ነቲ ብስራት ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ምስባኹ
1 ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብምሉእ ልብና ብምክፋል ንመብጽዓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ ነርኢ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ክንካፈል ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ዓየይቲ ሒደት ኢዮም: መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ይቐርብ ኢዩ ዘሎ: ህይወት ናይ ብዙሓት ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ድማ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ። (ህዝ. 3:19፣ ማቴ. 9:37, 38) ከምዚ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነት ኣብቲ ኣገልግሎት ኣበርቲዕና ክንጽዕር ዝሓተና ኢዩ። ንናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈትና ዝምልከት ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣቐዲምና ጽቡቕ ኣቀራርባታት ብምድላው: ንሰባት ኣብቲ ክርከብሉ ዝኽእሉ ቦታታት ንምድላይ ትጉሃት ብምዃን: ናይቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ልክዕ ዝዀነ መዝገብ ብምሓዝን ተገዳስነቶም ንምክትታል ድማ ቀልጢፍና ብምምላስን: ከምኡውን ናይ ህይወት ጕዳይ ስለ ዝዀነ ንኣገልግሎትና ኣርዚንና ክንርእዮ ብምዝካር ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ወርሒ ለካቲት ነዚ ብስራት እዚ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ከነቕርቦ ክንዳሎ ከሎና እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ክንዕድል ኢና።
2 ገለ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘጋጥም ግድላት ኣሕጽር ኣቢልካ ብምጥቃስ ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ: ድሕርዚ እዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ከም ዘሎ ይኣምኑ ኢዮም: እንተዀነ ግን ‘እንታይ ዓይነት መጻኢ ክህልወና ኢዩ ዝደሊ፧’ ብምባል ይሓቱ። እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅሰብ እንታይ ምዃኑ: ነዚ ፍቓድ እዚ ንምፍጻም ዝወስዶ ስጕምትታት ከኣ እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ከም ዝገልጽ ትፈልጥዶ፧” ገጽ 301 ናይ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ገንጽል። ኣብ ቍጽሪ 1 ዘሎ ራእይ 21:1 ከምኡውን ነቲ ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይ ቍጽሪ 2 ዘሎ መግለጺኡ ኣንብቦ። እዚ ንመጻኢና እንታይ ማለት ምዃኑ ንኸተረድእ ናብቲ ኣብ ገጽ 302 ዘሎ ስእሊ ገንጽል። ኣብ ቍጽሪ 6 ራእይ 21:4 ኣንብብ። ነታ መጽሓፍ ዓድላ። ነቲ ዝርርብ ተመሊስካ ንኽትቅጽሎ ድማ ምቹእ ግዜ መድብ።
3 ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ ራእይ 21:1, 4 ዝገበርካዮ ዝርርብ: በዚ ዝስዕብ ሓጺር ኣቀራርባ ገይርካ ክትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብቲ ቀዳማይ እግረይ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ ከዳልወሎም ዝገበሮ መብጽዓ ተዘራሪብና ነይርና። [እንደገና ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ገጽ 302 ዘሎ ስእሊ ኣቓልቦ ከም ዝገብር ግበር።] ስድራቤትካ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ከስተማቕሩ ክትርእዮም ትደሊዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መብጽዓታት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ክእመን ዝኽእል ኢዩ፧ ዝብል ሕቶ ግን ኣሎ። በጃኻ ነዚ ባዕሉ ዝበሎ ነገር እስከ ኣስተብህለሉ።” ነቲ ኣብ ገጽ 303 ኣብ ቍጽሪ 8 ዘሎ ራእይ 21:5, 6ሀ ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 304 ዘሎ ናይ ቍጽሪ 9 ሕቶ ሕተቶ: ናይታ ቝጽሪ ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳባት ሓዊስካ ነቲ መልሲ ኣንብቦ። ብናጻ ዝግበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ክገብር ንገሮ። ኣብ ዝቕጽል ግዜ ብኸመይ ከም ዝጽናዕ ከተርእዮ መደብ ግበር።
