ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ትባዕ
1 ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ትሕጐሰሉዶ ኢኻ፧ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ይሕጐስሉ ኢዮም። ኣብ መጀመርታ: ብፍላይ ናብቶም ኣብ ቀዳማይ እግርኻ ውሑድ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመሊስካ ክትበጽሕ ከሎኻ ፈሪህካ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ‘ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽ [ምስ] ተባዕካ’ ከምኡውን እዚ ዕዮ እዚ ክሳዕ ክንደይ ቀሊልን ዓስቢ ዘለዎን ምዃኑ ምስ ረኣኻዮ ተገሪምካ ትኸውን። (1 ተሰ. 2:2) ብኸመይ፧
2 ብልክዕ ክርአ ኸሎ: ኣብ መንጎ ናይ መጀመርታ ምብጻሕን ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ኣገዳሲ ፍልልይ ኣሎ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንዘይትፈልጦ ሰብ ዘይኰነስ: ንሓደ እትፈልጦ ሰብ ኢኻ እትገብረሉ: ብሓፈሻኡ ድማ ካብ ምስ ጋሻ ምስ እትፈልጦ ሰብ ክትዘራረብ ይቐልል። ኣብዚ ዕዮ እዚ ብምክፋል ዝርከብ ዘዕግብ ዓስቢ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ናብ ውጽኢታዊ ዝዀነ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።
3 ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከሎና: ብተደጋጋሚ ኣብቶም መጀመርታ ክንበጽሖም ከሎና ተገዳስነት ዘየርኣዩ ሰባት ኢና እንበጽሕ። እሞ: ስለምንታይ ድኣ ኢና ብቐጻሊ እንበጽሖም፧ ናይ ሰብ ኵነታት ከም ዝለዋወጥ ከምኡውን ሓደ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ዘይግደስ ወይ ድማ ዝጻረር ዝመስል ውልቀ-ሰብ ካልእ ግዜ ክንበጽሖ ከሎና ተገዳስነት የርኢ ይኸውን ኢዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ድማ ብግቡእ ንዳሎ: ከምኡውን እንብሎ ነገር ጽቡቕ መልሲ ዘለዎ ምእንቲ ክኸውን የሆዋ ክባርኾ ንጽሊ ኢና።
4 ኣብ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎትና ነቶም ቅድሚኡ ምንም ተገዳስነት ዘየርኣዩ ሰባት ፈቲና ንሰብከሎም ካብ ኰንና: ነቲ ብዛዕባ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ውሑድ እውን ይኹን ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ዝያዳ ፈቲና ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብረሉዶ ኣይግብኣናን፧—ግብ. 10:34, 35
5 መብዛሕትና ሕጂ ኣብ ሓቂ ዘሎና: ሓደ ኣስፋሒ ብትዕግስቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ስለ ዝገበረልና ኢዩ። ሓደ ካብዚኣቶም እንተድኣ ኴንካ ‘እቲ ኣስፋሒ ክመጽእ ከሎ ኣብ መጀመርታ እንታይ ስምዒት ከም ዘሕድር ኢየ ገይረዮ፧ ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ መጀመርታ ምስ ሰማዕክዎ ነቲ መልእኽቲ ሽዑ ንሽዑዶ ተቐቢለዮ ኢየ፧ ዘይግደስዶ እመስል ነይረ ኢየ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ እንደገና ዝበጽሓና ሰብ ‘ብኣምላኽ ብምትባዕ’ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረልና እንበቅዕ ገይሩ ብምርኣይ ስለ ዝበጽሓና: ነቲ ሓቂ ንኽምህረና ድማ ብምቕጻሉ ክንሕጐስ ኣለና። እሞ ብዛዕባ እቶም መጀመርታ ገለ ተገዳስነት ዘርኣዩ ድሓር ግን ካባና ክርሕቑ ዝደልዩ ዝመስሉ ውልቀ-ሰባት እንታይ ንበል፧ እዚ ዝስዕብ ተመክሮ ከም ዝሕብሮ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣድላዪ ኢዩ።
