ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/97 ገጽ 1
  • “ቤትካ ህነጽ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ቤትካ ህነጽ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ መፍትሕ ኣለዎዶ ኢዩ፧
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ኣብ ውሽጢ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ስዓብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • እተፈላለየ ዕድመ ንዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት ምዕዳል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ
    ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 3/97 ገጽ 1

“ቤትካ ህነጽ”

1 ኣብ ዙርያ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ኵሉ ባህልታት ናብራ ስድራቤት ይበታተን ከም ዘሎ ኣየተሓታትትን ኢዩ። ናይ ሰይጣን ዓለም ኣብ ምጥፍፋእን ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን ጠንቀላዕላዕ ትብል ኣላ። (1 ዮሃ. 5:⁠19) እዚ: እቲ ‘ቤትና ንኽንሰርሕ [“ንኽንሃንጽ:” NW ]’ ከምኡውን ካልኦት ብኸመይ ከምኡ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ንኽንምህር ዘሎ ህጹጽነት የጕልሕ።​—⁠ምሳ. 24:⁠3, 27

2 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕቝባ ኢዩ:⁠- ናይ ሓቂ ሓጐስ ስድራቤት ምስጢሩ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትግባር ኢዩ ዝርከብ። እዚ ብርቱዕ ጽልዋ ዘለዎ ሓቅታት እዚ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ቤት ዘሎ ሰብ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብርኡ ኢዩ ዝጠቕሞ። እታ ኣብ ግብሪ እተውዕሎም ስድራቤት ሕጕስቲ ትኸውን ከምኡውን ኣምላኻዊ ሰላም ተስተማቕር።​—⁠ምስ ኢሳይያስ 32:⁠17, 18 ኣረኣእዮ።

3 እቶም ቤትና ንኽንሃንጽ ዝሕግዙና ስርዓታት ኣብታ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት (እንግሊዝኛ) እትብሃል ሓዳስ መጽሓፍ ብጥርንፍ ዝበለ መልክዕ ተዘርዚሩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኣባላት ስድራቤት ክዝክርዎ ዘድልዮም ስርዓታት ዘጕልሕ ሓጋዚ ብዝዀነ ናይ ትምህርቲ ሳጹን ኢያ እትድምደም። ዝበዝሕ ካብቲ ሳጹናት “እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት  . . . ብኸመይ ይሕግዝ፧” ብዝብል ሕቶ ይጅምር። እዚ: ብዛዕባ እታ ኣብ ምይይጥ ዘላ ኣርእስቲ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ምእንቲ ክንረክብ ናብ ናይ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ ከም እነተኵር ይገብረና።​—⁠ኢሳ. 48:⁠17

4 እንግሊዝኛ ተንብብ እንተድኣ ኴንካ ምስታ መጽሓፍ ተላለ። እተፈላለየ ግድላት ክለዓል ከሎ እቲ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ስርዓታት ንምርካብ ተለማመድ። እታ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኢያ እትመያየጥ:⁠- ሓደ ሰብ ንመጻኢ ናይ መርዓ ብጻይ ዝዀኖ ኣብ ምሕሳብ እንተድኣ ኣልዩ ክገብሮ ዘለዎ እንታይ ምዃኑ (ምዕራፍ 2): ኣብ ሓዳር ነባሪ ሓጐስ ንምርካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ነገራት እንታይ ምዃኖም (ምዕራፍ 3) ወለዲ ነቶም ኮተቴ ዝዀኑ ደቆም ጥቁዋትን ንኣምላኽ ዝፈርሑ በጽሕታትን ከም ዝዀኑ ገይሮም ከዕብይዎም ዝኽእሉ ብኸመይ ከም ዝዀነ (ምዕራፍ 6): ነታ ስድራቤት ካብ ዘዕኑ ጽልዋታት ብኸመይ ከም እትከላኸለላ (ምዕራፍ 8): ንጽል ወለዲ ዘለወን ስድራቤታት ንኽዕወታ ዝሕግዝ ስርዓታት (ምዕራፍ 9): መንፈሳዊ ሓገዝ ነተን ብወልፊ ኣልኮልን ዓመጽን ዝሽገራ ስድራቤታት (ምዕራፍ 12): ማእሰር መርዓ ኣብ ናይ ምብታኽ ደረጃ እንተድኣ በጺሑ እንታይ ከም ዝግበር (ምዕራፍ 13): ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ንምኽባር እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል (ምዕራፍ 15): ከምኡውን ንስድራቤትና ዝኸውን ነባሪ መጻኢ ብኸመይ ከም እነረጋግጽ (ምዕራፍ 16)። ካብዚ ነጥብታት እዚ ብዙሕ ኣብታ ንናብራ ስድራቤትካ ሕጕስ ምግባር እትብሃል መጽሓፍውን ይርከብ ኢዩ። ኣብ ህይወትና ሓድሽ ነገራት ከጋጥመና ኸሎ ከምኡውን ናብራና ክልወጥ ከሎ ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ምኽሪ ምድላይ ክንቅጽል ኢና ንደሊ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንእንፈልጦም ሰባት ከምኡውን ዕቤት ንዘርእዩ ዘለዉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ንሃቦም።

5 እንግሊዝኛ ትፈልጥ እንተድኣ ኴንካ ነዛ ሓጐስ ስድራቤት እትብሃል መጽሓፍ ስለምንታይ ምስ ስድራቤትካ ዘይተጽንዓ፧ ስድራቤትካ ምስ ሓድሽ ግድላትን ብድሆታትን ኣብ እትጋጠመሉ ግዜ እውን ነቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ምዕራፋት ተዘራረብ: ከምኡውን ብጸሎት ነቲ ምኽሪ ብኸመይ ከም እትትግብሮ ኣስተብህል። ብተወሳኺ: መጋቢት ፍልይቲ ወርሒ ምእንቲ ክትገብራ ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን ግዜ ብልግሲ መድብ። ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት እቲ ብስራት ክትነግር ጸዓር። ጽሑፋትና ዝቕበል ኵሉ ሰብ እኳ እንተ ዘይኰነ: ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣቀራርባ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ኣብቲ መልእኽትና ተቐባልነት ዘይብሉ ቦታ እውን ከይተረፈ: እቲ መጠንቀቕታ ንምንጋር ዘሎና መዝነት ክንፍጸም ኢና።​—⁠ህዝ. 3:⁠18, 19፣ 2 ጢሞ. 4:⁠2

6 እተን ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘዘውትራ ስድራቤታት ብመንፈስ ክበራትዓ: ከምኡውን ክሓብራን ምስቲ ናይ ሰይጣን መጥቃዕትታት ብዓወት ንምግጣም ጽቡቕ ገይረን ክዳለዋን ኢየን። (1 ጢሞ. 4:⁠7, 8፣ 1 ጴጥ. 5:⁠8, 9) ካብቲ መናጪ ናይ ስድ⁠ራቤት መለኮታዊ መምርሒ ስለ እተወሃብና ኣየ ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢና!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