4 ብዙሓት ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ እናወሰኸ ዝኸይድ ግድላት ስለ ዝጭነቑ: ኣብቲ ቐዳማይ እግርኻ ከምዚ ዝስዕብ ዝመስል ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ እንረኽቦ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበረሰብና ዘጋጥም ግድላት ይጭነቕ ኢዩ። [ገለ ግድላት ጥቐስ።] ንዅነታት እናኸፍአ ከም ዝኸይድ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኦም ሰባት ፈጺሞም ሓሲቦምሉ ዘይፈልጡ መግለጺ ይህብ። መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ ትገልጽ ኢያ። ከምቲ ኣብ ራእይ 12:9 ተገሊጹ ዘሎ ናይዚ ውግእ እዚ ሳዕቤን ኣስተብህለሉ።” ነታ ጥቕሲ ኣንብባ: ድሕሪኡ ናብ ገጽ 182 ናይ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ገንጽል። ነቲ ሰይጣን ኣብ ጕዳያት ምድሪ ዝገብሮ ኢድ ምእታው ንምግላጽ እቲ ስእሊ ተጠቐም። ነታ መጽሓፍ ዓድላ: ተመሊስካ ኣምላኽ ንግድላት ደቅሰብ ብኸመይ ከም ዝፈትሖ ንኽትመያየጠሉ መደብ ግበር።
5 ተመሊስካ ነዚ ሎሚ ዘሎ ግድላት ኣምላኽ ዘለዎ መፍትሒ ክትዘራረበሉ ቃል ኣቲኻ እንተድኣ ነይርካ: ነዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነዚ ሎሚ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ግድላት ናይ ሓቂ መፍትሒ ብኸመይ ከም ዝርከብ ዝገበርናዮ ምይይጥ ንምቕጻል ተመሊሰ ክመጽእ ፍሉይ ጻዕሪ ኢየ ገይረ። ኣብቲ ቐዳማይ እግረይ: እቲ ንብዘላ ምድሪ ዘስሕታ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ ርኢና ነይርና። ካብ ሰብ ዝለዓለ መንፈሳዊ ፍጡር ስለ ዝዀነ: ጽልውኡ ክለግሰሉ ዝኽእል መገዲ ኣሎዶ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] በጃኻ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ተመልከት።” ራእይ 20:1-3 ኣንቢብካ ግለጾ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ገጽ 4-5 ዘሎ ስእሊ ብምጥቃም: ጽልዋ ሰይጣን ዘይብሉ ኵነታት እንታይ ከም ዝመስል ኣርኢ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዓድሞ: ሽዑ ንሽዑ ክትጅምር ድማ ጸዓር።
6 ኣብቲ ኣከባቢ ብዙሓት ዝግደሱ ሰባት ምስ ዝህልዉ: ዝርርብ ንምጅማር ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ከባቢና ኣየር: ማይ: ከምኡውን መግቢ ብምብካሉ ከም ዝጭነቑ ርኢና ኣሎና። ኣብ ገለ ሃገራት ናይ ኣከባቢ ኵነታት ድሮ ንህይወት ዘስግእ ኰይኑ ኣሎ። ንምድሪ ዝፈጠረ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ እዚ እንታይ ክገብር ኢዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ነዛ ፕላኔት እንገብሮ ኣተሓሕዛ ክጸባጸብ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ ኢዩ። [ራእይ 11:18ለ ኣንብብ።] ኣብ ሓንቲ ካብ ኵሉ ብከላ ናጻ ዝዀነት ምድሪ ኽትነብር እሞ ሕስብ ኣብሎ!” ከምቲ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ንምድሪ ዝምልከት ዝገበሮ መብጽዓ ጥቐስ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ኣብ ገጽ 302 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ። ነታ መጽሓፍ ዓድላ ተመሊስካ ክትመጽእ ድማ መደብ ግበር።
7 ንሓደ ብዛዕባ ገነታዊት ምድሪ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ተመሊስካ ክትበጽሖ ከሎኻ ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ቀዳማይ እግረይ: ናይዛ እተበከለት ምድሪ ግድላት ንምፍታሕ ኣምላኽ ኣብ ናይ ደቅሰብ ጕዳያት ኢዱ ከእቱ ከም ዘለዎ ተሰማሚዕና ነይርና። እንተዀነ ግን: ኣብታ ኣምላኽ ዘምጽኣ ጽድቃዊት ሓዳስ ምድሪ ድሒንና ምእንቲ ክንኣቱ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧ ዝብል ሕቶ ኣሎ።” ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ። ነዚ ፍሉይ ፍልጠት እዚ ምእንቲ ክረክብ ካብቲ እንህቦ ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀም ነቲ በዓል ቤት ዓድሞ።
8 ዘመናውያን እኽሊ ዝእክቡ ዓየይቲ ምዃንና ከምኡውን ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ናይ ስብከት ዕዮ ክንዓዪ ምኽኣልናስ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ‘ጻዕርና ከንቱ ከም ዘይኰነ ፈሊጥና’ ነቲ ብስራት ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣብ ምስባኽ ትሑዛት እንኸውን ይግበረና።—1 ቈረ. 15:58