ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/07 ገጽ 4
  • ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተዳሊኻ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣብ ጽንኩር እዋን፡ ንኻልኦት ሓግዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 1/07 ገጽ 4

ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧

1. ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ምጽናሕ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

1 ኣብ ዓዓመት: ንብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓዊስካ: ኣብ ብዘላ ዓለም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብድርቂ: ብምንቅጥቃጥ ምድሪ: ብሱናሚ: ብእሳተ ጐመራ: ብእተፈላለየ ዓይነት ህቦብላ ንፋስ: ከምኡውን ብምጥልቕላቕ ማይ ይትንከፉ እዮም። ባህርያዊ ሓደጋ ኸይተጸበኻዮ ዚመጽእን ንዅልና ኺትንክፍ ዚኽእልን ስለ ዝዀነ: ተዳሊኻ ምጽናሕ ጥበባዊ እዩ።—ምሳ. 21:5

2. ኣድራሻናን ቍጽሪ ተሌፎንናን ንሽማግለታት ክንነግሮም ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

2 ቅድሚ ሓደጋ:- ሓድሓደ ግዜ ሰበ-ስልጣን ብዛዕባ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋታት መጠንቀቕታ ኺህቡ ይኽእሉ እዮም። ንኸምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታታት ምቕላብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (ምሳ. 22:3) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: እቶም ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ንዚርከቡ ዅሎም ሰባት ኣድላዪ ምድላዋት ኪገብሩ ንምሕጋዝ ኪረኽብዎም ኪጽዕሩ እዮም። ድሕሪ እቲ ሓደጋ እውን እቶም ሽማግለታት ንዅሎም ምስታ ጉባኤ ዝሓብሩ ደሓን ምህላዎምን እንታይ ሓገዝ ከም ዜድልዮምን ንምፍላጥ ኪረኽብዎም ኪጽዕሩ እዮም። እቶም ሽማግለታት ኣድራሻ እቶም ሰባት ምስ ዘይህልዎም ግን: ክቡር ግዜ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ኣስፋሕቲ ነቲ ጸሓፊ ጉባኤን ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍን: ኣድራሻኦምን ቍጽሪ ተሌፎኖምን ኪህቡዎም ኣገዳሲ እዩ።

3. ንሓደጋ ተኣፋፊ ኣብ ዝዀነ ኸባቢ ንነብር እንተ ደኣ ዄንና: ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 እታ ጉባኤ ንሓደጋ ተኣፋፊ ኣብ ዝዀነ ኸባቢ እትርከብ ምስ እትኸውን: እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣስፋሕቲ ስምን ቍጽሪ ተሌፎንን እቶም ኣብ እዋን ሓደጋ ዚጽውዑ ኻብቲ ኸባቢ ርሕቕ ኢሎም ዚነብሩ ኣዝማዶም ወይ ኣዕሩኽቶም ኪሓቱዎም ይኽእሉ እዮም። እዚ ንሽማግለታት ነቶም ካብቲ ቦታ ሓደጋ ዝገዓዙ ንምርካብ ኪሕግዞም እዩ። እቶም ሽማግለታት እታ ጉባኤ ኣብ ሃንደበታዊ ዅነታት ክትገብሮ ዘለዋ ምድላዋት ዚገልጽ ውጥን እውን ኬውጽኡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐረባ ኺሕዞ ዘለዎ መሳርሒታት ዚገልጽ ዝርዝር: ካብቲ ቦታ ናይ ምግዓዝ መሰናድዎታት: ከምኡውን ነቶም ፍሉይ ጸገማት ዘለዎም ብኸመይ ከም እንሕግዞም ዚገልጽ መደብ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስዚ ፍቕራዊ መሰናድዎታት እዚ ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ።—እብ. 13:17

4. ኣብ ከባቢና ሓደጋ ምስ ዜጋጥም እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

4 ድሕሪ ሓደጋ:- ኣብ ከባቢኻ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧ ስድራቤትካ ብስጋ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ከም ዝረኸቡ ኣረጋግጽ። እንተ ኽኢልካ: ነቶም ካልኦት በቲ ሓደጋ እተጐድኡ እውን ሓግዞም። ንሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ወይ ካልእ ሽማግለ ብቕልጡፍ ክትረኽቦ ጽዓር። በቲ ሓደጋ ዘይተተንከፍካን ሓገዝ ዘየድልየካን እውን እንተ ዀነ: ከምኡ ኺግበር ኣለዎ። ሓገዝ ምስ ዜድልየካ: ኣሕዋትካ ንኺሕግዙኻ ዝከኣሎም ዘበለ ይገብሩ ምህላዎም ርግጸኛ ኹን። (1 ቈረ. 13:4, 7) የሆዋ ንዅነታትካ ይርእዮ ምህላዉ ዘክር፣ ንኺሕግዘካ ድማ ኣብኡ ተወከል። (መዝ. 37:39፣ 62:8) ንኻልኦት መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ ንምሃብ ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ንኽትጥቀመሉ ንቑሕ ኩን። (2 ቈረ. 1:3, 4) ንቲኦክራስያዊ ልማድካ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ቀጽሎ።—ማቴ. 6:33

5. ከም ክርስትያናት መጠን ብሓደጋታት እንጽሎ ብኸመይ ኢና፧

5 ሓደጋ ንዓለም ዓብዪ ጭንቀት ፈጢሩላ እኳ እንተሎ: ንሕና ግን ንመጻኢ ብተኣማንነት ክንጽበ ንኽእል ኢና። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኵሉ ሓደጋታት ኣይኪህሉን እዩ። (ራእ. 21:4) ክሳዕ ሽዑ ግን: እቲ ብስራት ንኻልኦት ናይ ምእዋጅ ቅንኣትና ዓቂብና ንእዋን መከራ ንምድላው ዜኽእለና ሚዛናዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