ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ግንቦት ገጽ 3
  • ተዳሊኻ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተዳሊኻ ዲኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ናዕቢ እንተ ኣጋጢሙ፡ ድሉው ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ኣብ ጽንኩር እዋን፡ ንኻልኦት ሓግዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ግንቦት ገጽ 3
ኣባላት ሓንቲ ስድራ ንህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ የዳልዉ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ተዳሊኻ ዲኻ፧

ኣብ ከባቢኻ ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ተዳሊኻ ዲኻ፧ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ህቦብላ፡ ንዱር ዚህሙዅ ባርዕ፡ ከምኡ እውን ምዕልቕላቕ ማይ ብሃንደበት ኬጋጥምን ኣዕናዊ ኪኸውንን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታት፡ ናዕቢ፡ ለበዳ ኣብ ዝዀነ ቦታን ብዘይ መጠንቀቕታን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። (መክ 9:11) ኣብ ከባቢና ፈጺሙ ኼጋጥም ከም ዘይክእል ጌርና ኽንሓስብ የብልናን።

ነፍሲ ወከፍና ንእዋን ሓደጋ ምእንቲ ኽንዳሎ፡ ሚዛናዊ ዝዀነ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና። (ምሳ 22:3) ውድብ የሆዋ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ እተወሰነ ሓገዝ ትህብ እኳ እንተ ዀነት፡ ብሕታዊ ሓላፍነት የብልናን ማለት ግና ኣይኰነን።—ገላ 6:5፡ እ.ጽ.።

ነታ ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓደ ሓው መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ንእዋን ሓደጋ ብመንፈሳዊ መዳይ ይዳሎ።

    ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ንህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ፡ ኣድራሻ፡ ሞባይል።

    እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

    • • ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙን ኣብ እዋን ሓደጋን ድሕሪኡን ምስ ሽማግለታት ጽቡቕ ርክብ ምግባር

    • • ኣብ ህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ ምድላው—g17.5 6

    • • ኬጋጥም ብዛዕባ ዚኽእል ዓይነት ሓደጋን ኣብ ኵሉ እቲ ዅነታት እንታይ ከም እንገብርን ምምይያጥ

  • ስእልታት፦ ኣብ እዋን ሓደጋ ንኻልኦት እንሕግዘሉ መገድታት። 1. ሓደ ሓው ይጽሊ። 2. ወለንተኛታት ኣብ እዋን ሓደጋ ይሕግዙ። 3. ሓደ ሓው ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ሳጹን ውጽኢት ገንዘብ የእቱ።

    ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ንሰባት ክንሕግዘሉ እንኽእል ሰለስተ መገዲ እንታይ እዩ፧

ንስኻኸ ወለንተኛ ኽትከውን ትኽእልዶ፧

ኣብ ዕዮ ረድኤት ሓደጋ፡ ወለንተኛ ዀይኖም ዜገልግሉ ብዙሓት ሰባት የድልዩ እዮም። ወለንተኛ ዄንካ ኸተገልግል ፍቓደኛ እንተ ዄንካ፡ ውዓል ሕደር ከይበልካ ንሽማግለታት ሓብሮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