ቲኦክራሲያዊ ዜና
እቲ ኣብ ነገሌ ቦረና ዘሎ ጕጅለ ነቲ ዝሓለፈ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ኣጸቢቑ ኣስተማቒርዎ ኢዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ዘለዉ ኣሕዋት ኣብታ ሰሙን ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ክካፈሉ ካብ ስርሖም ዕረፍቲ ከም ዝወስዱ ገበሩ። የሆዋ ነዚ ናይ ርእሰ መስዋእትነት መንፈስ ባረኾ: ኵሎም ከኣ ኣብቲ ዞባ ጽቡቕ መልሲ ረኸቡ።
ነቲ ኣብ ገጽ 5 ናይ 1996 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዘሎ ምኽሪ ብምኽታል: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዋሬ ጉባኤ ኣብ ሕዳር ነፍሲ ወከፍ ቀዳም: መዓልቲ ምዕዳል መጽሔት ገበረቶ። ኣብ መወዳእታ ቐዳም ናይታ ወርሒ ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት ናይታ መዓልቲ ኣርባዕተ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ተመደበ። እታ ጉባኤ ጽቡቕ ምላሽ ሃበት: ብዙሕ ዞባ ኸኣ ተሸፈነ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ 246 መጽሔታት ተዓደለ: ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኸኣ ኵሉ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ናይ ቀደም መጽሔታት ኣብ ጽቡቕ መዓላ ወዓለ።