ነቲ ዕድመ ናብ ነፍሲ ወከፍ ዝጸምአ ሰብ ዘርግሓዮ
1 ከምቲ ብነብዪ ኣሞጽ ኣቐዲሙ እተባህለ: ሎሚ ሰብኣዊ ስድራቤት ‘ብጽምኢ ማይ ዘይኰነስ: ብምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር’ ይሳቐ ኣሎ። (ኣሞ. 8:11) ኣብዚ መንፈሳዊ ጽምኢ ዘሎዎ ኵነታት እዚ ንሰባት ንምሕጋዝ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ “ርባ ማይ ህይወት” ብምባል ተገሊጹ ዘሎ ንእዙዛት ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምሕዋይ እተገብረ ናይ ኣምላኽ ምድላው ክንነግሮም ኢና። ነቲ “ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ዕድመ ንዝዀነ ይኹን ጽድቂ ዝጸምእ ሰብ ናይ ምስፋሕ መሰል ኣሎና። (ራእ. 22:1, 17) ኣብ ወርሒ ለካቲት ነዚ ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቶም ብሓቂ ዝግደሱ ሰባት እታ ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ብምዕዳል ነዚ ክንገብሮ ኢና። ነዚ ዝስዕብ ኣቀራርባታት ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
2 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ጥዕና ጕዳያት ስለ ዝግደሱ: እዚ ኣቀራርባ እዚ ኣስላጢ ኰይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሕማማት ይግደሱ ኢዮም። ንስኻውን ነዚ ጉዳይ እዚ ምናልባት ብመጠኑ ሓሲብካሉ ትኸውን ኢኻ። [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ጸገም እዚ ነባሪ መፍትሒ ይርከበዶ ይኸውን፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ዘገርም ተስፋ እነሆ።” ራእይ 22:1, 2 ኣንብብ። ድሕርዚ ካብታ ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 308-9 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ገንጽል እሞ ነቲ ስእሊ ንምግላጽ ኣብ ገጽ 311 ቍጽሪ 22 ተጠቐም። ከምዚ ብምባል ድማ ደምድም:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ እተብርህ ኢያ።” ነታ መጽሓፍ ኣበርክታ። ንኽትምለስ ከኣ ምድላዋት ግበር።
3 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: ከምዚ ብምባል ንዝርርብካ ከተሐድሶ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መጺአ ከለኹ: ናይ ጥዕና ግድላት ነባሪ መፍትሒ ከም ዘድልዮ ተዘራሪብና ነይርና። ዋላ ሓደ ሰብ ዘይሓመሉ ግዜ ዝመጽእዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዘገርም ሓሳባት እሞ ኣስተብህለሉ።” ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ። ድሕርዚ ካብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 5 ገንጽል: ኣብቲ መጀመርታ ናይቲ ትምህርቲ ዘሎ ዝሰማማዕ ሕቶታት ብምሕታትን ሒደት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት ብምንባብን ንቝጽሪ 5, 6 ተመያየጠሉ። ምልጋስ ሕማምን ሞትን ክፍሊ ፍጻሜ ናይቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ናይ መጀመርታ ዕላማ ምዃኑ ጥቐስ። ነቲ ኣብታ ትምህርቲ እቲኣ ዘሎ ቍጽርታት 1- 4 ከምኡውን 7 ተመሊስካ ንምምይያጥ ምድላው ግበር።
4 ኣብ ናይ ሰባት ኣእምሮ ሃንደበታዊ ሞት ዘጠቓለለ እዋናዊ ዜና እንተድኣ ኣልዩ ዀይኑ: እዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ [ነቲ ዜና ጥቐሰሉ] ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ናይ ሰባት ህይወት ብዘሕዝን መገዲ ክቕዘፍ ከሎ: ብዙሓት ሰባት ስድራቤት ናይቶም ግዳያት ዝዀኑ ሰባት እንታይ ምጽንናዕ ክረኽቡ ይኽእሉ ብምባል ይሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕርዚ ኣብ ራእይ ፍጻሜኡ ገጽ 299 ገንጽል እሞ ነቲ ብስእሊ ተገሊጹ ዘሎ ኵነታት ትንሳኤ ኣርእዮ። ከምዚ ብምባል ድማ ቀጽል:- “ብዙሓት ሰባት: ጻድቃንን ሓጥኣንን ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንምንባር ክትንስኡ ከም ዝዀኑ ምፍላጦም የገርሞም ኢዩ። [ነቲ ኣብ ገጽ 297 ቍጽሪ 9 ተጠቒሱ ዘሎ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብቦ: ድሕርዚ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 10 ዝርከብ መግለጺ ኣንብበሉ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ዘለዎ ዕላማ ዝገልጽ ሓያሎ ካልኦት ኣገደስቲ ዝርዝራት እትምርምር ኢያ።” ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ። ናይቲ ሰብ ፍሉይ ተገዳስነትን ሻቕሎትን ብምግንዛብ ንኽትምለስ ምድላዋት ግበር።
5 ተመሊስካ ክትበጽሖ ከለኻ: ንኣቀራርባኻ ምስቲ በዓል ቤት ኣሰማምዓዮ። ምናልባት ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክንዘራረብ ከለና: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዝሃብካዮ ሓሳባት ኣድኒቐዮ ኢየ። [ነቲ ዝሃቦ ሓሳባት ድገሞ።] ኣገዳሲት ኰይና ክትረኽባ ኢኻ ኢለ ዝሓሰብክዎ ሓንቲ ጽሕፍቲ ረኺበ ኣለኹ።” ካብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 5 ገንጽል። ንኣቓልቦ ናይቲ በዓል ቤት ዝስሕብ ዝመስል ኣብታ ትምህርቲ እቲኣ ዘሎ ሓያሎ ቍጽርታት ብምንባብ ተመያየጠሉ። ነቲ ትምህርቲ ተመሊስካ ንኽትቅጽሎ ግዜ ድሕሪ ምምዳብ: እታ ጉባኤ እትእከበሉ ሰዓታት ዝገልጽ ናይ ዕድመ ወረቐት ነቲ በዓል ቤት ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ግለጸሉ: ንኽካፈል ድማ ዓድሞ።
6 ብትራክት ገይርካ ቅልል ዝበለ ኣቀራርባ ክትጥቀም እንተድኣ መሪጽካ: ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነዛ ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧ ዘርእስታ ትራክት ክህበካ ምፈተኹ።” ነቲ በዓል ቤት ሃቦ: ነቲ ቀዳማይ ሕጡብ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ ድማ ንኽከታተለካ ዓድሞ። ነታ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ምሉእ ሓሳባት እተላዕለት ሕቶ ክምልሳ ተጸበዮ። ነታ ኻልኣይቲ ዓንቀጽ ኣንብባ: ድሕርዚ ድማ ኣብታ ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 299 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ገንጽል። ከምዚ ብምባል ከኣ ቀጽል:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ትንሳኤን ንመጻኢ ዝምልከት ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘገርም ተስፋታትን ዝያዳ ዝርዝራት እትህብ ኢያ።” ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ እሞ ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ምድላው ግበር።
7 ነዚ ዝማርኽ ዕድመ እዚ ንኻልኦት ሰባት ምዝርጋሕና ናብቲ ሕጂ የሆዋ ከም ዝርከብ ገይርዎ ዘሎ ማይ ህይወት ክመጹ ከለዓዕሎም ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንነፍሲ ወከፍ ዝጸምአ ሰብ “ንዓ” ንበል።—ራእ. 22:17