ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/97 ገጽ 5
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 3/97 ገጽ 5

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን:- ንጽል ቅድሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ግንቦትን ሰነን:⁠- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣተኩር።

◼ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ 1 መጋቢት ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።

◼ ሎሚ ዓመት እቲ ናይ እዋን ዝኽሪ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት ሰንበት 6 ሚያዝያ ኢዩ ዝወሃብ። ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ “ካብ ዓለማዊ ርኽሰት ንጹህ ኩን” ዝብል ኢዩ። ኵላትና ክንካፈል: ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝመጹ ተገደስቲ ሰባት ከኣ ኣብቲ ዝርርብ ክርከቡ ክንሕግዞም ይግብኣና። እቲ እንሰምዖ ንኣምላኽ ከነሐጕስ ዘሎና ቆራጽነት ከነሐድስ ምኽንያት ክዀነና ኢዩ።

◼ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ኣብ እተፈላለየ እዋን ናይ ዓመት: ንቘልዑ ካብ ትምህርቲ ከምኡውን ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ዘውህብ ዓለማዊ በዓላት ኣሎ። እዚ እታ ጉባኤ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝያዳ ክትካፈል ዘኽእላ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። ሽማግለታት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣቐዲሞም ክሓስብሉ: ከምኡውን ኣብዚ ናይ በዓል እዋናት ናይ ጕጅለ ስብከት ንምግባር ዘሎ ምድላዋት ኣቐዲሞም ነታ ጉባኤ ከፍልጥዋ ይግብኦም።

◼ ኣብ መኽዘን ኣብ 113 ካሴታት እተቐድሐ ገለ ቑሩብ ናይ መንግስቲ መዝሙራት ኣሎና። እዚ ንጉባኤታት ኣገዳሲ ኢዩ: ምኽንያቱ ሕጂ እቲ 100 መዝሙር ዝሓዘ ናይ ኣምሓርኛ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ኣሎና። ነፍሲ ወከፍ ካሴት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጻ ሓንቲ መዝሙር ጥራይ ዝሓዘት ኢያ። እዚ ኸኣ ነቶም ሙዚቃ ዘቕርቡ ኣሕዋት ስራሕ ዘቃልል ኢዩ። ናይ ብምሉኡ (Lsb-cs) ዋጋ 483 ብር ኢዩ።

◼ ሓድሽ ዋጋ ናይ መጽሔት መትሓዚ ፋይል 33 ብር ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