6 ክልተ ኣስፋሕቲ ንግሆ ኣብ መገዲ እናመስከራ ከለዋ ሓንቲ ኣብ ስትሮለር (ቈልዓ እትሕዘሉ ዓረብያ) ገይራ ቈልዓ ዝሓዘት ሰበይቲ ረኸባ። እታ ሰበይቲ መጽሔት ወሰደት: ነተን ኣሓት ኣብታ ቀጺላ ዘላ ሰንበት ናብ ገዝኣ ክመጽኣ ድማ ዓደመተን። ኣብቲ ቈጸርአን በጽሓ: እንተዀነ ግን እታ በዓልቲ ቤት ክተዛረበን ግዜ ከም ዘይብላ ነገረተን። ይኹን እምበር: ኣብታ ቀጺላ ዘላ ሰሙን ክረኽብኣ ከም ዝኽእላ ነገረተን። እተን ኣሓት ነቲ ቘጸራ ተኽብሮ ድያ ኣይተኽብሮን ተጠራጠራ: እንተዀነ ግን ምስ ተመልሳ እታ ሰበይቲ ክትጽበየን ጸንሐት። ጽንዓት ተጀመረ: ናይታ ሰበይቲ ዕቤት ድማ ዘገርም ነበረ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ስርዓታዊት ኰይና ኣብ ኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ክትካፈል ጀመረት። ሕጂ ጥምቕቲ ኢያ።
7 ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር:- ናይ ሓደ ዕዉት ተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ኢዩ ዝንበር። እቲ በዓል ቤት ዝህቦ ሓሳባት ጽን ኢልካ ስምዓዮ። እንታይ ኢዩ ዝነግረካ፧ ሃይማኖታዊ ዝንባለ ዘለዎ ድዩ፧ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጕዳያት ዝጭነቕ ድዩ፧ ኣብ ስነ-ፍልጠት ወይ ኣብ ታሪኽ ወይ ከኣ ኣብ ኣከባቢ ዝግደስ ድዩ፧ ኣብ መደምደምታ ናይቲ ምብጻሕ ዘተሓሳስብ ሕቶ ብምልዓል: ምስ ተመለስካ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መልሲ ክትመያየጠሉ ምዃንካ ንገሮ።
8 ንኣብነት: እቲ በዓል ቤት ነቲ ብዛዕባ ገነታዊት ምድሪ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጻዓ እንተድኣ ተቐቢልዎ: ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ዝያዳ ምይይጥ ምግባር ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቅድሚ ምፍልላይካ “ኣምላኽ ነዚ መብጽዓ እዚ ከም ዝፍጽሞ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧” ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ድርሕዚ ወሲኽካ “ምናልባት እቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ቤት ከለዉ: ከላግስ ኢየ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሕቶ እዚ ዝህቦ መልሲ ድማ ከርእየካ እኽእል ኢየ” በሎ።
9 እቲ በዓል ቤት ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣርእስቲ ተገዳስነት እንተድኣ ዘየርኣየ: ካብቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጽእ ኣቀራርባታት ሓንቲ ሕቶ ኣልዒልካ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ምይይጥ ከም መሰረት ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ።
10 ልክዕ ዝዀነ ናይ ጽሑፍ መዝገብ ሓዝ:- ናይ ቤተ-ቤት መዝገብካ ልክዕን ምሉእን ክኸውን ኣለዎ። ካብቲ ገዛ ምስ ወጻእካ ቀልጢፍካ: ስምን ኣድራሻን ናይቲ በዓል ቤት ጸሓፎ: እቲ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣረጋግጽ። ብዛዕባ እቲ ሰብ መለለይታት ጸሓፍ። ብዛዕባ እቲ እተመያየጥኩምሉ ኣርእስቲ: ዘንበብኩምዎ ጥቕስታት: ዝገደፍካሉ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ: ተመሊስካ ክትበጽሖ ከሎኻ ክትምልሶ ዘሎካ ሕቶ መዘኻኸሪ ጸሓፍ። ናይቲ መጀመርታ ግዜ እተራኸብኩምሉን ክትምለሶ ቈጸራ ዝሓዝካዮን መዓልትን ስዓትን ጸሓፍ። ሕጂ መዝገብካ ምሉእ ኢዩ: ኣይተጥፍኣዮ! ዳሕራይ ግዜ ምእንቲ ክትውከሶ ኣብ ጽቡቕ ኣቐምጦ። ብዛዕባ እቲ ውልቀ-ሰብን ኣብ ቀጻሊ ክትበጽሖ ከሎኻ ድማ ብኸመይ ከም እትቐርቦን ምሕሳብ ቀጽል።
