ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 ግንቦት ገጽ 7
  • ናዕቢ እንተ ኣጋጢሙ፡ ድሉው ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናዕቢ እንተ ኣጋጢሙ፡ ድሉው ዲኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተዳሊኻ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ንቝጠባዊ ቕልውላው ተዳሊኻ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 ግንቦት ገጽ 7
ኣባላት ስድራ ቤት ብዛዕባ ናዕቢ ዚገልጽ ዜና ኣብ ተለቪዥን ይርእዩ። ንሓደጋ ግዜ እተዳለወ ቦርሳ ኣብ ጥቓኦም ኣሎ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ናዕቢ እንተ ኣጋጢሙ፡ ድሉው ዲኻ፧

ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ናዕብን ግብረ ሽበራን ውግእን ከም ዚውስኽ ትጽቢት ንገብር ኢና። (ራእ 6:4) ኣብ መጻኢ ንዘጋጥመና ጸገማት ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

  • ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ዘሎካ እምነት ዜደልድል ስርዓታትን ጸብጻባትን መጽሓፍ ቅዱስ ገለልትነትካ ኽትሕሉ ኺሕግዘካ እዩ። (ምሳ 12:5፣ jr 125-126 ¶23-24) ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ድልዱል ዕርክነት እትምስርተሉ እዋን ሕጂ እዩ።—1ጴጥ 4:7, 8

  • ብኣካላዊ መዳይ ተዳሎ፦ ምንቅስቓሳት ኣብ ዚድረተሉ እዋን ዚጠቕመካ ነገራት ብኣጋኡ ኣዳሉ። ብዘይካዚ፡ ቤትካ ሓዲግካ ኽትከይድ ዜገድድ ነገራት ዜጋጥም እንተ ዀይኑ እውን ተዳሎ። ኣብቲ ሒዝካዮ እትኸይድ ቦርሳ ዘሎ ነገራት ገምግም መከላኸሊ ናውትን ገንዘብን ምህላው እውን ኣረጋግጽ። ንሽማግለታት ብኸመይ ከም እትረኽቦምን ንሳቶም እውን ብኸመይ ከም ዚረኽቡኻን ርግጸኛ ኹን።—ኢሳ 32:2፣ g17.5 3-7

ኣብ እዋን ናዕቢ መንፈሳዊ ልማዳትካ ዓቅብ። (ፊል 1:10) ካብ ቤትካ ኽትወጽእ እንተ ዘይተገዲድካ ንምንቅስቓሳትካ ኽትድርቶ ኣሎካ። (ማቴ 10:16) ምግብን ካልእ ነገራትን ንኻልኦት ኣማቕል።—ሮሜ 12:13።

ነታ ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • የሆዋ ኣብ እዋን ሓደጋታት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

  • እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ንምውሳድ ኢና ኽንዳሎ እንኽእል፧

  • ሓደጋታት ንዘጋጠሞም ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