ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ግንቦት ገጽ 5
  • ንቝጠባዊ ቕልውላው ተዳሊኻ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቝጠባዊ ቕልውላው ተዳሊኻ ዲኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተዳሊኻ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ናዕቢ እንተ ኣጋጢሙ፡ ድሉው ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ግንቦት ገጽ 5

ክርስትያናዊ ህይወት

ንቝጠባዊ ቕልውላው ተዳሊኻ ዲኻ፧

ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ ዘይምርግጋእ ኪፈጥር ከሎ ኣይንስምብድን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ መወዳእታ ዳሕሮት መዓልትታት ኢና ንነብር ዘለና። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “ዘየተኣማምን ሃብቲ” ተስፋ ኸይንገብር የተባብዓና እዩ። (1ጢሞ 6:17፣ 2ጢሞ 3:1) ንቝጠባዊ ቕልውላው ድሉው ብዛዕባ ምዃን፡ ካብ ኣብነት ንጉስ ዮሳፋጥ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ዮሳፋጥ ካብቶም ጸላእቱ ዚዀኑ ኣህዛብ ምፍርራህ ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣብ የሆዋ ተወኪሉ እዩ። (2ዜና 20:9-12) ብዘይካዚ፡ ንሃገሩ ንምክልኻል እተዓርደ ኸተማታትን ወተሃደራዊ ሰፈራትን ብምድላው ግብራዊ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። (2ዜና 17:1, 2, 12, 13) ንሕና እውን ልክዕ ከም ዮሳፋጥ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ግብራዊ ስጕምቲ ኽንወስድን ኣሎና።

ንቝጠባዊ ቕልውላው ንምድላው እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ ዕጉብ ኩን፣ መዓልታዊ ዜድልየካ ነገር ንምምላእ ድማ የሆዋ ኣብ ዘለዎ ኽእለት ተወከል። (ማቴ 6:26፣ 1ጢሞ 6:8) ዕጉብ ምእንቲ ኽትከውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትግባር ቈራጽ ኩን። (ሮሜ 2:21) ኤለክትሪክ ወይ ኢንተርነት እንተ ተቛሪጹ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ብኸመይ ከም እትረክብ ሕሰብ። እተወሰነ እተሓትመ ጽሑፋት ኣቐምጥ፣ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ድማ ኤለክትሮኒካዊ ሕታማት ኣቐዲምካ ኣራግፍ።

ብስጋዊ መዳይ ተዳሎ፦ ቍጠባዊ ጸገማት ቅድሚ ምግጣሙ ዕዳን ዘየድሊ ወጻኢታትን ነኪ። (ምሳ 22:7) ዚከኣል እንተ ዀይኑ እኹል ምግብን ካልእ ነገራትን ኣቐምጥ። ገሊኦም ሰባት ገንዘብ ንምቝጣብ ኣብ ካንሸሎኦም ኣሕምልቲ ይተኽሉ እዮም።

ነታ ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

“ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዚሕንገጥ ቦርሳን ሞባይልን፡ ኣገልገልቲ ህንጸት።
  • ንሓደጋ ንምድላው ብውልቅና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

“ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣሕዋት ንዕዮ ረድኤት ንምድጋፍ፡ ኣብ ዕዮ ህንጸት ይሕግዙን ካብ ማኪና ኣቕሑ የውርዱን።
  • ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

ሸቶ

ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ንንቕሑ! ቍ. 1 2022 ከልስዋ። ንሓደጋ ንምድላው ክትወስድዎ እትኽእሉ ተወሳኺ ስጕምትታት እውን ተመያየጡ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