11 ዕላማታትካ እንታይ ምዃኑ ፍለጥ:- ብመጀመርታ: ምዉቕን ምቕሉልን ብምዃን ነቲ በዓል ቤት ፍኹስ ከም ዝብሎ ግበር። ዘየድሊ ምቅርራብ ከይገበርካ ከም ሰብ መጠን ብዛዕብኡ ከም እትግደስ ኣርኢ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እግርኻ ዘልዓልካዮ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ኣዘኻኽሮ። ንሓሳባቱ ጽን ኢልካ ስምዓዮ: ነቲ ዝህቦ ሓሳባት ዘሎካ ቅንዕና ዘለዎ ሞሳ ድማ ግለጽ። ድሕርዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ ስለምንታይ ተግባራዊ ከም ዝዀነ ኣርኢ። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ኣብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘሎ ተመሳሳሊ ሓሳባት ውሰዶ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ እቲ ቐንዲ ዕላማኻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ምዃኑ ዘክር።
12 እቲ ቀጥታዊ ኣቀራርባ ናይ መጽሓፍ ፍልጠት መብዛሕትና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንእንገብረሎም ተማሃሮ ኣኼባታት ክካፈሉን ምስ ማሕበር የሆዋ ክሓብሩን ከነበራትዖም ‘ኣትቢዑና’ ኢዩ። ቀደም: ነቶም ውልቀ-ሰባት ምሳና ክሓብሩ ቅድሚ ምዕዳምና ንንውሕ ዝበለ እዋን ጽንዓት ክገብሩ ናብ ምጽባይ ዝዘበልና ኢና ነይርና። ሕጂ: ብዙሓት ተማሃሮ ምጽናዕ ጅምር ምስ ኣበሉ ኣኼባታት ይካፈሉ ኣለዉ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዝያዳ ቀልጢፎም ይዓብዩ ኣለዉ።
13 ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ንሓደ መሳርሕቶም ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት መስከርሉ። ተገዳስነት ከም ዘለዎ ምስ ገለጸ: ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዓደምዎ። ምስኡ ኣተሓሒዞም ድማ ናብቲ ንመብዛሕትኡ ሕቶታቱ መልሲ ክረኽበሉ ዝኽእል ኣኼባታት ክካፈል ከም ዘለዎ ነገርዎ። እቲ ሰብኣይ ፍቓደኛ ብምዃን ጽንዓት ክገብር ተሰማሚዑ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ከጽንዕ: ስርዓታዊ ኰይኑ ድማ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣኼባታት ምክፋል ጀመረ።
14 ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትብሃል ብሮሹር ተጠቐም:- ኣብቲ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ዝብል ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ተቐቢልና ኢና። እዛ ብሮሹር እዚኣ ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ናይ ትምህርቲ ደረጅኦም ብዘየገድስ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ጠቓሚት ኢያ። መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሽፋን: ምሉእ ዝዀነ ናይ መጽናዕቲ ትምህርቲ ዝሓዘት ኢያ። እታ ጽሕፍቲ ፍልጠት ኣምላኽ ንምትሕልላፍ ኣዝያ አስላጢት መሳርሒት ክትከውን ኢያ። ንሓቂ ኣዝዩ ንጹርን ቀሊልን ብዝዀነ መገዲ ስለ እትገልጾ: ነፍሲ ወከፍና ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ንኻልኦት ንምምሃር ክንጥቀመላ ክንክእል ኢና። ብዙሓት ኣስፋሕቲ በዛ ብሮሹር እዚኣ ኣቢሎም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጅማር መሰል ክህልዎም ኢዩ።
