሓቂ ክቡር ዝዀነ ነገር​—ንብረት ዘይኰነስ ህይወት​—ኣተኵር። ብዛዕባ እቲ ንስድራቤትካ ብቐጥታ ዘድልዮም ስጋዊ ነገራት ሕለ። ድሕርዚ ብዛዕባ ኵነታትካን ዘሎኻዮ ቦታን ንሽማግለታት ኣፍልጦም። እቶም ሽማግለታትን ናይ ጉባኤ ኣገልገልትን ረድኤት ኣብ ምሃብ ኣገዳሲ ተራ ኢዩ ዘለዎም። ባህርያዊ ዕንወት ከም ዘሎ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ምስ ዝወሃብ: ከምቲ ከቢድ ህቦብላ ንፋስ ክመጽእ ከሎ ዝንገር: እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ነፍሲ ወከፍ ሓው ይኹን ሓብቲ ኣብ ዕቝባ ዘለዎ ቦታ ከም ዘለዉ ከረጋግጹ ይግባእ: ግዜ እንተድኣ ኣሎ ድማ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ከምጽኡን ከከፋፍልዎምን ኣለዎም።

ድሕርዚ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኣበይ ከም ዘላ ከረጋግጹን ድሕንነቶም ክሓቱን ኣለዎም። ዋላ ኵሎም ድሓን እንተለዉ እውን: ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኵነታት ነቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ካልእ ሽማግለ ክንገሮ ኣለዎ። ገለ እተጐድአ ሰብ እንተድኣልዩ እቶም ሽማግለታት ሕክምና ከም ዝረክብ ንምግባር ክጽዕሩ ኢዮም። ከም መግቢ: ክዳን: መዕቆቢ: ወይ ኣቑሑ ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ዘድሊ ስጋዊ ነገራት ክህቡ ኢዮም። (ዮሃ. 13:35፣ ገላ. 6:⁠10) እቶም ሽማግለታት ነታ ጉባኤ መንፈሳውን ስምዒታውን ሓገዝ ክህብዋ ኢዮም: ብእተኻእለ መጠን ድማ ቀልጢፎም ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክጅመር ምትዕርራይ ክገብሩ ኢዮም። ግቡእ ዝዀነ ትዕዝብቲ ድሕሪ ምግባር ሓደ ሽማግለ: እንተድኣ ተኻኢሉ ነቶም ኣካል ሽማግለታት ብምውካል ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክረኽቦ ኣለዎ: ብዛዕባ ዘጋጠመ ጕድኣት: ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝወረደ ባህርያዊ ዕንወት: ወይ ድማ ኣብ ናይ ኣሕዋት ኣባይቲ ዝወረደ ጕድኣት ከምኡውን ካልእ ዘድሊ ፍሉይ ነገራት ይነግሮ። ድሕርዚ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ንኽነግር ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይድውል። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክርከብ እንተድኣ ዘይተኻኢሉ: እቶም ሽማግለታት ብቐጥታ ምስ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክራኸቡ ይኽእሉ ኢዮም። ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ድማ ብሰፊሕ ንዝግበር ዝዀነ ይኹን ናይ ረድኤት ስጕምትታት ንምውሳድ ከተወሃህድ ኢያ።

ኣብ ካልእ ቦታ ባህርያዊ ዕንወት ምስ ዘጋጥም:⁠- ነቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ጸሎትካ ዘክሮም። (2 ቈረ. 1:​8-11) ናይ ገንዘብ ደገፍ ክትገብር ምስ እትደሊ ናብቲ ነዚ ዕላማ እዚ እተመደበ ናይ ረድኤት ገንዘብ ናብ ማሕበር ስደዶ። (ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ቍ.ሳ.ጶ. 5522: ኣዲስ ኣበባ)። (ግብ. 2:44, 45፣ 1 ቈረ. 16:1⁠-3፣ 2 ቈረ. 9:⁠5⁠-7፣ ናይ 1 ታሕሳስ 1985 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 20⁠-2 ርአ።) እቶም ዝምልከቶም ኣሕዋት እንተ ዘይሓቲቶም ናብቲ ባህርያዊ ዕንወት ዘጋጠመሉ ቦታ ኣቑሑ ወይ ካልእ ዘድሊ ነገራት ኣይትስደድ። እዚ ስርዓት ዘለዎ ረድኤት ንምሃብን ግቡእ ምክፍፋል ንምግባርን ዘኽእል ኢዩ። (1 ቈረ. 14:40) ካብቲ ባህርያዊ ዕንወት ዘጋጠመሉ ቦታታት ንዝድወል ምቕባል ምእንቲ ኽከኣል: በጃኻ ስቕ ኢልካ ናብ ማሕበር ኣይትደውል።

