“መማሰውቲ ኹኑ”
1 መብዛሕትና ሓደ ሰብ ከኽብረና ኸሎ ወይ ሕያውነት ከርእየና ኸሎ “በጃኻ” ከምኡውን “አመስግነካ” ምባል ካብ ቍልዕነትና ኣትሒዝና ተማሂርና ኢና። ጳውሎስ ኵሉ ግዜ “መማሰውቲ ኹኑ” ብምባል ይመኽረና: ብፍላይ ከኣ ንየሆዋ መማሰውቲ ክንከውን ይግብኣና። (ቈሎ. 3:15, 16) እንተዀነ ግን: ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ብኸመይ ኢና ከነማስዎ እንኽእል፧ ከምኡውን ንኸነማስዎ እንታይ ፍሉይ ምኽንያታት ኣሎና፧
2 ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 15:57) ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ እቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ዝህበና በጅነት ኣብ ምድላው ዘርኣዩና ወሰን ዘይብሉ ፍቕሪ ንዘኻኸር ኢና። (ዮሃ. 3:16) ዳርጋ ኹልና እነፍቅሮም ሰባት ብሞት ስኢንና ኢና: ስለዚ ነቲ የሱስ እተመባጽዓልና ካብ ምዉታት ምትንሳእ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! ነቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ፈጺምና ከይሞትና ንኽንድሕን ዘሎና ተስፋ ክንሓስበሉ ከሎና ልብና ብምስጋና ኢዩ ዝመልእ። (ዮሃ. 11:25, 26) ነቲ ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ካብ ኢድ የሆዋ እንረኽቦ ኩሉ ዘደንቕ በረኸታት ሞሳና እንገልጸሉ ቓላት ክንረክብ ኣሸጋሪ ኢዩ። (ራእ. 21:4) ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ ‘ዘማሱ ክኸውን’ እንታይ ዝበለጸ ምኽንያታት ኣለዎ፧
3 ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነማሱ:- የሆዋ ሰናይ ስለ ዝዀነ ሞሳና ብጸሎት ክንገልጸሉ ኩሉ ግዜ ግቡእ ኢዩ። (መዝ. 136:1-3) ብኻልእ ኣወንታዊ ዝዀነ መገድታት እውን ሞሳና ክንገልጸሉ ንለዓዓል ኢና። ንኣብነት: ሰንበት 23 መጋቢት ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ብርግጽ ክንርከብ ኢና። ነታ ጉባኤና ከምኡውን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዘድሊ ንዋታዊ ነገራት ንምምላእ ‘ብዅሉ ጥሪትና ንእግዚኣብሄር ከነኽብሮ’ ሕጕሳት ኢና። (ምሳ. 3:9) ነቶም ሽማግለታት ምሉእ ብምሉእ ንድግፎምን ምስኦም ንተሓባበርን ኢና: በዚ ኸምዚ ነቲ የሆዋ ብእኦም ኣቢሉ ዘዳለወልና ሓገዝ ዘሎና ምስጋና ነርኢ። (1 ተሰ. 5:12, 13) ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንስም ኣምላኽ ዘኽብር ቅኑዕ ጠባይ ክህልወና ኢና እንጽዕር። (1 ጴጥ. 2:12) የሆዋ በዚ ዅሉ ናይ ምስጋናና መርትዖታት ባህ ኢዩ ዝብሎ።—1 ተሰ. 5:18
4 እቲ ዝበለጸ መግለጺ ሞሳና:- ኣብቲ ዕዮ ናይ መንግስቲ ስብከት ብምሉእ ነፍስኻ ምክፋል: ንስም የሆዋ ምኽባር: ምስጋናኻ ብጸሎት ምግላጽ: ከምኡውን ብተኣማንነት ምእንቲ ሓቂ ምሙጋት ገለ ካብቶም ንኣምላኽና ስለ እቲ ዅሉ ዝገበረልና እነርእዮ ዝበለጹ ናይ ልባዊ ሞሳ መግለጺታት ኢዮም። ነቲ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን” ዝብል ፍቓዱ ብምድጋፍ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት ተግባራት ክንህብ ክርእየና ኸሎ የሆዋ ይሕጐስ ኢዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም እቶም ኵነታቶም ከተዓራርዩ ዝኽእሉ ብዙሓት ኣስፋሕቲ: ነቲ ኣብ ናይ ለካቲት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ኣብ ወርሒ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ኣብ ሓዲአን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓጋዚ ፓይነር ምዃን ዝብል ጻውዒት ዝምልሱሉ ዘለዉ። ኣብቲ ኣገልግሎት ተወሳኺ ጻዕሪ ምግባር ‘መማሰውቲ ምዃንና’ እነርእየሉ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። ኣብ ሚያዝያ: ወይ ኣብ ግንቦት ፓይነር ክትከውን ትኽእልዶ፧
5 ንዘለኣለም ንምንባር ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ተዋሂቡና። እዚ ክፍጸም ክንርኢ ከለና: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንየሆዋ ብሓጐስ ንኸነማስዎ ብዙሕ ተወሳኺ ምኽንያታት ክህልወና ኢዩ።—መዝ. 79:13