15 ንመጽሓፍ ፍልጠት ከጽንዑ ግዜ ዘይብሎም ኰይኑ ዝስምዖም ገለ ውልቀ-ሰባት በታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ገይሮም ሕጽር ዝበለ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። በቲ ዝማሃርዎ ድማ ባህ ክብሎም ኢዩ! ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ገጻት ጥራይ ብዛዕባ እቶም ሰባት ንብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ዝሓስቡሎም ዝነበሩ ከም እኒ ኣምላኽ መን ኢዩ፧ ድያብሎስ መን ኢዩ፧ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ብኸመይ ክትረኽባ ትኽእል፧ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ክረኽቡሉ ኢዮም። እታ ብሮሹር ንሓቂ ብቐሊል ቃላት ገይራ ተቐርቦ እኳ እንተዀነት: መልእኽታ ግን ሓያል ኢዩ። እቶም ሽማግለታት ምስቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ዝምርምርዎም ኣድላይቲ ነጥብታት እትሽፍን ኢያ: ንመጽሓፍ ፍልጠት ኣጸቢቕካ ንምጽናዕ ድማ ከም መበገሲ ኰይና ከተገልግል ትኽእል ኢያ።
16 ተመላሊስካ ምብጻሕካ ክትገብር ከሎኻ ኸጽንዑ ንምዕዳም ብቐሊሉ ከምዚ ክትብል ትኽእል:- “ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ብምውሳድ ንኣድላዪ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶ መልሲ ክትረኽበሉ ከም እትኽእል ትፈልጥዶ፧” ድሕርዚ ኣብታ ብሮሹር ኣብ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርከብ ዝኽእል ሕቶ ኣልዕል። ንኣብነት: ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ትበጽሖ እንተድኣ ኣሊኻ “ኣብ ዝሓለፈ እዋናት የሱስ ሕሙማት ከም ዘሕወየ ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግን: የሱስ ኣብ መጻኢ ግዜ ንሕሙማት: ንኣረጋውያን: ንምዉታት እንታይ ክገብረሎም ኢዩ፧” እቲ መልሲ ኣብ ትምህርቲ 5 ይርከብ። ሓደ ሃይማኖታዊ ዝንበለ ዘለዎ ሰብ “ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧” ብዝብል ሕቶ ይለዓዓል ይኸውን። እዚ ኣብ ትምህርቲ 7 ተመሊሱ ኣሎ። ናይ ስድራቤት ኣባላት “ኣምላኽ ካብ ወለድን ቈልዑን ዝደልዮ ብቕዓታት እንታይ ኢዩ፧” ንዝብል ሕቶ መልሱንጽርቲ ንኽትከውን ክፈልጡ ይደልዩ ይዀኑ። ንትምህርቲ 8 ከጽንዑ ከለዉ ክረኽብዎ ኢዮም። ካልኦት ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም:- “ምዉታት ንህያዋን ክጐድኡ ይኽእሉ ድዮም፧” ኣብ ትምህርቲ 11 ተገሊጹ ኣሎ፣ “ክርስትያናት ኢና ዝብላ ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋ ስለምንታይ ኢዩ፧” ኣብ ትምህርቲ 13 ምይይጥ ተገይርሉ ኣሎ፣ ከምኡውን “ዓርኪ ኣምላኽ ንኽትከውን እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧” ኣብ ትምህርቲ 16 ተሸፊኑ ኣሎ።
17 ነቶም ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ሓግዞም:- ብዛዕባ እቶም ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰብ ቤትከ እንታይ ኢዩ ዝብሃሎ፧ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ በቲ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ቋንቋ ክማሃሩ ኣለዎም። (1 ቈረ. 14:9) ድሕርዚ እቲ ናይ ጉባኤኹም ጸሓፊ ከምዚ ዝበለ ዝዀነ ይኹን ኣድራሻ ከረክቦ ወይ ድማ ዝግባእ ምትዕርራያት ክገብር ኢዩ።