ግቡእ መጽናዕቲ ምስ ተገብረ: ማሕበር ናይ ረድኤት ኮሚቴ ምቛም ዘድሊ እንተ ዀይኑ ክትውስን ኢያ። ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ክን​ገሩ ኢዮም። ነቶም ኣሕዋት ኣዝዩ ዘድልዮም ነገ​ራት ምእንቲ ክማላእ ኵላቶም ምስቶም መሪሕነት ወሲዶም ዘለዉ ሽማግለታት ክትሓባበሩ ኣለዎም።​—ናይ የሆዋ መሰኻኽር​—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ (እንግሊዝኛ) ገጽ 310⁠-15 ርአ።

◼ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ክወሃብ ከሎ እቶም ካብ ደገ ዝመጹ በጻሕቲ ዝገብርዎ ረብሻ ንምውጋድ እንታይ ተግባራዊ ስጕምትታት ክውሰድ ይክኣል፧

ኣብ ከባቢና መብዛሕትኡ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ኣብቲ መቓብር ዝግበር እኳ እንተዀነ: ካልእ ኣማራጺታት ብርግጽ ኣሎ። ንኣብነት: ናይ ቀብሪ ዝርርብ ኣብ ገዛ: ኣብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ: ወይ እውን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ከም ዝኸውን ብምግባር: ኣብቲ መቓብር ስነ⁠-ስርዓት ቀብሪ ጥራይ ብዘይ ዝርርብ ይካየድ። ኣብቲ መቓብር ዝግበር ዝርርብ ኣቐዲምካ መደብ ክግበረሉ ጽቡቕ ኢዩ። እዚ ብዓቢኡ ኣብቶም ብህይወት ዘለዉ ኣባላት ስድራቤት እተመርኰሰ ኢዩ፣ እቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ነገራት ወይ መምርሒታት ነቶም ክበጽሕዎም ዝመጹ ኣዛማዶምን ዝፈልጥዎም ሰባትን ክነግርዎም ይኽእሉ ኢዮም።

ሓንቲ ክርስትያናዊት ስድራቤት ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:33 ከምኡውን 10:31 ዘሎ ንነገራት እሩምን ስርዓት ብዘለዎን: ንኣምላኽ ድማ ክብሪ ብዘምጽእ መገዲ ክግበር ከም ዘለዎ ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ከም እትስዕቦ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር: እቲ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ዝህብ ሓው ወይ ካልእ ብሱል ሓው ኣብቲ መቓብር ንዝግበር ሓፈሻዊ ነገራት ክዕዘብ ክምደብ ዝክኣል እኳ እንተዀነ: ሓደ ሓው ግን ቀባሮ ዝኣልዩ ሰባት ክምድብ ሓላፍነት ክወሃብ ይከኣል ኢዩ። ከምቲ ናይ ሰብ ብዝሒ ርኢኻ ድማ ተወሰኽቲ ካልኦት ክምደቡ ይከኣል። ዝዀነ ይኹን ካብ ደገ ዝመጸ ሰብ ክርብሽ ምስ ዝጅምር ድማ: እቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ቀሪቡ እቲ ዝሞተን ብህይወት ዘለዉ ኣባላት ስድራቤቱን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ትንሳኤ ዘጐልሕ ክብሪ ዘለዎ ናይ ቀብሪ ስነ⁠-ስርዓት ክህሉ ከም ዝደልዩ ክገልጸሉ ይኽእል ኢዩ። ዘይደሊ እንተድኣ ዀይኑ ግን ካብቲ ቦታ ክኸይድ ከም ዝኽእል ይንገር። ነቲ ናይ ቀብሪ ስነ⁠-ስርዓት ቅድም ገይርካ ድሕርዚ ነቶም ዘጸናንዕ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ክሰምዑ ዝደልዩ ክተርፉ ምዕዳም ድማ ካልእ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዞም ነጥብታት እዚኣቶም እንገብሮ ናይ ቀብሪ ስነ⁠-ስርዓት እውን ከይተረፈ እሩምን ንየሆዋ ኽብሪ ዝህብን ንክኸውን ዝሕግዙ ገለ ኣማራጺታት ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