መዝሙር
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+
2 ምግቢ ኪኸውንሲ ሬሳ ገላዉኻ ንኣዕዋፍ ሰማያት፡
ስጋ እሙናትካ ድማ ንኣራዊት ምድሪ ሂቦምዎ።+
3 ደሞም ከም ማይ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣፍሲሶምዎ፣
ዚቐብሮም እውን ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+
4 ንጐረባብትና መጻረፊ ዄንና፣+
ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ የላግጹልናን የባጭዉልናን ኣለዉ።
5 ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኽትንድር፧ ንዘለኣለምዶ፧+
ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መዓስ እዩ ኸም ሓዊ ዚነድድ፧+
6 ነድርኻ ኣብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡
ኣብተን ስምካ ዘይጽውዓ መንግስትታት ክዖ።+
7 ንሳቶምሲ ንያእቆብ ውሒጦምዎ፣
ንዓዱ እውን ኣባዲሞምዋ።+
8 ብስሕተት ኣቦታትና ተሓተትቲ ኣይትግበረና።+
ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡
ቀልጢፍካ ምሕረትካ ኣርእየና።+
10 ስለምንታይ ኣህዛብ፡ “ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፧” ዚብሉ፧+
እቲ ዝፈሰሰ ደም ገላዉኻ ኸም እተፈድየ፡
ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይፈለጥ።+
11 እህህታ እሱር ስማዕ።+