18 ከይደንጐኻ ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር:- ተመላሊስካ ምብጻሕ ቅድሚ ምግባርካ ክንደይ ዝኣክል እዋን ኢኻ ክትጸንሕ ዘሎካ፧ ገለ ኣስፋሕቲ ድሕርቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ጸኒሖም ተመሊሶም ይበጽሑ ኢዮም። ካልኦት ድማ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጸኒሖም ይምለሱ! እዝስ ኣዝዩ ቀልጢፉዶ፧ ብሓፈሻ ክርኣ ኸሎ ሰብ ቤት ከምዚ ምግባር ዝቃወሙ ኣይመስሉን ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ኣስፋሒ ኢዩ ቍሩብ ትብዓት ወሲኹ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክዅስኵስ ዘለዎ። ነዚ ዝስዕብ ተመክሮታት ርአ።
19 ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኣስፋሒ ካብ ቤት ናብ ቤት እናገልገለ ኸሎ: ክልተ ብእግረን ዝኸዳ ዝነበራ ኣንስቲ ርኣየ። ነቲ ኣብ ዝረኸብናዮም ቦታ ንሰባት ክንሰብከሎም ከም ዘሎና እተዋህበ ምትብባዕ ብምዝካር: ነተን ኣብ መገዲ ዝነበራ ኣንስቲ ቀረበን። ኣብቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ተገዳስነት ኣርኣያ: ነፍሲ ወከፈን ድማ መጽሓፍ ፍልጠት ወሰዳ። እቲ መንእሰይ ሓው ኣድራሽአን ተቐበለ: ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ተመልሰን: ምስ ነፍሲ ወከፈን ከኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ።
20 ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ከርኢ ኸሎ: ብዝዀነ ይኹን መገዲ ምጽራር ከም ዘጋጥሞ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጀመርታ ምስ ረኸብናዮ ቀልጢፍና ተመሊስና ምስ እንበጽሖ ነቲ ካብ ኣዝማድ: ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ: ከምኡውን ካብ ካልኦት ዝመጾ ዝዀነ ይኹን ጸቕጥታት ንኽዋጽኣሉ ሓይሊ ክህቦ ኢዩ።
21 ናይቶም ህዝቢ ኣብ ዝርከበሉ ቦታታት ዘለዉ ሰባት ተገዳስነት ኰስኵስ:- መብዛሕትና ኣብ መገዲ: ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ: ኣብ ናይ ሸመታ ማእከላት: ኣብ መናፈሲ ቦታታት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ምስባኽ ንሕጐሰሉ ኢና። ጽሑፋት ኣብ ርእሲ ምዕዳልና ነቲ እተራእየ ተገዳስነት ክንኵስኵስ የድልየና ኢዩ። ነዚ ንምግባር ናይ ነፍሲ ወከፍ እንረኽቦ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ስም: ኣድራሻ: ከምኡውን ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ስልኪ ቝጽሪ ክንሕዝ ክንጽዕር ኣሎና። ነዚ ሓበሬታታት እዚ ንምርካብ ከምቲ እትሓስቦ ከቢድ ኣይኰነን። እቲ ዝርርብ ናብ ምውድኡ ክኸይድ ከሎ: ነታ መዘኻኸሪ እትጽሕፈላ ኣውጽኢካ “ነዚ ዕላልና ክንቅጽለሉ እንኽእል ካልእ ግዜ ይህሉዶ፧” ወይ ድማ “ሓንቲ ብርግጽ እተገድስካ ዓንቀጽ ከተንብባ ደልየ ነይረ። ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈትካ ከምጽኣልካዶ፧” ኢልካ ሕተቶ። ሓደ ሓው ብቐሊሉ “በየናይ ስልኪ ቑጽሪ ክረኽበካ እኽእል፧” ኢሉ ይሓትት። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይካ ሰለስተ ሰባት ካልኦት ኵሎም ስልኪ ቝጽሪ ክህብዎ ሕጕሳት ከም ዝነበሩ ገለጸ።
