ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመጋቢት
3 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ኣብቲ 23 መጋቢት ዝውዕል በዓል ዝኽሪ ተገደስቲ ሰባት ምዕዳም ክጅምሩ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ቅዳሕ ናይ በዓል ዝኽሪ ዕድመ ዘርግሕ: ኵሎም ዘድልዮም ክወስዱን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኸኣ ምዕዳል ክጅምሩን ተማሕጸን። ቲኦክራሲያዊ ዜና።
10 ደቒቕ:- ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ዝዕደል ጽሑፋት ዘርዝር። ንጽል ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዓድሉ። ኣሕጽር ኣቢልካ ነቲ ከመይ ገይርካ ናይ መጽሔታት ኣቃራርባ ከም እተዳሉ ዝገልጽ ኣብ ቍጽሪ 3: 4: ከምኡውን 8 ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ። ክልተ ኣስፋሕቲ ሓደ ወይ ክልተ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባታት ከም ዘርእዩ ግበር። ኣስፋሕቲ መዝገብ ናይቶም መጽሔታት ዝቕበሉ ክሕዙ ኣለዎም: ኣብቲ ምብጽጻሕ መጽሔቶም ከኣ ይወስኽዎም።
25 ደቒቕ:- “ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ትባዕ።” (ቍጽሪ 1-17) ብሕቶን መልስን። ኣሕጽር ኣቢልካ ናይ ቍጽሪ 16 መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 71ን መዕጸዊ ጸሎትን
10 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኵሎም ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ-መዓልቲ ምምርማር ካብ 18-23 መጋቢት ተመዲቡ ዘሎ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕብዎ ኣዘኻኽሮም።
20 ደቒቕ:- “መማሰውቲ ኹኑ።” ሕቶን መልስን። ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ: ተገደስቲ ሰባት: ዘይቃወሙ ናይ ስድራቤት ኣባላት: ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ዝዘሓሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ክካፈሉ ንምዕዳም ኩሎም ብርቱዕ ጻዕሪ ክገብሩ ኣለዎም። ሓደ ኣስፋሒ ናይ በዓል ዝኽሪ ዕድመ ተጠቒሙ ንሓደ ተገዳሲ ሰብ ክዕድም ከሎ ዘርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። ካብ ናይ 1 ሓምለ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 11 ቍጽሪ 16-17 ተወሳኺ ሓሳብ ሃብ። ዝኽእል ዘበለ ኵሉ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ሓጋዚ ፓይነር ክኸውን ኣተባብዕ።
15 ደቒቕ:- “ንናይ ሰይጣን ውዲት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።” ኣብ መንጎ ንሰማዕቲ ገለ ሕቶታት እናሓተተ ሓደ ብቑዕ ሽማግለ ዘቕርቦ ዝርርብ። እዚ እኩይ ናይ ዓለም ኣገባብ ጻዕረ ሞት ሒዝዎ ኣብ ዘሎ ግዜ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ተስፋ ንምቝራጽን ካብ መገዲ ንምውጻእን ወይ ከኣ ንምዕንቃፍ ብኸመይ ኣበርቲዖም ይዓዩ ከም ዘለዉ ኣርኢ። ዓባይ ባቢሎን: ካልኦት እኩያት ሰባት: ከምኡውን ኵነታት ጸቕጢ ከም ዝገብረልና ይገብሩ። ብድሕርዚ ንሮሜ 12:21 ጥቐስ: ምስቲ ኣብ ናይ 1 መስከረም 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 15-18 ዘሎ ሓሳባት ከኣ ኣተሓሕዞ። ነቲ እኩይ ምእንቲ ክቃወሙ ኣብ ምጽናዕን ምጽላይን ኣኼባ ምምጻእን ኣገልግሎትን ጽቡቕ ልምዲ ክህልዎም ንዅሎም ኣተባባዓዮም።
መዝሙር 72ን መዕጸዊ ጸሎትን
17 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። “ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት” ኣቕርብ: ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ናይ በዓል ዝኽሪ መደባት ከኣ ዘርዝር። ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ተገደስቲ ሰባትን ኣብቲ በዓል to make it clearክካፈሉ ንምሕጋዝ ኵሎም ናይ መወዳእታ መደባት ክገብሩ ኣለዎም።
15 ደቒቕ:- “ኣቀራርባኻ ህያው ንምግባር እዋናዊ ፍጻመታት ተጠቐም።” ገጽ 10-11 ናይ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ተመልከት: እዋናዊ ፍጻመታት ተጠቒምካ ምዝርራብ ከም ዝከኣል ኣርኢ። ንኣብነት: ተማሃሮ ዝዀኑ ቈልዑ ምጥቃዕ ወይ ምስራቕ፣ ናይ ቦምባታት ስንባደ፣ ናይ ኣይሮፕላን ምጭዋይ፣ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ስደተኛታት፣ ውግእን ዓሌትነትን (ሩዋንዳ)፣ እናወሰኸ ዝኸይድ ቍጽሪ ለመንትን ግዳም ሓደር ቈልዑን፣ ሕጽረት ማይ ወይ መግቢ፣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሞትን ሕማምን: ወዘተ.። ግዜ እንተ ኣልዩካ: “ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ንቑሕ ኵን” ካብ ዝብል ናይ ሓምለ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ብፍላይ ካብ ቍጽሪ 3ን 4ን ወስኽ።
