ክርስትያናዊ ህይወት
ተዳሊኻ ዲኻ፧
ኣብ ከባቢኻ ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ተዳሊኻ ዲኻ፧ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ህቦብላ፡ ንዱር ዚህሙዅ ባርዕ፡ ከምኡ እውን ምዕልቕላቕ ማይ ብሃንደበት ኬጋጥምን ኣዕናዊ ኪኸውንን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታት፡ ናዕቢ፡ ለበዳ ኣብ ዝዀነ ቦታን ብዘይ መጠንቀቕታን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። (መክ 9:11) ኣብ ከባቢና ፈጺሙ ኼጋጥም ከም ዘይክእል ጌርና ኽንሓስብ የብልናን።
ነፍሲ ወከፍና ንእዋን ሓደጋ ምእንቲ ኽንዳሎ፡ ሚዛናዊ ዝዀነ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና። (ምሳ 22:3) ውድብ የሆዋ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ እተወሰነ ሓገዝ ትህብ እኳ እንተ ዀነት፡ ብሕታዊ ሓላፍነት የብልናን ማለት ግና ኣይኰነን።—ገላ 6:5፡ እ.ጽ.።
ነታ ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
• ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙን ኣብ እዋን ሓደጋን ድሕሪኡን ምስ ሽማግለታት ጽቡቕ ርክብ ምግባር
• ኣብ ህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ ምድላው—g17.5 6
• ኬጋጥም ብዛዕባ ዚኽእል ዓይነት ሓደጋን ኣብ ኵሉ እቲ ዅነታት እንታይ ከም እንገብርን ምምይያጥ
ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ንሰባት ክንሕግዘሉ እንኽእል ሰለስተ መገዲ እንታይ እዩ፧