22 ስልኪ ተገደስቲ ንምርካብን ተገዳስነቶም ንምዕባይን ተጠቐመሉ:- ሓንቲ ፓይነር ሓብቲ ነቶም ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ጸጥታ ቍጽጽር ዝግበረሉ ህንጻታት ዝነብሩ ሰባት ንምርካብ ተሌፎን ትጥቀም። ተመላሊስካ ምብጻሕ ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ትገብር። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምድዋል ከምዚ ትብል:- “ከም ዘይንፋለጥ እርዳእ ኢየ። ኣብዚ ቦታኹም ንዘለዉ ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ንኸካፍሎም ፍሉይ ጻዕሪ እገብር ኣሎኹ። ቍሩብ ግዜ እንተድኣ ኣሎካ ነቲ ኣብ . . . ዘሎ መብጽዓ ከንብበልካ ደስ ምበለኒ።” ነቲ ጥቕሲ ምስ ኣንበበት: ከምዚ ትብል “እዚ ግዜ እዚ መጺኡ ክንርእዮስ ዘደንቕዶ ከይኰነ፧ እዚ ንዓኻ ስለ ዘንበብኩልካ ተሓጒሰሉ ኢየ። ንስኻውን ተሓጒስካሉ እንተድኣ ኴንካ ካልኣይ ግዜ ደዊለ ካልእ ጥቕሲ ክንዘራረበሉ ባህ ምበለኒ።”
23 ኣብቲ ካልኣይ እትድውለሉ ግዜ: ነቲ በዓል ቤት ነቲ ቕድም እተዘራረቡሉ ጕዳይ ተዘክሮ: እከይ ምስ ኣልገሰ ኵነታት ከመይ ክመስል ምዃኑ ንምግላጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉ ከም እትደሊ ትነግሮ። ድሕርዚ ምስ በዓል ቤት ሕጽር ዝበለ ምይይጥ ትገብር። ካብቲ ዝገበረቶ ብዙሕ ናይ ስልኪ ዝርርባት 35 ሰባት ናብ ገዝኦም ክትመጾም ዓዲሞምዋ: ሸውዓተ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረት!
24 ኣብቲ ናይ ንግዲ ቦታታት እተረኽበ ተገዳስነት ተኸታተሎ:- ካብ ድኳን ናብ ድኳን ከነገልግል ከሎና መጽሔታት ጥራይ ካብ ምዕዳል ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ብዙሓት ሰብ ድኳን ኣብ ሓቂ ቅንዕና ዘለዎ ተገዳስነት ኣለዎም: እቲ ዘርእይዎ ተገዳስነት ድማ ክዅስኰስ ኣለዎ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ንምግባር ወይ እውን ሽዑ ንሽዑ ጽንዓት ንምጅማር ዝከኣል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ድማ ንስኻን እቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብን ኣብቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ዝምችእ ግዜ ክትራኸቡ ይከኣል ኢዩ።
25 ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ጽንዓት ክገብሩ ንምዕዳም እዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል:- “እንገብሮ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብመርኣያ ንምቕራብ 15 ደቒቕ ጥራይ ኢዩ ዝወስድ። ዝጥዕም እንተድኣ ዀይኑ ብኸመይ ከም እንገብሮ ከርእየካ ሕጕስ እየ።” ድሕርዚ ኣብታ ዝበልካዮ ግዜ ወድእ። ኣብቲ ናይ ንግዲ ቦታ ንውሕ ዝበለ ምይይጥ ንምግባር ዘይክኣል ምስ ዝኸውን: ነቲ በዓል ድኳን ኣብ ቤቱ ክትበጽሖ ዝያዳ ዝጥዕም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
26 ዋላ ጽሑፍ ኣይትዓድል ተመሊስካ ብጽሓዮ:- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብልጭታ ናይ ተገዳስነት እተራእየሉ: ጽሑፍ ይተዓደል ኣይተዓደል ብዘየገድስ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበር ኣለዎ። ልክዕ ኢዩ እቲ በዓል ቤት ብሓቂ ኣብቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ከም ዘይግደስ እንተድኣ ኣርእዩ: ናብ ካልኦት ሰባት ምኻድ ዝሓሸ ኢዩ።
