ሕቶ ሳጹን
◼ እታ ጉባኤ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት መደባት ኣብ ምግባር ክትሕግዝ ምስ እትጽዋዕ: እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክለዓል ይከኣል ኢዩ:-
ናይ ቀብሪ ዝርርብ መን ኢዩ ክህብ ዝግብኦ፧ እዚ ብኣባላት ስድራቤት ክግበር ዘለዎ ውሳነ ኢዩ። ዝዀነ ጽቡቕ ኣቃውማ ዘሎዎ ጥሙቕ ሓው ክመርጹ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ኣካል ሽማግለታት ዝርርብ ዝህብ ክቕርቡ እንተድኣ ተሓቲቶም ከኣ ሓደ ክኢላ ሽማግለ ብመሰረት ናይ ማሕበር እተዋጽእ ጽሑፍ ዝርርብ ክህብ ክመርጹ ኢዮም። ነቲ ምዉት ዘይንውድስ እኳ እንተዀንና: ነቲ ንሱ ወይ ንሳ ዘርኣይዎ ኣብነታዊ ጠባይ ክንጠቅስ ግን ግቡእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣደራሽ መንግስቲ ክትጥቀም ይከኣልዶ ኢዩ፧ እቶም ኣካል ሽማግለታት እንተድኣ ኣፍቂዶምን ነቲ ስርዓታዊ መደብ ናይ ኣኼባ ዘየመናጉ እንተድኣ ኰይኑን ይከኣል ኢዩ። እቲ ምዉት ጽቡቕ ስም እንተድኣ ነይርዎን ኣባል ናይታ ጉባኤ እንተ ነይሩን ወይ ከኣ ዕድሚኡ ዘይኣኸለ ውሉድ ናይ ሓደ ኣባል እንተድኣ ዀይኑ እቲ ኣደራሽ ክትጥቀም ይከኣል ኢዩ። እቲ ውልቀ-ሰብ ብዘይ ክርስትያናዊ ጠባዩ ኣብቲ ህዝቢ ፍሉጥ እንተድኣ ነይሩ: ወይ ነታ ጉባኤ ሕማቕ ነጸብራቕ ክገብረላ ዝኽእል ካልእ ረቛሒታት እንተድኣ ኣልዩ: እቶም ሽማግለታት እቲ ኣደራሽ ካብ ምጥቃም ክኽልክሉ ይኽእሉ ኢዮም።—ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ): ገጽ 62-3 ርአ።
ብልምዲ: መንግስቲ ኣደራሽ ናይ ዘይኣመንቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንምፍጻም ኣየገልግልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ብህይወት ዘለዉ ኣባላት ስድራቤት ከም ጥሙቓት ኣስፋሕቲ መጠን ንጡፋት እንተድኣ ኰይኖም: እቲ ምዉት ንሓቂ ጽቡቕ ኣረኣእያ ከምኡውን ኣብቲ ማሕበረሰብ በቲ ቅኑዕ ጠባዩ ጽቡቕ ስም ከም ዝነበሮ ብዝሕ ዝበሉ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ይፈልጡ እንተድኣ ነይሮም: ከምኡውን እቲ ፕሮግራም ዋላ ሓንቲ ዓለማዊ ልምዲ ዘይሕወሶ እንተድኣ ኰይኑ: ሓድሓደ ግዜ ፍልይ ዝበለ ነገር ክግበር ይከኣል ኢዩ።
እቶም ሽማግለታት መንግስቲ ኣደራሽ ንምጥቃም ከፍቅዱ ከለዉ: እቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ክህሉ ልሙድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምልከቱ ኢዮም። ልሙድ እንተድኣ ኰይኑ ኣብቲ ኣደራሽ ክመጽእ ከፍቅዱ ይኽእሉ ኢዮም።
ብዛዕባ ንዓለማውያን ሰባት ዝግበር ስነ-ስርዓት ቀብሪኸ፧ እቲ ዝሞተ ኣብቲ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ስም እንተድኣ ነይርዎ: ሓደ ሓው ዘጸናንዕ ዝርርብ ኣብ ቤት ወይ ኣብ መቓብር ክህብ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ዘይስነ-ምግባራውን ስርዓት ዘይብሉን ጠባይ ከም ዝነበሮ ፍሉጥ ዝዀነ ወይ ከኣ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ዝጋጮ ናብራ ዝነበሮ ሰብ: ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ክትፍጽም እታ ጉባኤ ትኣቢ ኢያ። ሓደ ሓው ምስ ሓደ ቀሺ ሓቢሩ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዝህብኦ ኣገልግሎት ወይ ከኣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ናይ ዓባይ ባቢሎን ዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይካፈልን ኢዩ።
እቲ ዝሞተ ውጉዝ እንተነበረኸ፧ ብሓፈሽኡ እታ ጉባኤ ኣብኡ ኢዳ ኣይተእቱን ኢያ: መንግስቲ ኣደራሽ ምጥቃም እውን ኣይከኣልን ኢዩ። እቲ ሰብ ናይ ነስሓ መረጋገጺ ዝህብ: ንኽምለስ ከኣ ባህጊ ዘርኢ እንተድኣ ነይሩ: ነቶም ዘይኣመንቲ ንምምስካርን ነዝማድ ንምጽንናዕን ሓደ ሓው ኣብ ገዛ ወይ ኣብ መቓብር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ክህብ ሕልንኡ ከፍቅደሉ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ሓው እዚ ውሳነ እዚ ቅድሚ ምግባሩ ምስቶም ኣካል ሽማግለታት ክማኸርን ነቲ ዝብልዎ ኸኣ ኣብ ግምት ከእትዎን ጥበብ ኢዩ። እቲ ሓው እቲ ኢዱ ከእቱ ጽቡቕ ኣብ ዘይኰነሉ ኵነታት ከኣ: ሓደ ኣባል ስድራቤት ናይቲ ዝሞተ ሰብ ዝዀነ ሓው: ነቶም ኣዝማድ ንምጽንናዕ ዝርርብ ክህብ ግቡእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ተወሳኺ መምርሒ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ሕታም ናይ 15 ጥቅምቲ 1990 ገጽ 30-1፣ 15 መስከረም 1981 ገጽ 31፣ 15 መጋቢት 1980 ገጽ 5-7፣ 1 ሰነ 1978 ገጽ 5-8፣ 1 ሰነ 1977 ገጽ 347-8፣ 15 መጋቢት 1970 ገጽ 191-2፣ ከምኡውን ኣብ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ናይ 8 መስከረም 1990 ገጽ 22-3 ከምኡውን ናይ 22 መጋቢት 1977 ገጽ 12-15 ክርከብ ይከኣል ኢዩ።