15 ደቒቕ:- “ብዘሎ ኣጽዋር ኣልዕሉ።” ካብ ገጽ 21 ክሳዕ 23 ናይ 15 ግንቦት 1992 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ብምውሳድ ዝወሃብ ዝርርብ። እቲ ሓሳባት መንእሰያት ኣብ መፈንጠራ ናይ ፍቕረ-ንዋይን ናይ ትዕቢት ሓደጋን ዘለዎም ፈተና ኣውዕሎ። ነቶም ኣባጊዕ መሰል ክንደሊ ከሎና ክሳዕ ዝከኣለና ብዙሓት ሰባት ብምርካብ ግዜና ብጽቡቕ ምእንቲ ክንጥቀመሉ: ኵሎም ዕላማ ዘለዎ ኣገልግሎት ንምግባር ጽኑዕ ሸቶታትን መደብን ክህልዎም ኣተባብዕ።
መዝሙር 75ን መዕጸዊ ጸሎትን
24 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
18 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል ክትሓትት ግዜኡ ከም ዘይሓለፈ ግለጽ። ኣብቲ ከባቢ ነታ ወርሒ እቲኣ ንኣገልግሎት ኣኼባታት ዘሎ ተወሳኺ ምድላዋት ዘርዝር። ብዛዕባ ውጺኢታዊ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ንዅሎም ኣዘኻኽር:- እቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሕ ሓው ኢዩ ብመሰረት እቲ ዞባን እቶም ክህልዉ ዝኽእሉ ኣስፋሕትን ግዜ ክምደብ ዝግብኦ፣ ቦታ ኣብ ጥቓ እቲ ዞባ ክኸውን ዝበለጸ ኢዩ፣ ዕለት ጥቕሲ ንኣገልግሎት ዝምልከት እንተ ዀይኑ ክግበር ይግባእ፣ እቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሕ ነቶም ዞባ ዘይብሎም ዞባ ክህቦም ይግባእ፣ ግዜ ካብ 15 ደቒቕ ክበዝሕ ኣይግብኦን ኢዩ፣ ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ወይ ብዛዕባ ናይ ኣገልግሎት ጸገማት ምምይያጥ ክግበር ይከኣል ኢዩ፣ ናይ ኣገልግሎት ብጾት ከኣ ከከም ኣድላይነቱ ክምደብ ይግባእ።
15 ደቒቕ:- “ቤትካ ህነጽ።” ሕቶን መልስን። ካብ ገጽ 228 ናይ 1995 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተመክሮታት ወስኸሉ።
12 ደቒቕ:- ሓድሽ ኣስፋሒ ንኽጅምር ምሕጋዝ። ቍጽሪ 19 ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ድገም። ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ንሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንኽኸውን ብሽማግለታት ተቐባልነት ዝረኸበ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዘዳልዎ ብመርኣያ ኣቕርብ። ነቲ ኣብ ገጽ 111 ቍጽሪ 2 ናይታ ኣገልግሎትና እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳብ ብሓንሳብ ኰይኖም ይመያየጥሉ። እቲ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል: መብዛሕትኦም ጽቡቕ መልሲ እንተ ዘይሃቡ ኸኣ ተስፋ ክቘርጽ ከም ዘይብሉ ይንገሮ። እቲ ኣስፋሒ: ዝሰምዕ ቅኑዕ ሰብ ክርከብ ከሎ ዘሎ ሓጐስ ዝገልጽ ዘተባብዕ ተመክሮ ይንገር። ብሓንሳብ ሓጺር: ቀሊል ናይ መጽሔት ኣቀራርባ የዳልዉ ብድሕሪኡ ኸኣ ይለማመድሉ። ዘተባብዕ ናእዳ ይወሃብ ከምኡውን ብሓንሳብ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምክፋል ውሱን ምድላዋት ይግበር።
መዝሙር 89ን መዕጸዊ ጸሎትን።
31 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኵሎም ተገደስቲ ኣብቲ 6 ሚያዝያ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ክካፈሉ ዓድሞም። ኵሎም ናይ መጋቢት ጸብጻብ ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ስም ናይ ኵሎም እቶም ኣብ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፓይነር ዝዀኑ ንገር። ሕቶ ሳጹን ተመያየጠሉ።
20 ደቒቕ:- “ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ትባዕ።” (ቍጽሪ 18-30) ሕቶን መልስን። ነቲ ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን ድገሞ። ኵሎም ናይ ኣገልግሎቶም ጸብጻብ ክህቡ ከለዉ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዝገበርዎ ነፍሲ ወከፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ እውን ክጽብጽብዎ ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ:- ኣብቲ ከባቢ ዘድሊ። ወይ ከኣ ካብታ “ይቕሬታ ክትሓትት ብሓቂ የድልየካዶ ኢዩ፧” እትብል ዓንቀጽ ናይ 15 መስከረም 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-24 ብሓደ ሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ።
መዝሙር 92ን መዕጸዊ ጸሎትን