27 ሓንቲ ሓብቲ ካብ ቤት ናይ ቤት ከተገልግል ከላ ሓንቲ ኣዝያ ምቕልልቲ ግናኸ መጽሔታት ምውሳድ ዝኣበየት ሰበይቲ ረኸበት። እታ ኣስፋሒት ከምዚ ኢላ ትጽሕፍ:- “ንብዙሕ መዓልትታት ብዛዕብኣ ሓሰብኩ: ካልኣይ ግዜ ደጊመ ክዛረባ ድማ ወሰንኩ።” ኣብ መወዳእታ እታ ሓብቲ ጸልያ: ተቢዓ: ኣብ ቤት ናይታ ሰበይቲ ኳሕኵሐት። እታ በዓልቲ ቤት ክትኣቱ ዓደመታ: እዚ ድማ ኣሐጐሳ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ: ኣብታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ ድማ እንደገና ኣጽንዓ። ኣብ መወዳእታ እታ በዓልቲ ቤት ኣብ ሓቂ መጸት።
28 ብዝከኣለካ ብዙሕ ንኽትዓዪ ኣቐዲምካ መድብ:- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ገለ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ከተሕልፍ ጽቡቕ ኢዩ። ጽቡቕ መደብ ብምግባር ብዙሕ ክዕመም ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት እትዓየሉ ቦታ ዘሎ ተመላሊስካ ምብጽሕ ኣብ ሓደ ግበሮ።
29 እቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባርን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ዕዉታት ዝዀኑ: ኣብ ሰባት ቅንዕና ዘለዎ ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይን ድሕርቲ ምብጻሕ ኣብ ዘሎ እዋን እውን ከይተረፈ ብዛዕብኦም ምሕሳብን ኣድላዪ ምዃኑ ይዛረቡ ኢዮም። ዝማርኾም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስቲ ምምይያጥ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ቅድሚ ካብቶም ሰባት ምፍልላይካ ድማ መሰረት ምንባር ኣድላዪ ኢዩ። ብተወሳኺ: ነቲ ተገዳስነት ንምክትታል ቀልጢፍካ ምምላስ ኣገዳሲ ኢዩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ዝብል ዕላማ ድማ ኵሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮ ክተሓዝ ኣለዎ።
30 ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ንምዕዋት ኣገዳሲ ባህርይ ትብዓት ኢዩ። ብኸመይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ብስራት ንምስባኽ “ብኣምላኽና ተባዕና” ብምባል ይምልስ። በዚ መዳይ እዚ ክትዓቢ እንተድኣ ደሊኻ ክሕግዘካ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ድሕርዚ ምስ ጸሎትካ ብምስምማዕ ንዅሉ እተራእየ ተገዳስነታት ተኸታተሎ። ብርግጽ: የሆዋ ንጻዕርታትካ ክባርኾ ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ብኸመይ ዕዉት ከም እትኸውን
■ ኣብ ሰባት ቅንዕና ዘለዎ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ።
■ ንምይይጥ ዝኸውን ዝማርኾም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስቲ ምረጽ።
■ ንነፍሲ ወከፍ ተኸታታሊ ተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር።
■ ምስ ተፈላለኹም ብዛዕባ እቲ ሰብ ምሕሳብ ቀጽል።
■ ንእተራእየ ተገዳስነት ንምክትታል ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ተመለስ።
■ ዕላማኻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ምዃኑ ዘክር።
■ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኽተብዕ ሓገዝ ንምርካብ ጸሊ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
(ኣብ ገጽ 6 ይቕጽል)
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ተመላሊስካ ምብጻሕ (ካብ ገጽ 4 ዝቐጸለ)